የመን፡ ህይወት ሰለስተ ተጋሩ ኣዝማድ ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ኣመሪካ
![ጽሩይ ሃይሉ ወ|ገብሪኤል፡ ሂወት ማሓሪ ኣኸዛን መዓርግ ገ|ስላሴ ጸጋይን [ካብ ጸጋም ናብ የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/05bd/live/1d7085c0-2cbd-11f0-b26b-ab62c890638b.png.webp)
ምንጪ ስእሊ, AMLESET
- Author, ኣኽሊሉ ጸጋይ
- Role, ቢቢሲ ትግርኛ
ጽሩይ ሃይሉ ወልደገብርኤል - ዕድመ 25 ዓመት - ኣብ የመን ዝጸንሓሉ ሰለስተ ዓመት
ሂወት መሓሪ ኣኸዛ - ዕድመ 24 ዓመት - ኣብ የመን ዝጸንሓሉ ክልተ ዓመት
መዓርግ ገብረስላሴ ጸጋይ - ዕድመ 24 - ኣብ የመን ዝጸንሐሉ ሸሞንተ ኣዋርሕ

ሰለስተኦም ደቂ ሓውቦታትን ሓትኖን ኰይኖም ኣብቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ብዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ህይወቶም ስኢኖም።
ቲቪ ኣልማሲራ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ በቲ ኣብ ዞባ ሳዓዳ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣስታት 68 ስደተኛታት ከም ዝተቐተሉን ካልኦት 47 ከም ዝቘሰሉን ኣቃሊሑ ነይሩ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዝርከቡ ገሊጹ።
ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ናይቲ ሑቲ ዝመርሖ ምምሕዳር ብወገኑ፡ "ምስ ገበን ኲናት ዝዳረግ፡" ክብል ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።
'ኣይትጨነቓ ደሓን ኢና ዘለና'
ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ትግራይ ወረዳ ጽራእ ወምበርታ ጣብያ ዒራ ብምብጋስ ናብ ስደት ኣምሪሖም፣ በረኻን ባሕርን ስጊሮም ድማ ናብ የመን ኣትዮም።
ጽሩይ፡ ሂወትን መዓርግን ራጎ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከኣ ንነዊሕ እዋን ጸኒሖም። ኣብኡ ድማ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብዝብል ተታሒዞም ተኣሲሮም።
ካብ ዝእሰሩ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣሕሊፎም ነይሮም። ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ መዳጐኒ ሳዓዳ ካብ ዝኣትዉ ከኣ ክልተ ሰሙኖም። ቅድሚኡ ኣብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እዮም ጸኒሖም።
ኣብ የመን ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስኣተዉ ኣብ ዓዲ ምስ ዝርከቡ ቤተሰብ ብፍላይ ድማ ምስተን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ኣሓቶም ሓሓሊፎም ብስልኪ ይራኸቡ ምንባሮም ኣምለሰት ምሩጽ ዝተባህለት ናይ ቀረባ ዘመዶም ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ንሳ'ውን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘላ ኣምለሰት፡ "ብርግጽ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስልኪ ብቐሊሉ ኣይረኽቡን ነይሮም። ግን ከኣ ሓሓሊፉ ኣብዚ ኣብ ስዑዲ ምስ ዘለዋ ኣሕዋቶም ይራኸቡ እዮም። 'ኣይትጨነቓ ደሓን ኢና ዘለና' እዮም ዝብሉ ነይሮም፡" ትብል።
እተን ኣብ ስዑዲ ዝርከባ ኣሓት (ደቂ ኣቦን ደቂ እኖን) እቶም ግዳያት እየን። ብስልኪ ክረኽብኦም ከለዋ፡ "ኣብ ኢድ መንግስቲ ስለ ዘለና ኣይትሻቐሉ። ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ደሓን ኢና ዘለና፡" ይብሉ ነይሮም።
ድሮ መጥቃዕቲ . . .
ብኣካላት ጸጥታ ተታሒዞም ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ብዓል ጽሩይ ብዛዕባ'ቲ ኣብ የመን ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት ዝዀነ ሓበሬታን ኣፍልጦን ከም ዘይነበሮም ኣምለሰት ትገልጽ።
"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰዓዳ ኰይኖም ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኵነታት ኣይፈልጡን ነይሮም። እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ግንዛበ ኣይነበሮምን፡" ክትብል ኣብ ጉዳይ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ ዝዀነ ሓበሬታ ከም ዘይነበሮም ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ድሮ እታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመትላ መዓልቲ ምስተን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከባ ኣሓቶም ብስልኪ ተራኺቦም ብዛዕባ ካልእ ጉዳይ ተዘራሪቦም፡ "ደሓን ኵኑ፣ ደሓን ቀንያ፡" ተበሃሂሎም ተፈላልዮም።
"ሰንበት ምሸት ብስልኪ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ጽቡቕ ኣዕሊሎም እናሰሓቑ ኣምሲዮም። ይጽግሞም እንተ'ልዩ ሓቲተንኦም 'ኣብ ኢድ መንግስቲ ተታሒዝና ስለ ዘለና እንታይ ከይንኸውን? ብኣና ኣይትሻቐላ' ኢሎምወን። ብድሕሪ ናይ ስልኪ ዝርርቦም ናብ ሰኑይ ዘውግሐ እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊኦም ተፈጺሙ፡" ብምባል ትዛረብ።
ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ወለዶም ንመወዳእታ ግዜ ዝተራኸቡላ መዓልቲ፡ ድሮ በዓል ፋሲካ ነይራ። ኣሓቶም ካብ ስልኪ ናብ ስልኪ ብምርኻብ፡ "እንኳዕ ኣብጽሓኩም። ንሕና ደሓን ኣለና፡" ዝብል መልእኽቲ ንቤተሰቦም ከስምዑ ገይረን።
ብድሕሪኡ፡ ኣብታ ብሓባር ዝተኣሰሩላ ክፍሊ መዳጐኒ እናሃለዉ እዚ ዘይተጸበዩዎ ደብዳብ ተፈጺሙ፡ ህይወቶም ሓሊፉ።
ኣመሪካ በቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲ ዝርከብ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዘካየደቶ ደብዳብ ዝሞቱ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ከም ዝዀኑ ከም ዝተገልጸ ይዝከር።
ኣብ ማእከል መዳጐኒ ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 68 ኣፍሪቃውያን ከም ዝተቐትሉ ሰበስልጣን ሑቲ ሽዑ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ከኣ እቲ ቍጽሪ ልዕሊ እቲ ዝተጠቕሰ ምዃኑ ተዛሪቦም ነይሮም።
ኣብቲ ናብ ሰኑይ 28 ሚያዝያ 2025 ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ ዞባ ሳዓዳ ዝርከብ መዳጐኒ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ልዕሊ 100 ከም ዝዀነ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ይገልጹ።
ዓብዱራሕማን ያሲን ዝተህባለ ነቶም ኣብ ከተማ ሳዓዳ ተሃሪሞም ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ኣብ ምክንኻን ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ እቶም ዝሞቱን ዝቘሰሉን ዳርጋ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም'ዩ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መሪር ሓዘን ስድራ
ኣብ የመን ዝርከብ ዓብዪ ሓዉ ንጽሩይ (ሓደ ካብ ግዳያት) ምስ ካልኦት ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኢትዮጵያውን ብምዃን ናብቲ ቦታ ከይዶም ንኣስከሬን ኣዝማዶም ክረኽቡን ከለልዩን ክኢሎም። ሰለስተኦም በቲ መጥቃዕቲ ሽዑ ንሽዑ እዮም ሞይቶም።
"ደቂ ሰለስተ ኣሕዋት'ዮም። ቤተሰብ መርድእ ምስ ተነገሮም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ወዲቖም ኣለዉ። መን ንመን ከጸናንዕን ክእብድን ከቢድ ኰይኑ'ሎ። 'ወዲ ሓወይ ሞይቱኒ' ወይ 'ወዲ ሓፍተይ ተጐዲኡኒ' ኢሎም ሓደ ናብቲ ካልእ ክኸዱ ኣይከኣሉን። ኵሎም ኣብ ሓዘን ኣለዉ፡" ትብል ኣምለሰት።
ኣስከሬን ግዳያት ድማ ክሳብ ሎሚ ናብ ዓዲ ምውሳድ ከም ዘይተኽኣለ ብምሕባር፡ "ኣብኡ ድዮም ክቕበሩ ወይስ ናብ ዓዲ ክስደዱ ዝብል ዝዀነ ንጹር ነገር የሎን። ቤተሰብ እውን ኣብ ሓዘን እዩ ዘሎ፡" ኢላ።
"ኣብዚ እዋን ካብ ትግራይ ብደላሎ እናተታለሉን እናተገደዱን ናብ ስደት ዝወጽኡ ብዙሓት'ዮም። ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ስዑዲ ክኣትዉ እዩ ባህጎም፣ ኣብ መንገዲ ግን ይተርፉ ኣለዉ። ስለዚ፡ ይኣክል ክበሃል ኣለዎ። እቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉ ደላሎ ህዝብን መንግስትን ክፋረዶም ይግባእ፡" ክትብል ምሕጽንታ ኣቕሪባ።
በረኻን ባሕርን ሰጊሮም ናብ የመን ካብ ዝኣትዉ ካብ 8 ኣዋርሕ ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ዝገበሩ ጽሩይ፡ ሂወትን መዓርግን ኣብታ ሃገር ዝረኽቡዎ መዓልታዊ ስራሕ እናሰርሑን ካብተን ኣብ ስዑዲ ዘለዋ ኣሓቶም ብዝለኣኸሎምን እዮም ናብራኦም ክመርሑ ጸኒሖም።
ካብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፡ ደላሎ፡ ኣካላት ጸጥታን ዕጡቓትን እናተኸላኸሉ ኣብ ዘሕልፍዎ እዋን ዝነበሮም ሓደ ተስፋ ናብ ስዑዲ ዓረብ ምስጋር እዩ።
"ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት'ዩ ንዝሓሸ ህይወት ኢሎም ናብ ስደት ክወጽኡ ገዲድዎም። ኣብ የመን ኰይኖም ናብ ስዑዲ ክሰግሩ እንትፍትኑ ሓለዋ ዶብ ከስግሩዎም ኣይከኣሉን። ናብ ዓዶም ከይምለሱ'ውን ባሕሪ እዩ ዝጽበዮም። በዚ ምኽንያት ኣብ የመን ክጸንሑ ተገዲዶም። ቀንዲ ሓሳቦም ግን ናብ ስዑዲ ምእታው ዝብል'ዩ ነይሩ፡" ትብል ኣምለሰት።
ናብ ስዑዲ ዓረብ ምስጋር ከይሰለጦም ወይ ናብ ድሕሪት ናብ ዓዶም ከይተመለሱ ድማ ብኣካላት ጸጥታ የመን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብዝብል ተታሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም።
"ኣብ ትግራይ ንዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ ትምህርቶም ኣቋሪጾም እዮም። ስለዚ ናብ ስዑዲ ብምኻድ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ቤተሰቦም ምሕጋዝ እዩ ሕልሞም ዝነበረ። ወለዶም ኣብ ገጠር ዝነብሩ ሓረስቶት እዮም፡" ትብል እታ ኣብ ስዑዲ ትርከብ ዘመዶም ኣምለሰት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







