ብግጉይ ፍርዲ 48 ዓመታት ዝተኣሰረ ውልቀሰብ ነጻ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, NEWS9, OKLAHOMA CITY KWTV
ዳኛ ኦክላሆማ፡ ኣብ 1974 ብዝተፈጸመ ቅትለት ንኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ሰብኣይ ነጻ ብዝብል ኣፋንያ።
እዚ: ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ እቲ ዝነውሐ ግጉይ ፍርዲ እዩ።
ወዲ 70 ዓመት ግሊን ሲሞንስ ጉዳዩ ከም ሓድሽ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዳኛ ምስ ኣዘዘት እዩ ሎሚ ነጻ ክወፅእ በቒዑ።
ዞባዊት ዳኛ ኦክላሆማ ኤሚ ፓሉምቦ ብሰሉስ ኣብ ዘሕለፈቶ ትእዛዝ ሚስተር ሲሞንስ ካብቲ ገበን ነጻ ምዃኑ ኣዊጃ።
"እዚ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ሲሞንስ ዝተኸሰሰሉ፣ ዝተፈርደሉን ዝተኣስረሉን ገበን ብእኡ ከምዘይተፈጸመ ብንጹርን ዘእምንን መርትዖ ኣረጋጊጹ ኣሎ" ኢላ ኣብቲ ዝሃበቶ ውሳነ።
ሲሞንስ ድሕሪ እቲ ውሳነ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እዚ ትምህርቲ ጽንዓትን ብርተዐን እዩ" ምባሉ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
ኣስዒቡ "ዝኾነ ሰብ 'ከምዚ ከጋጥም ኣይክእልን እዩ' ንኽብለኩም ኣይትፍቀደሉ፤ ምኽንያቱ ብጭቡጥ ከጋጥም ይኽእል እዩ" ኢሉ።
ሲሞንስ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ከባቢ ከተማ ኦክላሆማ ኣብ ዝተኻየደ ምዝማት ድኳን መስተ፡ ኣብ ልዕሊ ካሮሊን ሱ ሮጀርስ ዝተብሃለት ውልቀሰብ ብዝተፈፀመ ቅትለት’ዩ ተታሒዙ ተፈሪድዎ። ን48 ዓመታት፣ ሓደ ወርሕን 18 መዓልታትን ድማ ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ።
እዚ ከኣ እቲ ዝነውሐ ግዜ ብጌጋ ፍርዲ ኣብ እሱር ጸኒሑ ብነጻ ዝተፋነወ ውልቀሰብ ይገብሮ።
ሲሞንስ ምስ ሓደ ምስኡ ዝተኣሰረ ተኸሳሲ ኣብ 1975 ንሞት ክፈርዱ ከለዉ ዕድሚኡ ወዲ 22 ዓመት እዩ ነይሩ። ብርግፅ እቲ ናይ ሽዑ ፍርዲ ሞት ድሒሩ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተመሓይሹሉ እዩ።
ንሱ እቲ ቅትለት ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብታ ዝነብረላ ግዝኣት ሉዊዚያና ከምዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።
ሓደ ዞባዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ንኩሉ መርትዖታት ናብ ተኸላኸልቲ ጠበቓታት ከምዘየረከቡ ድሕሪ ምፍላጡ ከምኡ’ውን ሓደ ምስክር ካልኦት ጥርጡራት ብምጥቋሙ ነይሩ ብጌጋ ከምዝተፈረዶ ዝተፈለጠ።
ሲሞንስን ሮበርትስ ዝተብሃለ ካልኣዩን ብሰንኪ ምስክርነት ሓደ ኣብ ድሕሪት ርእሱ ብጥይት ዝተሃርመ መንእሰይ እዮም በቲ ገበን ተኸሲሶም።
ኣብቲ እዋን ፖሊስ ንጥርጡራት መስርዕ ኣትሒዙ ነቲ መንእሰይ ጥርጡራት ከለልይ ክሓቶ ከሎ ናብ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ሮበርትስ ዝተብሃለ ምስ ሲሞንስ ዝተኣሰረ ውልቀሰብ ኣብ 2008 ብምሕረት ተፈቲሑ።
ኣብ ኦክላሆማ ብጌጋ ዝተፈርዱ ሰባት ክሳብ $175,000 (£138,000) ካሕሳ ክኽፈሉ ሕጋዊ መሰል ኣለዎም።
ሲሞንስ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ መንሽሮ ጸላም ከብዲ ይቃለስ ዘሎ ኮይኑ ንመነባብሮኡን ንሕክምና ኬሞቴራፒን ዝኾኖ ኣሽሓት ዶላር ብ ጎ ፈንድ ሚ [GoFundMe] ከምዘዋህለለ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







