ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተኸሰሰ ፕረዚደንት ነበር - ዝተገልጸሉ ፋይላት

ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ነበረ ሮድሪጎ ሮኣ ዱተርተ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ነበረ ሮድሪጎ ሮኣ ዱተርተ ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበን ኣብ ዝቐረበሉ ቀዳማይ ክሲ፡ ኣብ መንጎ 2013ን 2016ን ኣብ ከተማ ዳቫኦ - ከንቲባ እታ ከተማ ኣብ ዝነበረሉ እዋን - ኣብ ቅትለት 19 ሰባት ተራ ነይሩዎ ዝብል እዩ።

እቶም ካልኦት ክልተ ክስታት ድማ ፕረዚደንት ፍሊፒኒስ ኣብ ዝነበረሉ ካብ 2016 ክሳዕ 2022 ኲናት ኣንጻር ሓሽሽ ገጢምሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዘጋጠሙ እዮም።

እቲ ካልኣይ ክሲ ኣብ መላእ ሃገር ምስ ዝርከቡ 14 "ልዑል ደረጃ ዘለዎም ዒላማታት" ዝተሓሓዝ ቅትለታት እዩ።

እቲ ሳልሳይ ክሲ ድማ ኣብ እዋን ስርሒታት ምጽራይ ዓድታት፡ ኣብ ልዕሊ 45 ሰባት ዝተፈጸሙ ቅትለታትን ፈተነ ቅትለታትን እዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ዱተርተን ካልኦት ሓገዝቱ ተባሂሎም ዝተኸሰሱን፡ ኣብ ፊሊፒንስ ገበነኛታት ምዃኖም ዝእመነሎም ሰባት "ክሓቁ" ንምግባር ናይ ሓባር መደብ ነይሩዎም ይብሉ። እዚ ድማ ኣብ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ፡ ምሻጥ ወይ ምፍራይ ከም ዝነጥፉ ዝሕሰቡ ሰባት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ከም ቅትለት ዝኣመሰለ ዓመጽ ዝመልኦ ገበናት ይጥቀሙ ነይሮም።

እቲ ፕረዚደንት ነበረ ኣብቲ ጸረ-ዕጸፋርስ ዝወስዶ ዝነበረ ተሪር ስጕምቲ ከም ዝመቱ ብዛዕባ ዝግለጹ ልዕሊ 6,000 ሰባት ይቕረታ ኣይሓተተን። እቶም ተጣበቕቲ፡ እቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ካብዚ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምኑ፣ ምናልባት ዓሰርተታት ኣሽሓት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዱተርተ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ጐደናታት ንዝፍጸም ገበናት ደው ንምባል ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ዕጸፋርስ ስጕምቲታት ከም ዝወሰደ ገሊጹ።

ሮድሪጎ ዱተርተ ብዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበን (ICC) ዝተኸሰሰ ናይ መጀመርታ እስያዊ መራሒ ሃገር ነበር እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቤትፍርዲ ካብ ዝምስረት ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናብቲ ኣብ ሆላንድ ዝመደበሩ ቤትፍርዲ ዝመጽአ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ። ካብ መጋቢት ጀሚሩ ድማ ኣብኡ ተኣሲሩ ይርከብ።

ጠበቓኡ፡ ዱተርተ ብሰንኪ ሕማም ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ከም ዘይክእል ይዛረብ።

ኣብ ግንቦት፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተ ነበረ፡ ዳግማይ ከንቲባ ከተማ ዳቫኦ ኰይኑ ተመሪጹ። ካብ 2022 ጀሚሩ ከንቲባ ኰይኑ ዝጸንሐ ወዱ ሰባስትያን፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ግዝያዊ ከንቲባ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ደገፍቲ ዱተርተ፡ ህሉው ፕረዚደንት እታ ሃገር ፈርዲናንድ ማርኮስ ንICC ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ይጥቀመሉ ከም ዘሎን ምስ ስድራቤት ዱተርተ ብግልጺ ዘይምስምማዕ ከም ዘለዎን ይገልጹ።

ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበን ብዘይ ምትሕብባር ሃገሮም ሰባት ናይ ምእሳር ስልጣን የብሉን። መብዛሕትአን ሃገራት ድማ ኣይተሓባበራን።