ሓደጋ ነፋሪት ኤምኤች17፡ ድሕሪ 10 ዓመት ዘይተመለሱ ኣርባዕተ ቀንዲ ሕቶታት

ብ17 ሓምለ 2014፡ ዋንነት መገዲ ኣየር ማሌዥያ ዝዀነት ነፋሪት ብሚሳይል ሩስያ ተሃሪማ ብምሕምሻሻ፡ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኣስታት 300 ሰባት ሞይቶም'ዮም።

እንተዀነ፡ ብዛዕባ ሓደጋ እዛ ነፋሪት ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሱ ኣርባዕተ ሕቶታት ኣለው።

ነፋሪት ኤምኤች17 ካብ ኣምስተርዳም ናብ ኩላላምፑር እናተጓዕዘት እንከላ'ያ፡ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ዞባ ዶንባስ ብሚሳይል ተሃሪማ።

ኣብቲ እዋን ኣብ መንጐ ብሩስያ ዝድግፉ ዕጡቓት ጕጅለታትን ሰራዊት ዩክረይንን ግጭት ይካየድ ነይሩ።

80 ህጻናትን 15 ሰራሕተኛታትን ዝርከብዎም 283 ተሳፈርቲ ድማ ሞይቶም።

ሰበስልጣን ነዘርላንድስ ብዛዕባ ሓደጋ እታ ነፋሪት ገበናዊ መርመራ የካይዱ ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ቃል መሰኻኽር ብምእካብ ኣማኢት መርትዖታት መርሚሮም እዮም።

ሩስያ ነቲ ሓደጋ ዝዀነ ይዅን ሓላፍነት ከም ዘይትወስድ'ኳ እንተገለጸት፡ መርመርቲ ግን እቲ ሓደጋ ምስ ሰበስልጣን ሩስያ ርክብ ከም ዘለዎ ረኺቦም።

ኣብ ዙርያ እዚ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ዝለዓሉ ኣርባዕተ ቀንዲ ሕቶታት እንታይ'ዮም?

በዚ ሓደጋ መን ተፈሪዱ?

ኣብ 2022 ቤት ፍርዲ ዞባ ሄግ ኣብ ሓደጋ እታ ነፋሪት ተሳቲፎም ብምባል ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ገበነኛታት ኢሉዎም።

ኵሎም ሓለፍቲ ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ ነበር ኰይኖም፡ ኣካል መንግስቲ ናይቲ ንነብሱ ህዝባዊ ሪፓብሊክ ዶነስክ (DPR) ኢሉ ዝጽውዕ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዝርከብ ብሩስያ ዝድገፍ ሕቶ ምንጻል ዘልዕል ዞባ'ዮም ነይሮም።

ሚኒስተር “ምክልኻል” ዲፒኣር ነበር ኢጎር ጊርኪን፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ዝነበረ ሰርገይ ዱቢንስክ ከምኡ'ውን ሊዮኒድ ክራቭቸንኮ ይበሃሉ።

ራብዓይ ሰብ’ውን ተኸሲሱ’ኳ እንተነበረ ድሒሩ ግን ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊኡ እኹል መርትዖ ከም ዘይቀረበ ብምግላጽ ፈንዩዎ።

እቶም ዝተፈርዱ ሰለስተ ተኸሰስቲ'ውን ኣብ ዘየለውሉ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዶም።

ሞስኮ ዋላ'ውን ጊርኪንን ዱቢንስኪን ዜጋታት ሩስያ እንተዀኑ፡ ኣብቲ መርመራ ክትተሓባበር ኣይክኣለትን።

ኢጎር ጊርኪን፡ ብኻልእ ክስታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ'ዩ ዝርከብ።

እቲ ሓላፊ ጸጥታ ኤፍ.ኤስ.ቢ ነበር፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ምሉእ ወራር፡ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሩስያ ብቝዕ ኣይኰነን ክብል ነቒፉ ነይሩ።

ኣብ ጥሪ 2024 ድማ ብኣኽራርነት ተኸሲሱ ንኣርባዕተ ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ።

ሩስያ፡ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ምንቃፍ ገበን ኰይኑ'ዩ።

ነቲ ሚሳይል መን ወንጪፉዎ?

ብነዘርላንድስ ዝምራሕ ጕጅለ መርመርቲ፡ ናይ ቪድዮን ኣሳእል መርትዖታት ከምኡ'ውን ኣማኢት ዝተጠለፉ ተሌፎናት መርሚሩ።

እዚ መርትዖ’ዚ፡ እታ ነፋሪት ካብቲ ተገንጸልቲ ሓይልታት "ዲፒኣር" ዝቈጻጸርዎ መሬት ብዝተወንጨፈ ጸረ-ኣየር ሚሳይል ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ንምርግጋጽ ሓጊዝዎም።

እዚ፡ ተተኳሲ ካብ ሩስያ ዝመጽአ'ዩ።

ማዕረ ማዕረኡ ድማ ካብቶም ሰለስተ ተኸሰስቲ ሓደኦም ነቲ ዝተተኰሰ ሚሳይል ከም ዘይጠወቑዎ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።

መርበብ ሓበሬታ መርመራ ቤሊንግካት፡ እታ ሕቶ እተልዕል ዘላ ተወንጫፊት ናይ ሳልሳይ ቦጦሎኒ መበል 53 ብርጌድ ምክልኻል ኣየር ሩስያ ምዃና ኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ፡ ቍጽሪ ገበነኛታት ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ናብ ኣስታት 30 ክጸብብ ሓጊዙ።

ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ካብኣቶም ድማ ብ17 ሓምለ 2014 ነታ ተተኳሲት የመሓድሩዋ ነይሮም።

መርመርቲ ነዘርላንድስ ንኣዛዚ ናይዚ ብርጌድ ኮሎኔል ሰርገይ ሙችካየቭ ንኽምርምሩ ንሰበስልጣን ሩስያ ሓቲቶም'ዮም፤ እንተዀነ ተነጺጉ።

ካልእ፡ ኣብቶም ዝተጠለፉ ተሌፎናት ዝተረኸበ ሰብ ድማ ሩስያዊ ኮሎኔል ጀነራል ኤፍ.ኤስ.ቢ ኣንድሬ ቡርላካ እዩ።

ካብቲ ጻውዒታት ተሌፎን ዝተረኽበ መርትዖታት ከም ዘመልክቶ፡ ቡርላካ ስርዓት እታ ተተኳሲት ካብ ሩስያ ናብ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ምስግጋር ተሳቲፉ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ቢቢሲ፡ ጀነራል ቡርላካ ኣብ 2014-2015 ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ዝነበረ ንጡፍ ዕጥቃዊ ውግእ፡ ዝለዓለ ሽልማት ሩስያ - “ጅግና ሩስያ” - ከም ዝተሰለመ ኣረጋጊጹ።

ተራ ፑቲን እንታይ’ዩ ነይሩ?

ኣብ ለካቲት 2023፡ እቶም ሰለስተ ገበነኛታት ምስ ተፈርዱ ድሕሪ ኣዋርሕ እቶም መርመርቲ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ጐንጺ ምብራቕ ዩክረይንን ምውዳቕ እታ ነፋሪትን ብቐጥታ ከም ዝተሳተፈ ገሊጾም።

ከም መርትዖ ክልተ ዝርርባት ዝተጠልፈ ተሌፎን ኣቕሪቦም።

እዚ ድማ፡ ሚሳይል ምክልኻል ኣየር ቡክ ናብ ዩክረይን ንምውሳድ ዝተመሓላለፈ ውሳነ "ብኣዝዩ ላዕለዋይ ኣካል" ዝተወስደ ምዃኑ የመልክት፤ እዚ ድማ ንፕረዚደንት ፑቲን ዝምልከት ክኸውን ይኽእል እዩ።

መርመርቲ ናይቲ ብነዘርላንድስ ዝምራሕ መርማሪ ጕጅለ (ጂኣይቲ) ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ፑቲን ንቡክ ብዝምልከት ኣብ ዝወሃብ ውሳነታት ብቐጥታ ከም ዝተሳተፈ ዝሕብር መርትዖታት ኣሎ፤ እንተዀነ እዚኦም ምሉእን ዘየማጕትን መርትዖ ንምብጻሕ ዘኽእሉ ኣይኰኑን" ኢሎም።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ፑቲን ከም መራሒ ሃገር ሩስያ ብሕጊ ነዘርላንስድ ክሕተት ከም ዘይክእልን ኣብ ስልጣን እናሃለወ ብሃገራዊ ቤት ፍርዲ ክፍረድ ከም ዘይክእልን ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ፑቲን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ኣብቲ እዋን ሩስያ ኣብቲ መርመራ ክትሳተፍ ከም ዘይተፈቕደላን እዚ ድማ "ሸቶኡ ንክሃርም ከም ዘይሓገዘን" ርእይቶኡ ሂቡ።

ካሕሳ ግዳያት እንታይ ይኸውን?

ኣብ 2020 መንግስቲ ነዘርላንድስ ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ይግባይ ብምባል፡ ሩስያ እቲ ሓደጋ ኣብ ምጽራይ ክትተሓባበር ብዘይምኽኣላ፡ ንሞት 298 ተሳፈርትን ኣባላት ሰራሕተኛታትን ነፋሪት ኤምኤች17 ተሓታቲት ምዃና ብይን ክወሃብ ሓቲቱ ነይሩ።

እዚ ኣብ መስርሕ ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ነዘርላንድስ፡ ሩስያ ኣብቲ ሓደጋ ወሳኒ እጃም ከም ዝነበራን፡ ክረምሊን ብዛዕባ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ዝቕጽሎ ዘሎ ወፍሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንሲቪላዊ መሰላት ስድራ ግዳያት ብኸቢድ ዝግህስ ምዃኑን ይምጕት።

ሞስኮ ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐርብ ክስታት ብምንጻግ፡ ጉዳይ ኤምኤች17 ከም መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ትጥቀመሉ ኣላ።

እታ ነፋሪት ብሰራዊት ዩክረይን ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ወይ ድማ ቅድሚ ምውዳቓ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳፈርቲ ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።

ሩስያ ኣብዚ ጉዳይ እንተተረቲዓ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ግዳያት ካሕሳ ክትከፍል ክትግደድ ትኽእል እያ።

ብግብሪ ግን ከምዚ ዓይነት ውሳነ ተግባራዊ ከይኰነ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትፍጽም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ባይቶ ሩስያ “ውሳነታት ስምምዕ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ዘይምትግባር” ዝብል ሕጊ ኣጽዲቓ - ካብ 15 መጋቢት 2022 ጀሚሩ ክኣ ተግባራዊ ኰይኑ።

ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ግዳያት ሓደጋ ኤምኤች17 ዝወሃብ ካሕሳ፡ ገደብ ግዜ የብሉን።

ኣብ መጻኢ ኣብ ገለ እዋን ኣብ ሩስያ መንግስቲ እንተተቐይሩ እዚ ጸገም ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ውሳነ ክወስድ ይኽእል እዩ።