ፓኪስታን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኢምራን ካሃን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኢምራን ካሃን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ዝነበረ ኢምራን ካሃን ምስ ብልሽውና ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ፖለቲከኛ፡ ብዝቐረበሉ ክስታት ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኢስላማባድ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን'ዩ፡ ሃንደበት ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ ተወሲዱ።

ንሱ ግን፡ ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ'ዩ ብምባል ነቲ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

ሓደ ነቲ ፍጻሜ ዝገልጽ ቪድዮ፡ ብድሩዓት መካይን ዝተሰነዩ ሓውሲ ወተሃደራዊ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣብ ቀይዲ ብምእታው ሒዞሞ ክምርቀፉ የርኢ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ካሃን፡ ብቕልጡፍ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ'ዩ ክጽውዕ ጸኒሑ።

ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

ሓላፊ ፖሊስ ዞባ ፑንጃብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፖለቲከኛ ናይ "ብልሽውናን ብልሽው ተግባራትን" ክሲታት ስለዝቐረበሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ክሲ ኢምራን ክሃንን ብዓልቲቤቱን ዝውንንዎ ናይ ሕድሪ ትካል ቃጽኦ መሬት ወሲዱ ዝብል'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ካሃን ዝጠሓሶ ሕጊ ከምዘየለ'ዩ ዝምጉት።

ቅድሚ ናብ ኢስላማባድ ምእታዉ ንደገፍቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ከጋጥሞ ንዝኽእል ነገራት ድሉው ምንባሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ፍቓድ ረኺብኩም ምጹኒ፡ ጠበቓታተይ ኣብኡ ክህልዉ'ዮም. . . ክትኣስሩኒ እንተደሊኹም፡ ድሉው'የ" ክብል ኣብቲ በቲ ባዕሉ ዝመርሖ ሰልፊ ፓኪስታን ተህሪክ-ኢን-ኢንሳፍ (PTI) ዝተዘርገ ቪድዮ ገሊጹ።

እቲ ሰልፊ ደገፍቱ ኩሎም ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ንማእሰርቱ ክቃወሙ ጸዊዑ'ሎ። ድሮ'ውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ላሆርን ፐሽዋርን ተቓውሞታት ከምዝተራእየ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ርእሰከተማ ኢስላማባድ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ተሪር ጸጥታዊ ሓለዋ ተራእዩ ነይሩ።

ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ብዓርተታት ዝቑጸር ክስታት ብልሽውናን ሽበራን ክቐርበሉ ጸኒሑ'ዩ።

ሓይልታት ጸጥታ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብቲ ኣብ ላሆር ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብምኻድ ክኣስርዎ ሓየለ ፈተነታት'ኳ እንተገበሩ፡ ደገፍቱ ስለዝተኸላኸልሉ ግን ክሕዝዎ ኣይክኣሉን ነይሮም።

ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝደየበ ካሃን፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዓቢ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽልዋ ዘለዎ ሰራዊት ስለዘይተቓደወ፡ ኣብ ፓርላማ ዝነበሮ ዓብላልነት ብምስኣን፡ ኣብ ሚያዝያ 2022 ካብ ስልጣኑ ክእለ ተገዲዱ።

ብድሕሪኡ ግን ኣንጻር ዝተክኦ መንግስትን እቲ ሰራዊትን ተሪር ነቐፌታታት ከቕርብ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ካብ ወጻእተኛታት ብዛዕባ ዝተቐበሎ ህያባት ምድንጋር ፈጢሩ ብምባል መንግስታዊ ስልጣን ከይሕዝ ተኣጊዱ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ዝቐጸለ ወርሒ ተቓውሞ ንምክያድ ብመኪና ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ ፈተነ ቅትለት ተኻዪድሉ ነይሩ።

ትማሊ ሰኑይ ድማ፡ ሰራዊት እታ ሃገር፡ "መሰረት ዘይብሉ ክስታት" ከየቕርብ ኣጠንቂቕዎ። እቲ መጠንቀቕታ፡ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መኮንን ክቐትሎ ውጥን ከምዘለዎ ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ ተዋሂቡ።