ኢትዮ-ቴሌኮም ብዛዕባ ምጅማር ኣገልግሎት ቴሌፎን ሽረ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ፡ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን ኣብ ቀረባ እዋን ንኽጅምር ይሰርሕ ምህላዉ፡ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ።
ናብቲ ከባቢ ዝተላእኩ ሰብሞያ ናይ ፈተነ ስርሓት የካይዱ ምህላዎም እውን እቲ ትካል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ቺፍ ኮምዩኒኬሽን ኦፊሰር ኣቶ መሳይ ውብሸት፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል እቲ ተቛሪጹ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ንምጅማር ይረባረቡ እዮም ዘለዉ ክብል ተዛሪቡ።
“ንትሕተ ቅርጺ መርበባት መሊስካ ምህናጽን ኣገልግሎታት ዳግም ከም ዝጅምሩ ምግባርን ምርብራብ ይግበር ኣሎ። ጕጅለታትና ኣብ ስራሕ እዮም ዘለዉ። እቲ ኔትዎርክ ግን ብዝተፈላለዩ ነገራት ስለዝድረኽ፡ ክጽገኑ ዘለዎም ነገራት ከምኡ ድማ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝምልከት ክስርሑ ዝግባኦም ነገራት'ኳ እንተሃለዉ፡ ብዘሎ ኣማራጺ ነቲ ኣገልግሎት መሊስና ንምጅማር ኣብ ጻዕሪ ኢና ንርከብ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሽረን ከባቢኣን ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኣብ ካልኦት እውን ሰፋሕቲ ስርሓት ይስርሑ እዮም ዘለዉ” ኢሉ።
ብዛዕባ እቶም ዝስርሑ ዘለዉ ዕማማት ብዝምልከት ኣብ ቀረባ እዋን ብዝርዝር ከምዘፍልጡ ዝተዛረበ ኣቶ መሳይ፡ ዝሐሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ብዝብል፡ ምዝርጋሕ ፋይበር ኣብ ዝጠልቡ ስርሓት ኣድሂቦም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ካብ ፋይበር ብተወሳኺ፡ ብኻልኦት ኣማራጺታት እውን ነቲ ኣገልግሎታት ንምጅማር ጻዕርታት ይግበሩ ምህላዎም ዝሓበረ ኣቶ መሳይ ብዝተወሰነ ደረጃ ፈተነታት ይካየዱ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።
ብሰሉስ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣገልግሎት ቴሌኮም ከም ዝጀመረ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ብማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ነይሩ።
ኣቶ መሳይ ብዛዕባ እቲ ተጀሚሩ ዝተባህለ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ንሕና ኣገልግሎት ጀሚሩ ኣሎ ኣይበልናን። ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ንምጅማር ኣብ ዘኽእል ደረጃ እውን ኣይኰነን ዘሎ። ግን ከኣ ናይ ፈተነ ስርሓት ነካይድ ስለዘለና፡ ንዕኡ ብምርኣይ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ሓበሬታ ዝወጽእ ዘሎ። ፈተነ ማለት ኣገልግሎት ጀሚሩ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ምናልባት ናይ ፈተነ ንጥፈታት ስለዘለዉ ክኸውን ይኽእል እዩ ከምኡ ተባሂሉ ዘሎ” ኢሉ።
ኢትዮ-ቴሌኮም ብዘለውዎ መዐቀኒታት ባዕሉ ፈተነ ምስገበረ፡ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ወግዓዊ መግለጺ ከምዝህብን፡ ኣበየናይ ከባቢ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ከም ዘፍልጥን ሓቢሩ።
እቲ ሓላፊ ቅድም ክብል ብዝተሰርሐ ስርሓት፡ ኣብ ከተማታት ኣላማጣ፡ ኮረም፡ ዓዲኣርቃይ፡ ማይፀብርን ፀለምትን ዝርከብዎም 13 ከተማታት፡ ኣገልግሎት ቴሌኮም ምምላስ ከምዝተኻእለ ገሊጹ።
እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ጠንቂ ሞት ኣሽሓት ሰባት፡ ምምዝባል ሚልዮናት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዕንወትን ዝዀነ ደማዊ ኵናት ትግራይ ደው ንምባል፡ ኣብ ሕዳር ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ውዕል ሰላም ምኽታሙ ይፍለጥ።
ናብቲ ብሚልየናት ዝቑፀር ህዝቢ ኣብ ዕጽዋ፡ ብጥምየትን ስእነት ኣፋውስን ዝሳቐዩላ ዘለዉ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክኣቱን ብመንግስቲ ፈደራል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመሩን ትጽቢት ይግበር።
ናብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ክንዲ’ቲ ዝደለ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ከምዘየለ ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ሓበሬታታት የመልክቱ።
ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ንትግራይ ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ተዛተይቲ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን፡ ናብ መላእ ትግራይ ዝኣተዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን 145 ጥራሕ ምዃነን ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ጉዳይ በቲ ዝተሰማማዕናሉ መንፈስ መሰረት ሰሊጡ ኣይመጽእን ዘሎ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ ትግራይ፡ ንሕና ዝሓዝናዮን ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተታሕዘ ከባቢ ሓዊስካ፡ ኣብ ሰለስተ ሰሙን 145 መካይን እየን መጺአን። ዳርጋ ምልክት ኣርእዩ እምበር ጀሚሩ እውን ክትብሎ ከቢድ እዩ፤ እዚ የተሓሳስበና እዩ” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ’ውን ምስ ቢቢሲ 'ሃርድቶክ' ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ዛጊት ድሕሪ እቲ ውዕል ዝረብሕ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወን ፖለቲካዊ ጸወታ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዝጥርጥሩን ተዛሪቡ።
“ዋላ'ኳ ብወገን ማሕበሰብ ዓለም ተገዳስነት እንተሃለወ፡ እቲ ዛጊት እንርእዮ ዘለና ምዕባለ ግን እዚ ዝበሃል ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንን ሎምመዓልትን በረራታት ተጸቢና ኔርና። እንተኰነ እቶም በረራታት ተሰሪዞም እዮም፡” ምባሉ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







