ሰራዊት ሩስያ ንኣዋርሕ ኣብ ዝተቘጻጸረን ከተማታት፡ ኵነታት ይኸፍእ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ባክሙት ኣብ ዝርከብ ማእከል ሰብኣዊ ረድኤት ዘዕቆቡ ሲቪላት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ምብራቓዊ ግንባር እትርከብ ከተማ ባክሙት፡ "ኵነታት ዝያዳ እናኸበደ ይኸይድ ኣሎ" ክብል ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ።

ሓይልታት ሩስያ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ነታ ከተማ ክሕዝዋ ክጽዕሩ ጸኒሖም እዮም።

"ጸላኢ፡ ንምሕላው ክውዕል ዝኽእል ኵሉ ዓቕምታትና ብቐጻሊ የዕንዎ ኣሎ" ክብል ሚስተር ዘለንስኪ ገሊጹ።

መራሒ ዩክረይን ነዚ ዝገለጸ፡ ጸሃፊት ክፍሊ ትረዠሪ ኣሜሪካ ጃነት ያለን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኪቭ ኣብ ዘካየደቶ ዑደት፡ ቻይና ንሩስያ ከይተዕጥቕ ኣብ ዘጠንቀቐትሉ እዋን'ዩ።

ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ኣትሒዙ ዝተኻየዱ ዝኸበዱ ውግኣት፡ ገለ ካብቲ ኣብ ዞባ ዶነስክ ዩክረይን ዝርከብ ባክሙት ዝተኻየዱ ኰይኖም፡ ገለ ክፋሉ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያን ተገንጸልቲ መሻርኽታን ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓይልታት ሩስያ ነታ ኢንዱስትርያዊት ከተማ ንምሓዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ እናሓየለን፣ ሰራዊታ እናደፍአን መጺኡ ኣሎ።

እቲ ንነብሱ መራሒ 'ህዝባዊ ሪፓብሊክ ዶነስክ' ዝብል ደኒስ ፑሺሊን፡ ናብታ ከተማ ዝወስዱ፡ "ኵሎም ጽርግያታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር [ሩስያ]" ከምዝኣተዉ ገሊጹ።

ከምኡ'ውን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ዩክረይን ጀነራል ኦሌክሳንድር ሲርስኪ፡ ኣብ ከባቢ ባክሙት ዘሎ ኵነታት 'ወጥሪ ዝተመልኦ እዩ' ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ዋላ'ኳ ርኡይ ክሳራ እንተጋጠመ፡ ነተን ንመከላኸሊ ሰራዊትና ሰይረን ነታ ከተማ ክኸብባ ዝጽዕራ ዘለዋ ኣዝየን ዝተዳለዋ ኣሃዱታት ዋግነር መጥቃዕቲ ዝውሪድናለን” ኢሉ ጀነራል ሲርስኪ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ባክሙት ብሰንኪ ሩስያ ዘካየደቶ ዳግማይ መጥቃዕቲ፡ ኣዝዩ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ነቲ ከባቢ ንምሕላው፡ "ንነፍሲ ወከፍን ብጅግንነት ዝተቓለሰ ሰብ ኣመስጊኑ።"

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብተወሳኺ፡ "ምሉእ ግዝኣትና ካብ ራዕዲ ሩስያ" ምእንቲ ክከላኸል ዘመናዊ ነፈርቲ ውግእ ክለኣኸሉ ደጊሙ ጸዊዑ።

ጃነት ያለን፡ ትማሊ ሰኑይ ናብ ኪቭ ኣብ ዝገበረቶ ሃንደበታዊ ዑደት፡ ኣብ መወዳእታ 1.25 ቢልዮን ዶላር ቍጠባውን ባጀታውን ሓገዝ ናብ ዩክረይን ከምዝተሰጋገረ ኣፍሊጣ።

ሚስ ያለን፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ዩክረይን ኣብቲ ኲናት ክሳብ ትዕወት ክሳብ መወዳእታ ዋሽንግተን ምሳኣ ደው ክትብል ምዃና ዝሓለፈ ሰሙን ሰሙን ዝተዛረቦ ደጊማ ኣረጋጊጻ።

ሚስ ያለን ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ወሲኻ፡ ቍጠባ ሩስያ ዛጊድ በቲ ብምዕራባውያን ሓይልታት ዝተነብረ ሰፊሕ እገዳ እንተዘይተጐድአ፡ ምስ ግዜ ግን ክደክም ትጽቢት ከምዘለዋ ገሊጻ።

ብተወሳኺ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝዓነወ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ናይ ምምላእ ዓቕማ፡ "በብቕሩብ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከምዘሎ" ገሊጻ፣ ካብ ቻይና ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ንሩስያ ንምቕራብ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ፡ "ከቢድ" ሳዕቤን ከምዘስዕብ ገሊጻ።

ንሳ፡ "ሩስያ ነዚ ኲናት ንምክያድ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ከይትረክብ ዝዓለመ እገዳ፡ ብዝዀነት ሃገር ዝፍጸም ስርዓታዊ ጥሕሰት ከምዘይንጻወሮ ኣዝዩ ንጹር ገይርና ኢና" ኢላ።

"ከምኡ'ውን ንመንግስቲ ቻይና ግልጺ ገይርና ኢና፡ ነቶም እገዳታት ምጥሓስ ዘመጽኦ ሳዕቤን ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኸውን ድማ ንናይ ቻይና ፋይናንሳዊ ትካላትን ብንጹር ገሊጽናሎም ኣለና።"

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ቻይና ንሩስያ ኣጽዋርን ተተኮስትን ከተቕርብ ትሓስብ ከምዘላ ገሊጹ፤ በይጂን ግን ነቲ ክሲ ብትሪ ነጺጋቶ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ሞስኮ ኣብ መንጐ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቻይና ዋንግ ዪን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ዝተኻየደ ርክብ፡ ቻይና ምስ ሩስያ ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ዘርኢ ምዃኑ ንብዙሓት በሪህሎም።