ካሪም በንዚማ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኮይኑ ተሸሊሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣጥቃዓይ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ ካሪም በንዚማ፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ናይዚ ዓመት ኮይኑ ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ (ዩወፋ) ተሸሊሙ።
ካብ ደቂኣንስትዮ፡ ኣባል ጋንታ ባርሰሎናን ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛን ዝኾነት ኣለክሲያ ፑተላስ ብልጽቲ ተጻዋቲት ናይዚ ዓመት ብምዃን ተሸሊማ'ላ።
ኣልጀርያዊ መበቆል ዘለዎ ፈረንሳዊ በንዚማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ዝተሳተፎ ግጥማት 11 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ።
ኣቐዲሙ'ውን ብሉጽ ተጻዋታይ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይቲ ዓመት ኮይኑ ምባሩ ይዝከር።
ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ዝኾነ ወዲ 34 ዓመት፡ ኣብ ወሰንቲ ግጥማት ሸቶታት ብምምዝጋብ ሪያል ማድሪድ ዋንቻ ቻምፕዮንስ ሊግ ክትዓትር ዝገበረ ቀንዲ ተጻዋታይ ምንባሩ ይግለጽ።
ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ፡ ኢጣልያዊ ካርሎ ኣንቸሎቲ'ውን ብሉጽ ኣሰልጣኒ ደቂ-ተባዕትዮ (ዓበይቲ) ኮይኑ ተሸሊሙ'ሎ።
እቲ ኣብ ሰነ 2021 ንኮኾብ ናይታ ጋንታ ነበር ኣሰልጣኒ ዚነዲን ዘይዳን ብምትካእ ናብ ሪያል ማድሪድ ዝተመልሰ ኣንቸሎቲ፡ ኣርባዕተ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ዝወሰደ ኣሰልጣኒ'ዩ።
ዋንጫ ኣውሮጳ ዝተዓወተት ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ-እንግሊዝ ሳሪና ዊግማን ብልጽቲ ኣሰልጣኒት ናይዚ ዓመት (ካብ ዲቂኣንስትዮ) ብምዃን ብዩወፋ ተሸሊማ'ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







