እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ሞት ኤርትራዊት ስደተኛ ብዝተሓሓዝ ሓደ ውልቀሰብ ተኣሲሩ
ምስታ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ ሞይታ ዝተረኽበት ኤርትራዊት ስደተኛ ብዝተሓሓዝ ሓደ ሱዳናዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ሰብመዚ ብሪጣንያ ሓቢሮም።
እቲ ወዲ 21 ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ገምገም መትረብ እንግሊዝ ዝርከብ ወደብ ዶቨር ከምዝተታሕዘ ሃገራዊ ትካል ገበናት ጠቒሱ።
እቲ ሃውማሎወ ማዉምድ-ዶፕ ብዝብል ስም ዝተገልጸ ጥርጡር፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ እቲ ትካል ሓቢሩ።
እታ ጓል 24 ዓመት ምዃና ዝተነግረላ ኤርትራዊት፡ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክትሰግር ኣብ ዝፈተነትሉ ካብ ጃልባ ወዲቓ ጥሒላ ከምዝሞተት ማዕከናት ዜና ዓዲ እንግሊዝ ምጽብጻበን ይዝከር።
ሬሳ ናይታ መንእሰይ ብሰሉስ ኣብ ጥቓ ከተማ ካለይ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ 'ብለሪዮት-ፕላጅ' እዩ ሰዓት 5:40 ወጋሕታ ተረኺቡ።
"ሞታ ብሰብመዚ ፈረንሳን ምትሕብባር ሃገራዊ ትካል ገበናትን ፖሊስ ከንትን ይምርመር ኣሎ" ክብሉ ሰብመዚ ብሪጣንያ ገሊጾም ኣለዉ።
"እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝርከብ ውልቀሰብ ነታ [ብሰሉስ] ናብ ማያት ብሪጣንያ ዝኣተወት ጃልባ ባዕሉ ከምዝመርሓ'ዩ ተጠርጢሩ ዘሎ።"
ነቲ ዘሕዝን ሞት ናይታ መንእሰይ ኣብ ምስዓብ ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ገበነኛታት ንምሓዝ ይሰርሑ ከምዘለዉ ምክትል ዳይረክተር ሃገራዊ ትካል ገበናት ብሪጣንያ ክሬግ ተርነር ተዛሪቡ።
ሰብመዚ ብሪጣንያን ፈረንሳን፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ዘለዉ ኣሰጋገርቲ ንምቍጽጻር ዘካይድዎ ጻዕርታት ከሐይልዎ ምዃኖም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ምንጭታት መርመራ ፖሊስ ከምዘረጋገጽዎ፡ እታ ኤርትራዊት ድሕሪ’ቲ ምሉእ ለይቲ ክካየድ ዝሓደረ ዋሕዚ ስደተኛታት'ያ ሞይታ ተረኺባ።
ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ከምዝበሎ፡ ናብ ሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ጥራይ 212 ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ናብታ ሃገር ኣትዮም። ኣብዚ ወርሒ'ዚ ጥራይ ልዕሊ 4000 ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣትዮም ኣለዉ።
ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ብዓርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣትዉ ጸብጻባት ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የረድኡ።
ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ጕዕዞ ብዘጋጠሞም ሓደጋታት ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ክሞቱ ምጽንሖም ይፍለጥ።