ኣመሪካ፡ ንምንታይ ኣሽሓት በረራታት ተሰሪዙን ምዱንጓያት ኣጋጢሙን?

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣሽሓት በረራታት ከም ዝተሰረዘን ምድንጓያት ከም ዘጋጣመን ተገሊጹ።

እዚ መንግስቲ፡ መንገዲ ኣየራት ጻዕቒ በረራታት ከጕድላ ዘገድድ ሕጊ ኣውጽኡ ተግባራዊ ድሕሪ ምግባሩ ዝሰዓበ'ዩ።

ንሪፓብሊካውያን ዝወከለ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ደሞክራስያውያን ኣብ ባጀት መንግስቲ ናብ ስምምዕ ክበጽሑ ስለ ዘይከኣለ፡ ንሰራሕተኛታት ክኸፍል ስለ ዘይከኣለ እዩ በረራታት ክጐድል ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ኣተኣታትዩ ዘሎ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ 40 ዝዓበያ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር'ዩ ተግባራዊ ኰይኑ።

ንውሳነ መንግስቲ ዝተቓወሙ ሰራሕተኛታት መዓርፊ ነፈርትን ተቘጻጸርቲ በረራታትን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተቓውምኦም ከስምዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ብፍሑኽ ፍሑኽ ናብ ተግባራውነት ገጹ ክኸይድ ዝጸንሐ ሓዲሽ ሕጊ ንምቅዋም፡ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርትን ተቘጻጸርቲ በረራታትን ብሕማምን ካልእን እናኣመኻነዩ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ዘለዎም ተቓውሞ ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።

ብሰንኪ እዚ፡ ሕጽረት ተቘጻጸርቲ በረራታት ዘጋጠሞ ምምሕዳር ፈደራል ኣቭየሽን፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝግበር በረራታት ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ብ4 ሚእታዊት ክጐድል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከኣ ብ10 ሚእታዊት ክጐድል ዘገድድ ሕጊ ኣጽዲቑ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ከኣ ኣብ ከም ኒው ዮርክ፡ ሎስ ኣንጆለስ፡ ቺካኮን ዋሽንግተን ዲስን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ዓቢይ ጽልዋ ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ።

እቶም ኣብ ምቍጽጻር በረራታት ዝሰርሑ ኣገደስቲ ሰራሕተኛታት፡ መንግስቲ ንመዓርፎ ነፈርቲ ዝስልዖ ገንዘብ ደው ስለ ዘበሎ ዳርጋ ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ብዘይክፍሊት'ዮም ክሰርሑ ጸኒሖም።

ዋና ጸሓፊ 'ትራንስፖርተሽን' ኣመሪካ ሲን ዱፍ ትማሊ ዓርቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትተ፡ እቲ ዝጐደለ በረራታት ንናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት'ምበር ንዓለምለኻውያን በረራታት ዝጸሉ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘሎ ጻዕቒ በረራታት ዝጽበዮ ገያሾን ሻቕሎት ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርትን ግን ብቐሊሉ ዝሃድእ ኣይመስልን'ዩ።

ሲን ዱፍ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመመሕትት፡ እቲ መንግስቲ በረራታት ንምጕዳል ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ፡ ተቘጻጸርቲ በራራታት ዘካይድዎ ዘለዉ ብኵራት ካብ ስራሕ እንተ ቀጺሉ፡ መንግስቲ ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ሰራሕተኛታት በረራ ካብ ስራሕ ደው ከብሎም ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሃገራዊ ማሕበር ተቘጻጸርቲ በረራታት ኣመሪካ ኒክ ዳንኤል፡ መንግስቲ ንተቘጻጸርቲ በረራታት ንፖለቲካዊ መዓላ ይጥቀመሎም ከም ዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

ንሱ "እቲ ጸገም ካብዚ ዘለዎ ክብእስ ከም ዝኽል ንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብ ሰማያት ኣመሪካ ዝግበር በረራታት ውሑስ ንክኸውን ለይትን መዓልትን ክንሰርሕ ኢና፡ ገንዘብና ግን ክፈሉና ኢና ንብል ዘለና፡" ብምባል ሰራሕተኛታት ምቍጽጻር በረራ ብዘይ ክፍሊት ክሰርሑ ምኽንያታዊ ከም ዘይኰነ'ዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበረ በረረታት ክጐድል ምስ ወሰነ ከም ደልታ፡ ዩናይትድን ኣመሪካ ኣየርላይንስ ዝኣመሰላ መንገዲ ኣየራት፡ ነቶም ኣቐዲሞም ክበሩ ዝኸፈሉ ዓማዊለን፡ ንገለ መዓልቲ ቀይረናሎም ንገለ ከኣ ገንዘቦም ከም ዝመለሳሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ጆ ሲልቫን ካብ ዋሽንግተን ዲሲ መርዓ ናይ ወዲ ሓወብኡ ክሳተፍ ናብ ኣትላንታ ንኽበርር ብታክሲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሬገን እናኣምረሐ እንከሎ'ዩ በረራኡ ከም ዝተሰረዘ ዝሕብር መልእኽቲ ናብ ሞባይሉ ተላኢኽዎ።

ኣብ ኣትላንታ ዝርከብ ሃርትፊልድ ጃክሰን መዓርፎ ነፈርቲ ሓደ ካብተን ብጻዕቒ ነፈርቲ ዝዓልባሉን ዝበራሉን መዓርፎ ነፈርቲ ኰይኑ፡ መንገዲ ኣየር ደልታ ብብዝሒ ዝጥቐመሉ መዓርፎ ነፈርቲ'ዩ።

መንግሰቲ በረራታት ከግድላ ኣለወን ኢሉ ካብ ዝወሰለን መዓርፎ ነፍርታት ሓደ ድማ'ዩ።

ጆ ሲልቫን፡ "ብኻልእ ነፋሪት ክኸይድ ካልእ ትኬት ተሰዲዱለይ፣ እንተዀነ 12 ሰዓታት ክጽበ ነይሩኒ፡" ኢሉ።

ጂ ሲልቫን እዚ ተዋሂብዎ ዘሎ ሓድሽ ትኬት ምድንጓይ እንተ ዘይኣጋጢምዎ፡ ስነስርዓት መርዓ ወዲ ሓወብኡ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዘሎ ክልተ ሰዓታት'ዩ ናብ ኣትላንታ ከኣቱ። እንተዀነ ብሕጂ'ውን እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ርግጸኛ ኣይኰነን።

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባ ገያሺት'ውን ክሳዕ ክንደይ ሰዓታት ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክትጸንሕ'ያ ሰለ ዘይትፈልጥ፡ ብ300 ዶላር ትኬት ናይ ባቡር ቈሪጻ ሸውዓት ሰዓት ዝወስድ ጕዕዞ ጀሚራቶ ምህላዎ ገሊጻ።

እቲ ኣብ ተጓዓዝቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ምድንጓያትን ሻቕሎትን ኣዝዩ ብዙሕ'ዩ።

ገለ ተጓዓዝቲ ንተቘጻጸርቲ በረራታት ብዘይክፍሊት ስርሑ ምባል ግቡእ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ እቲ ጸገም ካብቲ ነዚ ውሳነ እዚ ዝሃበ መንግስቲ ከም ዝዀነ ይማጐቱ።

ቤን ሳውሰድ ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ "ኵሉ ግዜ ክበርር እንከለኹ ዝሓስቦ ዘለኹ ነገር'ዩ፣ ህይወተይ ኣብ ሓደ ብወግዒ ደሞዙ ዘይክፈል ተቘጻጻሪ በረራ ምህላዋ ክሓስብ እንከለኹ ዘይፍትሓውነት ናይቲ ውሳነ'ዩ ዝቕጀለኒ፡ መንግስቲ ነዚ ብቕልጡፍ ክፈትሖ ኣለዎ፡" ኢሉ።