እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣኒያ ዝሓዘቶ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ እንታይ’ዩ?
መንግስቲ ብሪጣንያ ንገለ ሓተቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ክሰድድ ይደሊ።
እቲ ፖሊሲ ግን ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ትማሊ ወሲኑ ኣሎ።
መንግስቲ ኸኣ እቲ ውሳነ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲዱ ክምጕቶ እየ ይብል።
ትልሚ ዕቝባ - ሩዋንዳ እንታይ እዩ?
እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ፈተነ ክግበረሉ ዝተኣመመ መስርሕ ኣብ ሚያዝያ 2022 እዩ ተኣዊጁ።
ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ገለ ሓተቲ ዕቝባ ሓንቲ ትኬት ገይሩ ናብ ሩዋንዳ ክልእኮም እየ፤ ኣብኡ ኸኣ ዕቝባ ክሓቱ ይኽእሉ ኢሉ።
እዞም ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ንኽጸንሑ እታ ሃገር ወረቐት ስደተኛ ክትህቦም ትጽቢት ይግበር።
እንተዘይኰይኑ፡ ብኻልእ ምኽንያት ኣብኡ ክሰፍሩ ከመልክቱ ይኽእሉ፤ ወይ ድማ ኣብ ካልእ "ውሑስ ሳልሳይ ሃገር" ዕቝባ ክሓቱ ይኽእሉ።
መንግስቲ ብሪጣንያ እዚ ውጥን እተን ካብ ፈረንሳ ብመትረብ ኢንግሊዝ ዝሰግራ ንኣሽቱ ጀላቡ ገይሮም፡ “ብዘይሕጋዊ፡ ሓደገኛ ወይ ዘየድሊ ሜላታት" ተጠቒሞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝኣትዉ ሰባት ክዓግቶም'ዩ ይብል።
ኣብ 2022 ልዕሊ 45,700 ሰባት ነዚ መስመር ተጠቒሞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም።
እዚ ድማ እቲ ዝለዓለ ኣሃዛት ምዃኑ ይንገር።
ኣብ ቀዳሞት ሒደት ኣዋርሕ 2023 እተን ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊረን ዝኣተዋ ጀላቡ ቝጽረን ቅሩብ ከም ዝነከየ’ኳ እንተተገለጸ፡ ኣብ ሓጋይ ግን እቲ ኣሃዝ መሊሱ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግመት።
ክሳብ ሕጂ በዚ ውጥን'ዚ ናብ ሩዋንዳ ዝተላእከ ሓታቲ ዕቝባ የለን።
ኣብ ሰነ 2022 ስደተኛታት ሒዛ ናብ ሩዋንዳ ክትመጽእ ተሓሲባ ዝነበረት ቀዳመይቲ ነፋሪት ከቢድ ሕጋዊ ብድሆታት ስለ ዝገጠማ ጉዕዞኣ ከም ዝተሰረዘ ይዝከር።
እዚ ውጥን ሕጋዊ ድዩ፤ ኣብያተ ፍርዲኸ እንታይ ኢለን?
ብሰነ 2023 ቤት ፍርዲ ይግባይ ነቲ ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውጥን ሩዋንዳ ሕጋዊ ምዃኑ ዝሃቦ ውሳነ ኣፍሪስዎ።
እቶም ዳያኑ፡ እታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ስርዓት ዕቝባ “ጉድለታት” ስለ ዘሎ፡ ገለ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ይኽእሉ፤ ኣብኡ ምስርጣይ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ ብምባል ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር ከም ዘይኮነት ወሲኖም።
እቶም ጉድለታት "ክሳብ ዘይተኣረሙ” ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ምውሳድ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም።
እዚ ግን ብምሉእ ድምጺ ዝሓለፈ ውሳነ ኣይነበረን።
ክልተ ዳያኑ ንውሳነ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክቕይሩ ክሰማምዑ እንከለው እቲ ሳልሳይ ብሓሳቦም ከይተሰማምዐ ተሪፉ።
ንመንግስቲ ዝኸሰሰ ገባሪ ሰናይ ትካል ‘ኣሳይለም ኤይድ’ እቲ ፍርዲ “መሰረታዊ መሰላት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ኣገዳስነት ልዕልና ሕግን መሰረታዊ ፍትሓውነትን ዘረጋግጽ'ዩ” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ምስቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ መደምደምታ ከም ዘይሰማማዕን፡ ነቲ ውሳነ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ንምቕራብ ፍቓድ ክሓትት ምዃኑን ገሊጹ ኣሎ።
ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ግን፡ በረራታት ክሳብ ሕጂ ናብ ሩዋንዳ ክብገሳ ኣይክእላን።
ክንደይ ዝኣክል ሰብ ናብ ሩዋንዳ ክለኣኽ ይኽእል?
መንግስቲ ብሪጣንያ ኣቐዲሙ ድሕሪ ሓደ ጥሪ 2022 “ዝዀነ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተወ” ስደተኛ ናብ ሩዋንዳ ክለኣኽ ከም ዝኽእልን፡ እቲ ቑጽሪ ገደብ ከም ዘይብሉን ገሊጹ ነይሩ።
ሩዋንዳ ኣብዚ ናይ ፈተነ ግዜ ን1000 ሓተትቲ ዑቕባ ከተሰላስል ከም እትኽእል’ኳ እንተገለጸት፡ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ዑቕባ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ትገልጽ።
ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ ሩዋንዳ’ውን ዓባይ ብሪጣንያ ገለ ካብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ስደተኛታት ክትወስድ ክትሓትት ትኽእል እያ።
ኣብ ጥቅምቲ 2022 ግን - ‘ፕሪቪለጅ ስታይል’ - እቲ ንሓተቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ክወስድ መደብ ዝነበሮ መንገዲ ኣየር - ትካላት ገበርቲ ሰናይ ስደተኛታት ድሕሪ ዝገበሩዎ ሰፊሕ ወፍሪ ተቓውሞ፡ ካብቲ ምስ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዝኣተዎ ውዕል ወጺኡ።
ኣብቲ እዋን ጋርድያን ከም ዝጸብጸቦ፡ ካልኦት ቅድሚ ሕጂ ናይ ምስጓግ በረራታት ገይረን ዝነበራ ክልተ መገዲ ኣየራት’ውን ካብ ውጥን ተሳትፎ ሩዋንዳ ወጺአን እየን።
እቲ ውጥን ክንደይ ወጻኢ ይሓትት?
ክሳብ ሕጂ ዓባይ ብሪጣንያ ንመንግስቲ ሩዋንዳ 140 ሚልዮን ፓውንድ ከፊላቶ'ኳ እንተነበረት፡ ሓፈሻዊ ወጻኢታት ግን ኣየቕረበትን።
ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ናብ ከም በዓል ሩዋንዳ ዝኣመሰለት ሳልሰይቲ ሃገር ምግዓዝ ግን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ምጽናሕ ልዕሊ 63 ሽሕ ፓውንድ ወጻኢታት ከም ዝሓትት ገምጋም ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት የመልክት።
ብባይቶ ዝሓለፈ እማመ ‘ገምጋም ቁጠባዊ ጽልዋ’ ዘይሕጋዊ ስደት [Illegal Migration Bill] ንሓደ ውልቀሰብ ንምግዓዝ 169 ሽሕ ፓውንድ ሓፈሻዊ ወጻኢታት ከም ዘድሊ የመልክት።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንተዝጸንሑ ግን እቲ ንደገፍ ኣባይቲ ዝውዕል 106 ሽሕ ፓውንድ ዝግመት ገንዘብ ካብ ወጻኢ ምደሓነ።
እቲ 169 ሽሕ ፓውንድ፡ ሓደ ሰብ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምግዓዝ ኣስታት 105 ሽሕ ፓውንድ፡ ከምኡ'ውን ንበረራታት ዝኸውን 22 ሽሕ ፓውንድ ዘጠቓልል እዩ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ እቲ ፖሊሲ ንሓደ ውልቀሰብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ምእታው ዝዓግት እንተዀይኑ፡ ዝዀነ ይኹን ወጻኢታት ከም ዘይህሉ ይገልጽ።
ይዅን እምበር፡ እቲ እማመ "ልብወለዳዊን ዘይተፈተነን" ስለ ዝዀነ እቲ ፖሊሲ ኣብ ምንታይ ደረጃ ገታኢ ጽልዋ ከም ዘሕድር "ርጉጽ ከም ዘይኰነ" ይግለጽ።
ስርዓት ዕቝባ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዓመት 3 ቢልዮን ፓውንድ ይሓትት።
ኣብ መዓልቲ ድማ ዳርጋ 7 ሚልዮን ፓውንድ ኣብ መንበሪ ሆቴል ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ወጻኢ ይግበር።
ነቐፍቲ፡ እቲ መዓልታዊ ወጻኢታት ኣዝዩ ልዑል ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ሕቶታት ንምውሳን ዝወስዶ ግዜ፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ኩነታቶም ንምርግጋጽ እናተጸበዩ ክሰርሑ ምእጋዱ ምዃኑ ይዛረቡ።
ሓታቲ ዕቑባ እንታይ'ዩ?
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ካልእ ሃገር መጽለልን ሓለዋን ዝሓተተ ሰብ እዩ ክብል ይገልጾ።
ስደተኛ ማለት ብሰንኪ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጐንጺ ወይ ስቅያት ካብ ሃገሩ ዝተሰደደ’ዩ ክብል እዩ።
ሕጋዊ መሰላት ስደተኛታት ክኣ ብኣህጉራዊ ሕጊ ሕልው እዩ።
ይዅን’ምበር፡ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ናይ ስደተኛ ቦታ ክወሃቦ ድዩ ኣይወሃቦን ዝውስና እተን ዝቕበልኦም ሃገራት እየን።
ኣብ 2022 ዓ.ም ብሪጣንያ ልዕሊ 88 ሽሕ ሕቶ ዕቑባ ተቐቢላ።
እዚ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዝተራእየ ዝበዝሐ ሕቶ እዩ።
ካብዚኦም ልዕሊ 23,800 ሰባት ሓደ ዓይነት ሓለዋ ተዋሂብዎም።