ስዑዲ ዓረብ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ 'ምጽናት ዓሌት' ፈጺማ ክትብል ከሲሳ

ወራሲ ዘውዲ መሓመድ ቢን ሳልማን (ጸጋም) በንጃሚን ነታንያሁ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ንተግባራት እስራኤል ኣብ ቓዛ “ምጽናት ዓሌት” ክብል ኰኒኑ።

እቲ ልኡል ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣስላምን ዓረብን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስን ኢራንን ንእትፍጽሞ መጥቃዕቲ እውን ነቒፉ።

ምምሕያሽ ኣብ መንጐ ተቐናቐንቲ መንግስታት ሪያድን ቴህራንን ዘሎ ርክብ ብዘመልክት ኵነታት ድማ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መሬት ኢራን መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ኣጠንቂቑ።

መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ካልኦት ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ መራሕቲ ብምዃን እስራኤል ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪን ቓዛን ፍጹም ክትወጽእ ጸዊዖም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ዘይምባሉ፡ “ውድቀት ማሕበረሰብ ዓለም” ምዃኑ ብምግላጽ እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ጥምየት ኣስዒባ ኣላ ክብል ከሲሱ።

ልኡል ፈይሰል ቢን ፋርሃን ኣል-ስዑድ፡ “ማሕበረሰብ ዓለም ብቐንዱ ዝፈሸለሉ ጉዳይ ነቲ ግጭት ደው ኣብ ምባልን ንመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ምግታእን’ዩ” ኢሉ።

ዋዕላ መራሕቲ ኣስላምን ዓረብን ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኲናት ቓዛ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣማኢት ዕጡቓት ሓማስ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ኣትዮም ድሕሪ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ከምዝተወልዐ ይዝከር። ሽዑ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

እስራኤል ብወገና ሕነ ንምፍዳይ ንሓማስ ክተጥፍእ ወተሃደራዊ ወፍሪ ጀሚራ። ብሰንኩ ድማ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 43,400 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

ኣብ ቓዛ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዳያት ካብ ዝዀኑ እቶም ኣስታት 70 ሚእታዊት፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ’ሎ።

ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣስላምን ዓረብን ዝተረኸቡ መራሕቲ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰራሕተኛታትን መሳለጥያታትን ሕቡራት ሃገራት እትፍጽሞ ዘላ "ቀጻሊ መጥቃዕቲ" ዝበልዎ’ውን ኰኒኖም።

ባይቶ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምስ ሓማስ ብምትሕብባር ንዝኸሰሶ ትካል ስደተኛታት ፍልስጤም ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኡንርዋ)፡ ኣብ እስራኤልን ምብራቕ እየሩሳሌምን ከይንቀሳቐስ ዝእግድ እማመ ኣጽዲቑ ነይሩ።

ሽዑ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝኣመሰላ ብዙሓት ሃገራት፡ በቲ እቲ ትካል ናብ ቓዛ ሓገዝ ናይ ምብጻሕ ዓቕሙ ዝድርት ስጕምቲ ከቢድ ስክፍታ ከምዘለወን ምግላጸን ይዝከር።

ምልሶት ትራምፕን ተስፋ ሰላምን

እቲ ብዙሓት ዝተሳተፉሉ ዋዕላ ኣብ ጽባሕ ምምላስ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ’ዩ ተኻይዱ።

መራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ ትራምፕ ምስ እስራኤል ዘለዎ ቅርበት ይፈልጡ እዮም። እንተዀነ ምስኡ ጽቡቕ ዝምድናታት እውን ኣለዎም።

ንጽልዋኡን ስምምዕ ኣብ ምግባር ንዘለዎ ፍቕሪን ተጠቒሙ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ግጭታት ክዛዘም ክገብር ይደልዩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ትራምፕ ካብ ጆ ባይደን ዝያዳ ጽቡቕ ተቐባልነት ኣለዎ። እንተዀነ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዎ ዝጸንሐ ስም ዝተሓዋወሰ እዩ።

ንእየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምዃና ከምኡ’ውን ነቲ ዝተጐበጠ ኣኽራናት ጎላን ኣፍልጦ ብምሃብ ንእስራኤል ከሐጕሳ እንከሎ ንእስላማዊ ዓለም ግን ኣቘጢዑ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኣብ 2020 ብስምምዓት ኣብርሃም [Abraham Accords] ኣቢሉ ኢማራት፡ ባሕሬንን ሞሮኮን ምስ እስራኤል ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ኣኽኢሉ።