ፈረንሳ፡ 'ምልሶት ጸረ-ሴማውነት ዘግሃደ' ድሕሪ ዝተባህለ ፍጻመ ኣምስተርዳም ኣብ ወጥሪ

ሓይሊ ጸጥታ ፈረንሳ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ

ምንጪ ስእሊ, FRANCK FIFE/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓይሊ ጸጥታ ፈረንሳ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣብ ነዘርላንድስ ከተማ ኣምስተርዳም ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ እስራኤላዊት ክለብ ማካቢ ተልኣቪቭ ድሕሪ ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ሃገራውያን ጋንታታት ፈረንሳን እስራኤልን፡ ሓሙስ 14 ሕዳር ኣብ ፓሪስ ዘካየዳኦ ግጥም ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይፍጠር ኣሽሓት ፖሊስ ኣዋፊራ።

በዚ መስረት፡ 4,000 ተንቀሳቐስቲ፡ 2500 ኣብቲ ጸወታ ዝካየደሉ ስታድዩም፡ ብተወሳኺ 1,600 ናይ ብሕቲ ኣባላት ጸጥታ ዝተዋፈሩ ክዀኑ እንከለዉ፤ ፍሉያት ሓይልታት ጸረ-ሽበራ ድማ ንጋንታ እስራኤል ክሕልዉ ከምዝተዋፈሩ ኣዛዚ ፖሊስ ፈረንሳ ላውረንት ኑነዝ ገሊጹ።

“ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ እቲ ግጥም ልዑል ሓደጋ ዘለዎ ጸወታ እዩ” ክብል እቲ ኣዛዚ ይገልጽ።

“ንዝዀነ ህዝባዊ ጸጥታ ክዘርግ ኣይንፈቅድን ኢና” ክብል'ውን ኣጠንቂቝ።

ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መንጐ ክለባት ኣያክስ ኣምስተርዳምን ማካቢ ተልኣቪቭን ኣብ ነዘርላንድ ግጥም ኣብ ዝተኻየደሉ ኣጋጣሚ ዝተራእየ ኵነታት፡ ውድድራት ኣውሮጳ ኣብ ጽዑቕ ሓለዋ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

እቲ 80 ሽሕ ተዓዘብቲ ከአንግድ ዝኽእል ስታድዩም፡ ነዚ ጸወታ ሓደ ርብዒ ተዓዘብቲ ጥራይ ክፈቅድ እዩ። ብመሰረት ምኽሪ መንግስቲ እስራኤል፡ ካብ ሚእቲ ዘይበዝሑ ደገፍቲ እስራኤል ጥራይ እዮም ካብታ ሃገር ናብ ፈረንሳ ክጓዓዙ። እንተዀነ ካልኦት ደገፍቲ እስራኤል ኣብቲ ግጥም ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይግመት።

በቲ ኣብ ጐደናታት ኣምስተርዳም ዝተራእየ ሃድን እስራኤላውያን፡ እቲ ተርእዮ “ምምላስ ጸረ-ሴማውነት” ዘግሃደ ፍጻመ እዩ ብምባል ፖለቲከኛታት ኣውሮጳ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ደገፍቲ ጋንታ ማካቢ ንባዕሎም፡ ባንዴራ ፍልስጤም ብምቕዳድ፡ ታክሲታት ብምጥቃዕ፡ ጸረ-ዓረብ ጭርሖታት ብምጭዳር ኣብቲ ዕግርግር ተራ ከምዝነበሮም ዝኸሱ ሰበስልጣን ኣምስተርዳም፡ ብድሕሪኡ ብናዕበኛታት ከምዝተጠቕዑ ይገልጹ።

እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጐ እስራኤልን ጐረባብታ ሃገራትን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናብ ኣውሮጳ ከስፋሕፍሕ ተኽሎኡ ዓቢ ምዃኑ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ኣምስተርዳም ዝተኻየደ ናዕቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ማካቢ ንባዕሎም፡ ኣብቲ ዕግርግር ተራ ከምዝነበሮም ዝኸሱ ሰበስልጣን ኣምስተርዳም፡ ብድሕሪኡ ብናዕበኛታት ከምዝተጠቕዑ ይገልጹ።

ፈረንሳ፡ ቤልጂየምን ነዘርላንድስን ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተሰዱ ብዙሓት ኣስላም ዝነብሩለን ኰይነን፡ ብኣንጻሩ ኣመና ውሑዳት፡ ምስ እስራኤል ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ኣይሁዳውያን ኣለዉ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣምስተርዳም ንኣይሁዳውያን ኣውሮጳ ዘለዎ ደገፍ ንምርኣይ ነቲ ሎሚ ሓሙስ ዝካየድ ግጥም ብኣካል ክዕዘቦ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሚሸል ባርኔር፡ ፕረዚደንታት ነበር ፍራንሷ ሆላንድን ኒኮላስ ሳርኮዚን ከሰንይዎ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ደገፍቲ፡ ቅድሚ እቲ ግጥም መንነቶም ከነጽሩ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ስታድዩም ዘለዋ ባራትን ኣብያተ መግብን ድማ ካብ ድሕሪቀትሪ ኣትሒዘን ከዕጸዋ መምርሒ ወሪዱ’ሎ።

እቲ ስታድዩም ቅድሚ ሕጂ’ውን ብዕግርግር ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ 2022 ፍጻመ ጸወታ ቻምፒዮንስ ሊግ ሊቨርፑልን ሪያል ማድሪድን ጥሕሰት ሕጊ ተራእይዎ ከምዝነበረ ይዝከር።

ምስ ፍልስጤማውያንን ሊባኖሳውያንን ዝደናገጽ፡ ሕሉፍ ጸጋማዊ ሰልፊ ፈረንሳ፡ እዚ ሎሚ ዝካየድ ግጥም ክስረዝ፤ ወይ ብውሕዱ ፕረዚደንት ማክሮን ከይሳተፍ ጸዊዑ።

“መራሒ ሃገርና፡ ንሓንቲ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ዘላ ሃገር ክብሪ ክህብ ኣይንደልን” ክብል ምክትል ሓላፊ እቲ ሰልፊ ደቪድ ጅሩድ ተዛሪቡ።

በቲ ኣብ ጐደናታት ኣምስተርዳም ዝተራእየ ሃድን እስራኤላውያን፡ እቲ ተርእዮ “ምምላስ ጸረ-ሴማውነት” ዘግሃደ ፍጻመ እዩ ብምባል ፖለቲከኛታት ኣውሮጳ ስግኣቶም ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, በቲ ኣብ ጐደናታት ኣምስተርዳም ዝተራእየ ሃድን እስራኤላውያን፡ እቲ ተርእዮ “ምምላስ ጸረ-ሴማውነት” ዘግሃደ ፍጻመ እዩ ብምባል ፖለቲከኛታት ኣውሮጳ ስግኣቶም ይገልጹ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ እቲ ጸወታ ንኽስረዝ ወይ ቦታ ንኽቕየር ዝቐረበ ሕቶ ከምዘይቅበል ገሊጹ፤ “ፈረንሳ ነቶም ጽልኢ ዘርእዩ ወገናት ዕድል ኣይትህብን እያ፡” ኢሉ።

ፈረንሳን እስራኤልን፡ ኣብቲ ሃገራውያን ጋንታታት ኢጣልያን ቤልጅምን ዝርከባኦ ምድብ ውድድራት ኣውሮጳ ዘለዋ ኰይነን፡ ኣብቲ ኣብ ቡዳፐስት - ሃንጋሪ ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ጸወታአን፡ ፈረንሳ 4ብ1 ምዕዋታ ይዝከር።

ደገፍቲ ፍልስጤማውያንን ጸረ-ዓሌትነትን ዝዀኑ ትካላት፡ ምስቲ ግጥም ብዝተሳነየ መገዲ ኣብ ፓሪስ ሰልፊ ከካይዱ መዲቦም ብምህላዎም ነቲ ቅድመ-ጸወታ ዘሎ ወጥሪ ኣጋዲድዎ ኣሎ።

ማክሮን ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ቓዛን ሊባኖስን “ባርባራውነት ብምስፍሕፋሕ” ድሕሪ ምኽሳሱ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዘሎ ዝምድና ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ከምዝተኻረረ ይፍለጥ።

ማክሮን፡ “[ነታንያሁ] ሃገሩ ንባዕላ ብውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈጥረት ስለዝዀነት” ነቲ በቲ ውድብ ዝቐረበ ጻውዒት ተዅሲ ደው ምባል ክቕበሎ ይግባእ፡ ምባሉ ንፈራንሳውያን-ኣይሁድ ኣቘጢዑ እዩ።