እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ኖ ፍላይት ሊስት’ እንታይ’ዩ? ተጕዓዝቲ እንታይ ምስ ዝገብሩ’ዮም ካብ በረራ ዝእገዱ?
ካቲ ባሰፊክ ዝተባህለ መገዲ ኣየር፡ ብምኽንያት መንበር ዕግርግር ንዘልዓሉ መጻምዲ ዳግም በቲ መገዲ ኣየር ንከይበሩ ኣጊዱ።
እዞም ካብ ሆንግ ኮንግ ዝመጽኡ መጻምዲ ካብ ቻይና ዝመጽአት ተጕዓዚት ኰፍ ዝበለትሉ መንበር ናብ ድሕሪት ብምዝርግሓ እዮም ዕግርግር ፈጢሮም።
እታ ቻይናዊት ተጓዓዚት ነቲ ክስተት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክትዝርግሖ እንከላ፡ እቶም መጻምዲ ብድሕሪኣ ኰፍ ኢሎም ከም ዝነበሩን ተመቻቺኣ ከፍ ንምባል ንክጥዕማ ኢላ ነቲ መንበር ምስ ደፍኣቶ ዝተላዕለ ጐንጺ ከም ዝዀነን ገሊጻ።
መገዲ ኣየር ሆንግ ኮንግ ካቲ ፓሰፊክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም መጻምዲ ዳግም ብነፈርቲ እቲ መገዲ ኣየር ንከይጕዓዙ ኣብ ጸሊም መዝገብ [ብላክሊስት] ከም ዘስፈሮም ኣፍሊጡ።
“ጥቡቕ ፖሊሲ ምክእኣል” ከም ዘሰጕም ብምግላጽ ካልኦት ተጕዓዝቲ ምርባሽ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።
ግን ከኣ ካቲ ፓሰፊክ፡ ናዕቢ ወይ ዕግርግር ፈጢሮም ንዝበሃሉ ተጕዓዝቲ ዝኣገደ ፈላሚ መገዲ ኣየር ኣይኰነን።
ብፍላይ መገዲታት ኣየር ብሕቲ ኣመሪካ ዘይግቡእ ባህሪ ኣርእዮም ንዝብሉዎም ተጓዓዝቲ ዳግም ንከይመጽኡ ክእግዱ ተራእዮም’ዮም።
ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ደልታ፡ በረራ ዘተዓናቕፉ ተጕዓዝቲ ብመንግስቲ ፌደራል ክሳብ መወዳእታ ዘመኖም ብኣውሮፕላን ንከይጕዓዙ ክእገዱ ይግባእ ኢሉ ሓቲቱ ነይሩ።
ካብ ጕዕዞ ነፋሪት ምእጋድ
ብመሰረት ፖሊሲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተጓዓዝቲ ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም ወይ’ውን ጽልዋ መዐወኒ ሓሽሽ ዘለዎም እንተዀይኖም ካብ በረራ ክእገዱ ይኽእሉ።
ካብኡ ሓሊፎም ናይ ካልኦት ተጕዓዝቲ ሰላም ዝህውኽ ወይ’ውን እቲ በረራ ኣብ ሓደጋ ዘእትው፡ ወይ እውን ካብ ክፍሊ በረራ ዝወሃቦም መምርሒ ዘይቅበሉ፡ ዘይግቡእ ባህሪ ንዘርእዩ፡ ወይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተጕዓዝቲ ወይ ሰራሕተኛታት በረራ ሓደጋ ከምጽእ ዝኽእል ባህሪ ንዘርእዩ ሰባት ካብ በረራ ክእገዱ ይኽእሉ።
እቲ መገዲ ኣየር ብዛዕባ ‘ኖ ፍላይት ሊስት’ ወይ’ውን ንዘይተወሰነ ግዜ በቲ መገዲ ኣየር ንከይበሩ ምእጋድ ዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘስፈሮ ቅሉዕ ሓበሬታ የለን።
ኣብ ቀረባ እዋን ዮሃንስ ዳንኤል ዝተባህለ ቲክቶከር ዝርከቦም ሽዱሽተ ውልቀሰባት ናብ መቐለ ኣብ ዝገበሩዎ በረራ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ብዝፈጠሩዎ ዕግርግር ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ መገዲ ኣየር ብሰንኪ ክሊማዊ ኵነታት ክበርር ከም ዘይኽእል’ኳ እንተገለጸ፡ ኣብታ ነፋሪት ተሰቒሎም ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ግን “ኣይንወርድን” ብምባል ምስ ሰራሕተኛታት እቲ መገዲ ኣየር ከም ዝተጋጨው ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ተዘርጊሖም ነይሮም።
ዘ ትራቭል ዝተባህለ ማዕዳ ጕዕዞ ዘካፍል ድሕረ ገጽ፡ ኣብ ውሽጢ ‘ኖ ፍላይት ሊስት’ ዘእትው ዝበሎም ሸውዓተ ተግባራት ኣለው።
መብዛሕትኦም ምስቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ድሕረ-ገጹ ዘስፈሮም መምርሒታት ይመሳሰሉ።
ኣሳሰይቲ በረራ ዝህብዎ መምርሒ ዘይምቕባልን ንሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ምትንካፍ ከቕጽዕ ይኽእል።
ምስካርን ናይ ሓደጋ እዋን በሪ ንምኽፋት ምፍታንን’ውን ካብ በረራ ከአግዱ ካብ ዝኽእሉ ምኽንያታት እዩ።
‘ኖ ፍላይት’ እንታይ’ዩ?
መገዲታት ኣየር ዘይግቡእ ባህሪ ኣርእዮም ንዝበሉዎም ተጓዓዝቲ ገበን ፈጺሞም ይዅን ከይፈጸሙ እንከለው ናይ ምእጋድ መሰል ኣለዎም።
መገዲ ኣየር ደልታ፡ ብ2022 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ 1900 ሰባት ኣብ ውሽጢ ‘ኖ ፍላይት’ ከምዘእተወ የመልክት።
መብዛሕትኦም ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተነቢሮም ዝነበሩ መምርሒታት ብምጥሓስ’ዮም ዳግም በቲ መገዲ ኣየር ከይጓዓዙ ተኣጊዶም።
ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ዘገልግሉ መገዲታት ኣየር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለው መገዲታት ኣየር ናይ ባዕሎም ‘ብላክሊስት’ በረራ ኣለዎም።
እዚ ማለት ሓደ ተጓዓዚ ኣብ ነፋሪት ክሳፈር እንከሎ ወይ’ውን ኣብ እዋን በረራ ሕጋጋት እቲ መገዲ ኣየር ዝጥሕስ ተግባራት እንተፈጺሙ፡ ዳግም ኣብ ነፈርቲ እቲ መገዲ ኣየር ንከይሳፈር ይእገድ ማለት እዩ።
ገለ መገዲታት ኣየር፡ ከም መጠን ጥፍኣት ሓደ ተጓዓዚ እቲ መቕጻዕቲ ብዓመታት ዝድረት ከምዝኸውን ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም።
ገሊኦም ድማ ክሳብ መወዳእታ ተመሊሱ ንከይመጽእ ክእግዱ ይኽእሉ።
ሓደ ተጓዓዚ ብሓደ መገዲ ኣየር ተኣጊዱ ማለት ግን ብኻልኦት መገዲታት ኣየር ክጓዓዝ ኣይኽእልን ማለት ኣይኰነን።
ነዚ ድማ’ዩ መገዲታት ኣየር ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ‘ኖ ፍላይት ሊስት’ ዝኣተው ሰባት ብፌደራል ክቕጽዑ ኣለዎም ዝብሉ።
ከምኡ እንተዀይኑ ድማ፡ ሓደ ኣብ በረራ ዕግርግር ኣልዒሉ ዝበሃል ተጓዓዚ ዳግም ኣገልግሎት ነፋሪት ክረክብ ኣይኽእልን ማለት’ዩ።
ኣብ በረራ ዕግርግር ኣልዒሎም ዝተባህሉ ሰባት ዳግም ብነፋሪት ንከይጓዓዙ ክእገዱ እንከለው፡ ብገንዘብ ክቕጽዑን ኣብ ልዕሊኦም ክሲ ክምስረትን’ውን ይኽእል።
እቲ ሓደ፡ ብመገዲታት ኣየር ዝፍጸም ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይን ከቢድን ዝብሃል ድማ መንግስቲ ፌደራል ተግባራዊ ዝገብሮን ተጕዓዝቲ ብነፋሪት ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝእግድን እዩ።
እዚ ሕጊ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተመሳሳሊ ኰይኑ ኣፈጻጽማኡ ግን ክፈላለ ይኽእል።
ሽበራዊ መጥቃዕቲ
ተጓዓዝቲ ካብ በረራታት ምእጋድ፡ ድሕሪ እቲ ብመስከረም 11 2000 ዓ.ም ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ’ዩ ብሰፊሑ ተግባራዊ ክኸውን ጀሚሩ።
ኣመሪካ ዝርከበአን ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕራብ፡ ኣባላት ግብረ ሽበራዊ ጉጅለታትን ትካላትን’ዮም ዝበልኦም ውልቀሰባት ኣብ ዝርዝር ‘ኖ ፍላይት’ እየን ዘእትዋ።
እዚ ማለት እቶም ውልቀ ሰባት ናብ ክሊ እተን ዝኣገድኦም ሃገራት ክኣትው ኣይኽእሉን ማለት’ዩ።
ቤት ጽሕፈት መርመራ ፌደራል ኣመሪካ [ኤፍቢኣይ] ብነፋሪት ከይጕዓዙ ዝተኣገዱ ሰባት ዝከታተለሉ መዝገብ ኣለዎ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ዓለምና ዘለው መገዲታት ኣየር ናይ ባዕሎም እገዳታት ክገብሩ ስልጣን ኣለዎም።
“ናዕቢ ፈጢሮም፡ ወይ’ውን ሕግታት ኣየኽበሩን!” ንዘብሉዎም ተጓዓዝቲ ብናይ ባዕሎም መገዲ ክእግዱዎም ይኽእሉ።
ዘይግቡእ ባህሪ ምርኣይ ዝብል ሰፊሕ ኰይኑ፡ ዓቐን ዝሓለፎ ኣልኮላዊ መስተ ካብ ምስታይ ክሳብ ምትንካፍ ኣሳሰይቲ በረራ ዝበጽሑ ጥሕሰታት ይሓቁፍ።
ምምሕዳር ኣቭየሽን ኣመሪካ፡ ተጓዓዝቲ ዳግም ንከይበሩ ክእገዱ እንከለው፡ ኣስታት 37 ሽሕ ዶላር እውን ክቕጽዑ ከም ዝኽእሉን ክሲ ገበን ክምስረት ከም ዝኽእልን የመልክት።
ኣብ ገለ ሃገራት ዳግም ብነፋሪት ንከይጕዓዙ ዝተኣገዱ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ብምባል ጕዳዮም ክርአን ዳግም ፍቓድ ጕዕዞ ክወሃቦም ክሓቱ ይኽእሉ።