‘ወደይ ምማቱ ኣብ ፌስቡክ’የ ፈሊጠ’ - ኣደ ሬሳኡ ኣብ ባሕሪ ዝተረኸበ ስደተኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ስደት ኣፍሪቃውያን ንምምካት ምስ ሰኔጋል፡ ሞሪታንያን ጋምብያን ክዛተ ጀሚሩ ኣሎ።
እዚ ድማ ካብ ዝዀነ እዋን ዝዛይድ ብዝሒ ዘለዎም መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ኣብ ዝፍትኑሉ ዘለዉ እዋን እዩ።
እዚ ስጕምቲ ግን ንኣሚና ዘጸናንዕ ኣይኰነን።
እዛ 50 ዓመት ዝዕድመኣ ሰኔጋላዊት ኣደ፡ “ወደይ ከምዝሞተ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት’የ ርእየ” ክትብል ንቢቢሲ ትገልጽ።
"ኵሉ ግዜ ንዘራረብ ነይርና፡ ናብ ሞሮኮ ክኸይድ ከም ዝደሊ ነጊሩኒ ነይሩ" ትብል።
“ብጃልባ ክኸይድ ሓሳብ ከምዘለዎ ኣልዒሉ ኣይፈልጥን።”
ንመወዳእታ ደሃይ ወዳ ያንኮባ ዝሰምዐት ኣብ ጥሪ እዩ። እቲ ወዲ 33 ዓመት ወዳ ንምርካብ ዝተገበረ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዕቱብ ኣለሻ ኣየፍረየን።
ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ መጀመርታ ነሓሰ፡ ሬሳኡ ብኻልእ ሸነኽ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ኣስታት 18 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ብገፈፍቲ ዓሳ ተረኺቡ።
ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣብ ንእሽቶን መርከብ ብውሕዱ 14 ዝበስበሱ ሬሳታት ከምዝተረኸቡ ይሕብር።
እታ ንእሽቶን መርከብ ከምተን ገፈፍቲ ዓሳ ዝጥቀሙለንን መብዛሕትኡ ግዜ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ዝጓዓዙለን ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሓ ዓይነት እያ።
ኣብ ጐድኒ እቶም ሬሳታት ዝተረኸቡ ሞባይላትን ውልቃዊ ሰነዳትን ድማ መብዛሕትኦም ዜጋታት ሰኔጋል፡ ሞሪታንያን ማሊን ምዃኖም የመልክቱ።
ሓደ ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝተረኸቡ ኣቝሑት ድማ ወረቐት መንነት ያንኮባ’ዩ ነይሩ።
ሰብመዚ ዶሚኒካን፡12 ዓይነት ዕጸፋርስ ከምዝተረኸቡ’ውን ይገልጹ።
እቶም ተሳፈርቲ ናብ ደሴታት ካናሪ ክበጽሑ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዝጠፍኡ ምዃኖም ይእመን።
እንተዀነ መዓስን ጠንቂ ሞቶምን ንምንጻር ግን ገና መርመራታት ይካየድ ኣሎ።
ያንኮባ በዅሪን እንኮ ወድን ምዃኑ ኣደኡ ትዛረብ። እዚ ድማ ኣብ ባህሊ ሕብረተሰብ ሰኔጋል ዓቢ ሓላፍነት ዘለዎ እዩ።
እዚ ሳርቶ ዝነበረ መንእሰይ፡ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ንኣሽቱ ደቁን ገዲፉ እዩ ሞይቱ፤ ሓደ ካብቶም ደቁ ንምርኣይ እውን ኣይተዓደለን።
ፈለማ ኣሚና ብዛዕባ ዝጠፍኡ ሰባት ሓበሬታ ካብ ዝህቡ ገጻት ፌስቡክ ሓገዝ ክትሓትት ጻውዒት ኣቕሪባ፤ ብዙሕ ሰዓብቲ ዘለዎም ጸለውቲ ሰባት ጉዳያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከጕልሑ ሓቲታ።
"ያንኮባ ኣብ ሞሮኮ ወይ ምናልባት ኣብ ቱኒዝያ ገለ ቦታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚነ ነይረ" ትብል ድምጻ እናተቘራረጸ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝፍትኑ መንእሰያት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንላዕሊ ንመስመር ደሴታት ካናሪ ክመርጹ ይረኣዩ ኣለዉ።
ደሴታት ካናሪ ኣካል ስጳኛ ስለዝዀና፡ ዋላ’ኳ ሓደጋታት እንተሃለዎ፡ ንምድረበዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ንምስጋር ካብ ዝግበር ክልተ ጕዕዞ ዝሓሸ ሓደ መንገዲ ጥራይ እዩ ዝዀነሎም ዘሎ።
ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ቍጽሪ በዚ መስመር ዝሰግሩ ሰባት ብ161 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ፍሮንቴክስ (ትካል ዶብ ሕብረት ኣውሮጳ) ይሕብር።
ስጳኛ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ኣውሮጳ እያ።
እንተ እቶም ካብ ሰኔጋል ዝስደዱ ሰባት ግን፡ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ኣውሮጳ ናብ ኣመሪካ ንኽጓዓዙ ክቡር ዋጋ ክኸፍሉ ዝኽእሉ ሰራሕተኛታት ማእከላይ ደርቢ እዮም።
ኣብ ዳካር ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዕዉት ሕርሻ ኣባጊዕን ኣዕዋፍን ዝነበሮ ፋሎው እውን ነዚ መስመር እዩ መሪጹ።
ንሱ ኣብ ንግዱ ይቃለስን “ዝተሸኸለ” ኰይኑ ይስምዖ ከምዝነበረን ይዛረብ። ካብ ንግደይ ምምራሕ ብተወሳኺ፡ ኣብ ፋብሪካ’ውን ተቘጺረ ይሰርሕ ነይረ፤ እንተዀነ መነባብሮይ ንምምራሕ ይቃለስ ነይረ” ክብል ይዝክር።
ስለዚ ኣብ 30 ዓመት ዕድመኡ ኵሉ ዝውንኖ ንብረት ሸይጡ ናብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ ኒካራጓ ናይ ሓደ ጕዕዞ ትኬት ነፋሪት ገዚኡ። ሓሳቡ ካብኡ ቀጺሉ ብመሬት ተጓዒዙ ናብ ኣመሪካ ምእታው ምፍታን’ዩ ነይሩ።
ፋሎው ነዚ ጕዕዞ ንክኽተል ዘተባብዕዎ ድሮ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ዓቢ ሓዉን፡ ሰኔጋላውያን ኣብ ቲክቶክ ዝዘርግሕዎም ብዛዕባ ብማእከላይ ኣመሪካ ዝገበርዎ ጕዕዞ ዘርእዩ ማእለያ ዘይብሎም ቪድዮታትን እዮም።
“ኣደይ ክኸይድ ኣይደለየትን፡ ኣነ ግን ምስ ሞት ክገጥም ድሉው’የ ነይረ” ይብል።
ፋሎው ብኣሰጋገርቲ እናተሓገዘ ን16 መዓልታት ተጓዒዙ ንኒካራጓ፡ ሆንዱራስ፡ ጓቲማላን ሜክሲኮን ሰጊሩ። ኣብቲ ጕዕዞ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ወጻኢታት ገይሩ’ዩ።
ብኣንጻሩ፡ ካብ ሰኔጋል ናብ ደሴታት ካናሪ ብጃልባ ክሰግሩ ዝፍትኑ ድኻታት ስደተኛታት ግን ብገማግም ኣስታት 450 ዶላር እዮም ዝኸፍሉ።
ፋሎው ኣብ ጕዕዞኡ ሓያሎ ዘስካሕክሕ ነገር ከምዘጋጠሞ ይዛረብ።
“ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ሓያሎ ሰባት ሞይቶም እዮም።”
“ግን ድማ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ዕሸለን ሓዚለን ከይተረፈ ጕዕዞአን ክቕጽላ ምስ ረኣኹ፡ ‘ክብርትዕ ኣለኒ’ ኢለ ሓሲበ” ይብል።
ፋሎው ንገለ መዓልታት ኣብ መዳጐኒ መዓስከር ኣመሪካ ተኣሲሩ፡ ኣብ መወዳእታ ከም ሓታቲ ዑቕባ ኰይኑ ክጸንሕ ፍቓድ ተዋሂብዎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ምስ ሓዉ ተራኺቡ ሕጂ ከም መካኒክ ይሰርሕ ኣሎ።
ፋሎ ዕድለኛ’ዩ፤ ብዙሓት ናብ ኣመሪካ ዝስደዱ ኣፍሪቃውያን ግን ከምኡ ኣይተዓደሉን።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ልዕሊ 140 ሰኔጋላውያን ዶብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ምስ ሰገሩ ናብ ሃገሮም ተጠሪዞም እዮም።
ነቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ዝድግፉ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበረሰባት ዲያስፖራን፡ መብዛሕትኡ ግዜ መዕቆቢታት ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከምዘዕለቕለቝ ይሕብሩ።
ገለ ስደተኛታት ኣብ ጽርግያ ካብ ምድቃስ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። ካልኦት ድማ ንግዚኡ ኣብ መሳጊድ ክጸንሑ ክፍቀደሎም ይኽእል እዩ።
ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኣማራጺ መስመራት ስደት ዘለዎም ተገዳስነት እናዓበየ እኳ እንተመጸ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝፍትኑ ግን ሕጂ’ውን ቍጽሮም ልዑል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥራይ ልዕሊ 28 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ይገልጽ።
ፖለቲካዊ መብጽዓታት
ሰባት ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ "ዝስደዱ ዘለዉ ምስ ጸጥታ፡ ምሕደራ፡ ኣመጋግባ፡ ጽሬት፡ ድሕረ-ኮቪድን ከባብያዊ ጸገማትን ዝተኣሳሰሩ ሓያሎ ጸገማት ስለዘጋጥሞም'ዩ" ይብል ክኢላ ኢሚግሬሽን ኣሊ ታንዲያን።
ብፍላይ ሰኔጋል ንመንእሰያት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ቃል ዝኣተወ ሓድሽ ፕረዚደንት ዘለዋ ብተዛማዲ ሰላማዊት ሃገር'ኳ እንተዀነት፡ ቍጽሪ ናይቶም ካብታ ሃገር ዝስደደሊ ሰባት ግን እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
እቲ ኣብ መጋቢት ዝተመረጸ ሓድሽ መንግስቲ፡ ከም ዘይቲ፡ ባኒን ሩዝን ኣብ ዝኣመሰሉ ዋጋ ገለ መሰረታዊ ኣገደስቲ ነገራት ኣብ ምንካይ ተዓዊቱ’ዩ፤ ስለዚ ድማ ንናህሪ ዋጋ መነባብሮ ኣዝሒልዎ’ዩ።
ይዅን’ምበር እዚ ጥራይ እኹል ኣይኰነን።
“ኵላትና እቲ ለውጢ መንግስቲ ዘበገሶ ተስፋ፡ ንዋሕዚ ስደት ደው ከብሎ እዩ ኢልና ሓሲብና ነይርና፡ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ዝሓሰብናዮ ኣይተፈጸመን” ይብል ሓላፊ ዘይመንግስታዊ ትካል ሆራይዘን ዊዝኣውት ቦርደርስ ዝዀነ ቡባካር ሴየ።
“ማሕበረሰብኣዊ ሃዋሁና፡ ሰባት ኣብታ ሃገር ክሓልፈሎም ከምዘይኽእል ክሳብ ዘይኣምኑ፡ ተስፋ ምቝራጽን ጥርጣረን ዘንጸላለዎ’ዩ” ክብል ይውስኽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቡባካር ሴየ፡ ናብ ሰበስልጣን ሰኔጋል ኣብ ዝጸሓፎ ወግዓዊ ደብዳበ፡ ኣብታ ኣብ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ዝተረኽበት ንእሽቶ መርከብ እንታይ ከምዘጋጠማ መርመራ ከካይዱ ጸዊዑ ኣሎ።
ሴየ፡ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ “ነዞም ዘይስሩዕ ስደታት ዝጸልው፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሓሽሽ፡ ኣጽዋር፡ ደቂ ሰባት ከምኡ’ውን ኣካላት ደቂ ሰባትን ዘጠቓልል ገበናዊ ቍጠባ ኣሎ” ይብል።
ኣብ ሓምለ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሞሪታንያ 89 ሬሳታት ኣብ መርከብ ምስ ተረኽበ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሰኔጋል ዑስማነ ሶንኮ፡ መንእሰያት ነቲ ሓደገኛ መስመር ኣትላንቲክ ከይጥቀሙ ከምዝተማሕጸነ ዝዝከር እዩ።
"መጻኢ ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ዘሎ፡ ንስኻትኩም መንእሰያት ድማ ነዚ ክትፈልጡ ኣለኩም" ኢሉ ነይሩ።
ይዅን’ምበር፡ ነቶም ናብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ንምብጻሕ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያት ኣፍሪቃ ግን፡ እቲ ‘መጻኢ ዓለም’ ኣብ ዝዀነ ካልእ ቦታ እምበር ኣብ ኣፍሪቃስ ኣይኰነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







