እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራዊት ስደተኛ ናብ እንግሊዝ ክትሰግር፡ ብ 'ጽቕጥቅጥ ሞይታ ናብ ባሕሪ ተደርብያ'
ሓንቲ 24 ዓመት ዝዕድመኣ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 መስከረም፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ነቒላ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክትሰግር ኣብ ዝፈተነትሉ ሞይታ ከም ዝተረኽበት ዝተገልጸ ኰይኑ፡ እታ መንእሰይ በቲ ኣብታ ጃልባ ዝተፍጥረ ጽቕጥቅጥ ተጨፍሊቓ ምትንፋስ ስኢና ከም ዝሞተት ተፈሊጡ።
እታ ጓል 24 ዓመትን ኤርትራዊትን ምዃናን ጥራይ ዝተነግረላ መንእሰይ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘስግር ገማግም ባሕሪ ካለይ ፈረንሳ፡ ካብ ጃልባ ወዲቓ፡ ጥሒላ ከምዝሞተት እዩ ክንገር ጸኒሑ።
እታ ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ሳንጋተ - ፈረንሳ - ምስ ተበገሰት፡ እታ መንእሰይ በቶም ኣብታ ንእሽቶ ጃልባ ዝነበሩ 80 ሰባት ተዓቢሳ ሕጽረት ምስትንፋስ ኣጋጢምዋ ሃለዋታ ኣቐዲማ ከም ዝሞተትን ካብኡ ናብ ባሕሪ ከም ዝተደርበየትን ግን መርመርቲ ፈረንሳ ኣረጋጊጾም።
እቲ ፍጻመ፡ ብ26 መስከረም ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 5 ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እታ ጃልባ ካብ ካለይ ገማግም ፈረንሳ ኣስታት ሓሙሽተ ማይልስ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ፡ ስደተኛታት ዘዘውትርዎ ገማግም ባሕሪ ሳንጋተ ምስ ተበገሰት እዩ ኣጋጢሙ።
ኣብቲ እዋን፡ “ሕክምናዊ መርመራ ገና ይካየድ ኣሎ፤ እንተዀነ ካብታ ጃልባ ድሕሪ ምውዳቓ ብኡንብኡ ምማታ ኣየጠራጥርን፡” ዝብል ሰነድ መርመራ ኣመልኪቱ ከምዝነበረ ይዝከር።
ኣብ ርእሲ’ኡ ኣባላት መርመራ ፈረንሳ፡ ኣብታ ተሳፊራትላ ዝነበረት ግን ከኣ ናብ እንግሊዝ ኣትያ ዝተባህለት ጃልባ ካብ ዝነበሩ ሰገርቲ ስደተኛታት ቃል ንምርካብ፡ ንሰበስልጣን ስደተኛታት ብሪጣንያ ሓገዝ ሓቲቶም ምንባሮም ተገሊጹ እዩ።
እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ምብጋሶም ብዝገበርዎ ምድፍፋእ፡ ማዕበስትን ሕጽረት ምስትንፋስን ኣጋጢሙዋ ምስ ሞተትን ጕዕዞ ቅድሚ ምቕጻሎም፡ ሬሳኣ ናብ ባሕሪ ከምዝደርበይዎ ከኣ ማዕከናት ዜና ፈረንሳን እንግሊዝን ጸብጺበን።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ፍትሒ ፈረንሳ፡ ‘ልዕሊ ዓቐን ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ ዘሳፈረት ንእሽቶ ጃልባ ዝነበረት መንእሰይ ስደተኛ በቲ ምጽቕቓጥ ተረጊጻ ሞይታ፡” ብምባል ነቲ ፍጻመ መግለጺ ሂቡሉ።
ብዝተገብረ ሕክምናዊ መርመራ፡ 'ሞት እዛ መንእሰይ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ኣየር ዝመጽእ ማዕበስቲ (asphyxia) ምዃኑ ተገሊጹ።
ሬሳ እታ መንእሰይ፡ “ብመጻምድታ ተረኺቡ ናብ ገማግም ባሕሪ ካለይ ከም ዝምለስ ተገይሩ፣” ክብል እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።
ምንጭታት ፖሊስ ፈረንሳ ኣቐዲሞም፡ ሓደ ኣብቲ ጕዕዞ ምስኣ ዝነበረ ስደተኛ ንፖሊስ ከምዝሐበረን፡ መዝገብ መርመራ ከፊቱ ምጽራዩ ከምዝጀመረን ገሊጹ ነይሩ።
ዘ ቴሌግራፍ ንምንጭታት ፖሊስ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ መጻምዳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እታ ዝሞተት መንእሰይ ተረጊጻ ምትንፋስ ስኢና ከምዝሞተት ብምግላጽ፡ ንኸድሕና ኢሉ ናብቲ ባሕሪ ዘሊሉ’ኳ እንተኣተወ ኣመና ደንጒዩ፡ ይብል።
ኣገልግሎት መርመራ ገበን ፈረንሳ ብዘካየዶ መርመራ፡ ዛጊት 16 ኣባላት ዘለዉዎ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምትእስሳር ዘለዎ ጕጅለ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።
"እዞም ሰባት ማዕረ ክንደይ ጨካናት ምዃኖም ዘርኢ እዩ። እቲ መጻምድታ ክረድእዎም’ኳ እንተለመነ ፍጹም ኣይዓጠጦምን" ብምባል እቲ ካብ ፖሊስ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብቲ ዓንኬል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንዝተፈጸመ ገበን ንምጽራይ ዝተጀመረ መስርሕ መርመራ፡ ብክኢላታት መርመርቲ ብዝቘመ ፍሉይ ጕጅለ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ መርመርቲ፡ ካብ ዒራቕ፡ ሊብያ፡ ቱኒዝያን ሶርያን ንዝመጹ 15 ሰባት ክሲ ኣቕሪቦምሎም ኣለዉ።
እዚኣቶም ገበነኛታት ኰይኖም እንተተረኺቦም ብውሑዱ ዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮም።
ብሪጣንያ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ መሬታ ዝረግጹ ስደተኛታት፡ ዑቕባ ከይሓቱ ዝኽልክል ተሪር ሕጊ’ኳ እንተለዋ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ነተን ጀላቡ ደው ንምባል ይቃለስ ኣሎ፤ እቲ ቍጽሪ ግን በብወርሑ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 26 ሽሕ ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ከም ዝሰገሩ ሓድሽ ኣሃዝ እዚ ሰሙን የመልክት።
ብሰኑይ 185 ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ገለ ህጻናትን ዝጸዓና ሽዱሽተ ጀላቡ ብሓይሊታት ሓለዋ ዶብ ተታሒዘን።