ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተገሊጹ

ጓል 24 ዓመት ምዃና ዝተነግረ ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘስግር ገማግም ባሕሪ ካለይ ፈረንሳ፡ ካብ ጃልባ ወዲቓ፡ ጥሒላ ከምዝሞተት ማዕከናት ዜና ዓዲ እንግሊዝ የቃልሓ ኣለዋ።

እታ ስማ ዛጊት ዘይተጠቕሰ መንእሰይ፡ ሬሳኣ ሰሉስ ንግሆ ከምዝተረኽበን፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምስጋር ዕቝባ ክትሓትት ሓሊና ዝነበረት ስደተኛ ምዃናን ዝተረኽበ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

ምንጭታት መርመራ ፖሊስ ከምዘረጋገጽዎ፡ ድሕሪ’ቲ ምሉእ ለይቲ ክካየድ ዝሓደረ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ሬሳኣ፡ ኣብ ካለይ ገማግም በለሪዮት፡ ብናይቲ ከባቢ ኣቈጻጽራ ሰዓት 5:40 ወጋሕታ እዩ ተረኺቡ።

እቶም ምንጪታት ብተወሳኺ፡ ሓደ ስደተኛ ንሰብመዚ ፖሊስ ከምዝሐበረን፣ መርመርቲ ገበን ቦሎኝ ከኣ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሕቶ ዕቝባ ንኸተቕርብ ተስፋ ዝነበራ፡ ጓል 24 ዓመት ኤርትራዊት ዝብል መዝገብ ከፊቱ፤ መርመራ ገበን ጀሚሩ ከምዘሎ ተገሊጹ'ሎ።

“ሕክምናዊ መርመራ ገና ይካየድ ኣሎ፤ እንተዀነ ካብታ ጃልባ ድሕሪ ምውዳቓ ብኡንብኡ ምማታ ኣየጠራጥርን፡” ይብል ሰነዳት መርመራ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣባላት መርመራ ፈረንሳ፡ ኣብታ ተሳፊራትላ ዝነበረት ግን ከኣ ናብ እንግሊዝ ኣትያ ክትከውን ከም ዝትኽእል እትግመት ጃልባ ካብ ዝነበሩ ሰገርቲ ስደተኛታት ቃል ንምርካብ፡ ንሰበስልጣን ስደተኛታት ብሪጣንያ ሓገዝ ሓቲቶም ኣለዉ።

ካብ ሰሜን ፈረንሳን ንብሪጣንያን ኣብ ዝግበር ምስጋር ካብ ዘጋጥም ሓደጋታት፡ እዚ ናይዛ መንእሰይ ካብ ዘጋጥሙ ሓደጋታት እቲ ናይ መወዳእታ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

ኣሰጋገርቲ፡ ነቲ ጕዕዞ ንምፍጻም ክሳብ 1 ሽሕ ፓውንድ ዝግመት መጠን ገንዘብ ከምዘኽፍሉ ይፍለጥ።

ሰበስልጣን ፈረንሳ፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰሉስ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ዝዀነ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ከምዘይተሰነደ ኣረጋጊጾም።

ብኣንጻሩ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ሓንቲ 50 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ከባቢ ሰዓት 1:45 ለይቲ ክትሰግር እንከላ፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ፣ ከባቢ ሰዓት 2:39 ድማ ካልእ 40 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብዘይጸገም ከም ዝሰገራ ተፈሊጡ።

ብዘይካኡ፡ ስለስተ ፍሹል ፈተነታት ምስጋር ከምዝተኻየደን፡ ሓደ ካብኡ ድማ፡ ሓደ ስደተኛን፡ ጀርመናዊ ዜጋን ዝመርሑዋ፡ መሐንበሲ መሳርሒታት ጽዒና ተሰጋግር ዝነበረት ጃልባ ብሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ኣብ ገማግም ሀመስ-ለ-ማርኽ ከምዝተታሕዘት ተፈሊጡ።

ኣብ ነሓሰ፡ መብዛሕትኦም ኣፍጋናውያን ተሰጋግር ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ 6 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ኣብ ሕዳር 2021፡ ጃልባ ኣብ መንገዲ ብምብልሻዋ 27 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ እውን ይፍለጥ።

ካብ ምጅማር እዚ ዓመት’ዚ ኣትሒዙ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 23 ሽሕ ስደተኛታት በዚ መትረብ ኣቢሎም፡ ብኣስታት 510 ንኣሽቱ ጀላቡ ኣቢሎም ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ወርሒ ነሓሰ ኸኣ ዛጊት ዝበዝሐ ቍጽሪ ሰገርቲ ዝተመዝገበላ ወርሒ ኰይና፡ ብ ገምጋም ብ 100 ዝዀና ጀላቡ፡ ልዕሊ 5300 ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።

“መብዛሕትኦም እቶም ሰገርቲ ስደተኛታት ከኣ፡ ካብታ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኤርትራ ዝመጹ እዮም፡” ብምባል ትካል ስደተኛታት ብሪጣንያ የመልክት።

ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ስቅያት፡ ስግኣት ቅትለትን፡ ከምኡ’ውን ሕጽረት መግቢን ቍጠባዊ ድኽነትን ኣማሪሮም ካብታ ሃገር ከም ዝሃድሙ፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጻ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ዑቕባ ከይሓቱ ዝኽልክል ተሪር ሕጊ እኳ እንተሃለወ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ነተን ንኣሽቱ ጀላቡ ደው ንምባል ይቃለስ ኣሎ፤ እቲ ቍጽሪ ግን በብወርሑ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሱኤላ ብራቨርማን፡ መትረብ እንግሊዝ ቈሪጾም ዝኣትዉ ስደተኛታት ከም ስደተኛታት ክረኣዩ የብሎምን እናበለት ኣብ እትማጐተሉ እዋን ዝኽሰት ዘሎ ዋሕዝን ሓደጋን እዩ።