እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ኣብ ጭንቀት ኣለና’- ካብ ንግዳዊ ባንኪ ገንዘብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ኣብ ምንታይ ኣውዒሎምዎ?
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘጋጠሞ ናይ 'ሲስተም' ጸገማት ዛጊት መጠኑ ዘይተፈለጠ ግን ድማ ብዙሕ ገንዘብ ተወሲድዎ እዩ።
ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ዓማዊል ዘይናቶም ገንዘብ ከምዘውጽኡን ከምዘዘዋወሩን ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ብፍላይ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምስ እዚ ተግባር ተተሓሒዙ ሽሞም ክለዓል ቀንዩ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ዝመሃሩን ነቲ ኣብ ዓርቢ 6 መጋቢት 2016 ኣግ ዘጋጠመ ሓጓፍ ተጠቒሞም ዘይናቶም ገንዘብ ኣውጺኦም ዝተጠቐሙን ተምሃሮ ኣብ ‘‘ጭንቀት’’ ከምዝኣተዉ ይገልጹ።
ቢቢሲ ብመሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ዝመሃሩ ተምሃሮ ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ብዙሓት ተምሃሮ ብኣማኢት ዝቑጸር ዘይናቶም ገንዘብ፡ ካብቲ ባንኪ ክወስዱ ክኢሎም።
እቲ ጸገም ምስ ኣጋጠመ እቲ ባንኪ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብምትሕብባር ገንዘብ ንምምላስ ይገብሮ ብዘሎ ጻዕሪ፡ ውሑዳት ዘይበሃሉ ተምሃሮ ነቲ ኣብ ኢዶም ዝተረፈ ገንዘብ ከምዝመለሱ እኳ እንተተገለጸ፡ እቶም ዝወሰድዎ ገንዘብ ኣብ ዝተፈላለየ መዓላ ዘውዓሉ ግና ዝወርዶም ይጽበዩ ኣለዉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም እቲ ባንኪ ጸገም ኣብ ዘጋጠሞ እዋን ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ነቲ ስርሒት ‘‘ስራሕ’’ ብዝብል ቃል ክገልጽዎ ተሰሚዖም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ‘‘ኣነ 150 ሽሕ ብር ዝኸውን ሰሪሐ። 300 ሽሕን ልዕሊኡን ዝሰርሑ ተምሃሮ ኣለዉ፡፡ . . . ቀዲሙ ዝሰምዐ (ነቲ ናይ ሲስተም ብልሽት) ብዙሕ ሰሪሑ እዩ’’ ኢሉ።
ወሲኹ ድማ ‘‘150 ሽሕ ብር ‘ሰሪሐ’ ነይረ፡፡ ኩሉ መሊሰዮ እየ፡፡ ናብ ካልእ ባንኪ ዘዘዋወሩ መሓዙተይ ግን ኣብ ጭንቀት እዮም ዘለዉ’’ ክብል ነቲ ዝተፈጠረ ኲነታት የረድእ፡፡
ቅድሚ እቲ ኣብ ስርዓት ዝውውር ገንዘብ ንግዳዊ ባንኪ ዘጋጠመ ብልሽት፡ ኣብ ሕሳቡ ካብ 5 ሽሕ ብር ዝንእስ ገንዘብ ከምዝነበሮ ዝገልጽ እዚ ተምሃራይ፡ ነቲ ሓጓፍ ተጠቒሙ 150 ሽሕ ብር ከምዝወሰደ ተኣሚኑ፡፡
እቲ ባንኪ በቲ ዩኒቨርሲቲ ኣቢሉ፡ ብዘይኣግባብ ገንዘብ ዝወሰዱ ዓማዊሉ ብቕልጡፍ ክመልሱ ብዘውጸኦ መጠንቀቕታ ምኽንያት ነቲ ገንዘብ ከምዝመለሰ እውን ተዛሪቡ፡፡
በቲ ብሃንደበት ኣብ ኢዶም ዝኣተወ ብዙሕ ገንዘብ ዝተፈላለየ ኣቑሑት ዝሸመቱ ወይ ካብ ናይ ንግዳዊ ባንኪ ሕሳቦም ናብ ካልእ ዘዘዋወሩ ተምሃሮ ግን ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኣትዮም ኣለዉ፡፡
እቲ ተምሃራይ ከምዝብሎ፡ እቶም ኣብ ኣካውንቶም ካብ ዝነበሮም ገንዘብ ንላዕሊ ናብ ካልእ ሰብ ገንዘብ ዘተሓላለፉ ተምሃሮ ሕሳቦም ስለዝተኣገደ፡ ነቲ ገንዘብ ክመልስዎ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ጽልምትምትን ጭንቀትን እዮም ዘለዉ፡፡
እቶም ተምሃሮ ነቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ኣውዒሎምዎ?
ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ገንዘብ ዝውውር ስርዓቱ ጸገም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ብዙሓት ካብ ገንዘብ መዐደሊ ማሽናትን (ኤቲኤም) ብሞባይል ባንኪንግን ኣብ ሕሳቦም ካብ ዘለዎም ገንዘብ ንላዕሊ ኣንቀሳቒሶም፡፡
እቲ ባንኪ ከምዝብሎ ኣብቲ እዋን ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት፡ ካብ 490 ሽሕ ንላዕሊ ናይ ገንዘብ ዝውውር ኣካይዶም፡፡
በዚ ከይዲ ካብ ሚልዮናት ክሳብ ቢልናዮት ዝግመት ገንዘብ ተንቀሳቒሱ፡፡
እቲ ናይ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ከምዝብሎ፡ ብዙሓት ኣዕርኽቱ በቲ ዝወሰድዎ ገንዘብ ብዙሕ ክቡር ነገራት ስለዝገዝኡ፡ ነቲ ገንዘብ መሊሶም ክረኽቡዎ ኣብ ዘይክእሉ ኲነታት ኮይኖም ኣብ ከቢድ ጭንቀት እዮም ዘለዉ፡፡
ብፍላይ ላፕቶፕን ዘበናዊ ስልክን ዝገዝኡ ተምሃሮ ውሑዳት ከምዘይኮኑ ብምጥቃስ ‘‘100 ሽሕ ብር ዝሰርሐ ተምሃራይ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ላፕቶፕን ስማርት ስልክን ገዚኡ’’ ብምባል ኣብ ኢዱ ዝተረፎ ዝምለስ ገንዘብ ከምዘይብሉ ኣረዲኡ፡፡
‘‘ካልኦት ድማ ዘይተገደበ ናይ ዓመት ኣገልግሎት ጥቕሉል ኢንተርነት ገዚኦም፡፡ ዝነበሮም ዕዳ ዝኸፈሉ ኣለዉ፡፡ . . . መብዛሕተኦም ነቲ ገንዘብ ተጠቒሞምዎ እዮም፡፡’’
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተምሃራይ ድማ አዕርኽቱ ለይቲ ብተደጋጋሚ ደዊሎም ገንዘብ ከውጽእ ከምዝነገሩዎ ብምዝካር ‘‘ምንም ኣይሰራሕኩን’’ ኢሉ፡፡
ኮይኑ ግና ገንዘብ ከውጽኡ ዝኸኣሉ መሓዙቱ 50 ሽሕ ናብ ናቱ ሕሳብ ምስ ሰደዱ ኣካውንቱ ከምዝተዓጸወ ተዛሪቡ፡፡
‘‘እቲ ገንዘብ ነቲ ዝለኣኸለይ ከይመልሰሉ እኳ ኣካውንተይ ተዓጽዩ እዩ፡፡ ደልየ ኣይኮነን እቲ ገንዘብ ተላኢኹለይ፡፡ ናባይ ምስተልኣኸ ኣካውንተይ ተዓጽዩ’’ ይብል፡፡
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካልእ ተምህራይ ዩኒቨርሲቲ ጅማ 70 ሽሕ ብር ከምዝወሰደ ተኣሚኑ፡ ኮይኑ ግና ነቲ ዝወሰዶ ክመልስ ፍቓደኛ እኳ እንተኾነ ሕሳቡ ስለዝተኣገደ፡ ዝወሰዶ ክመልስ ከምዘይከኣለ ይገልጽ፡፡
እቲ ባንኪ ኣብቲ ጸገም ዘጋጠመሉ እዋን ዝውውር ገንዘብ ዝተገበረሎም ሕሳባት፡ ክሳብ ዝጻረ ከምዝኣገደ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዘይገንዘቦም ዝወሰዱ ዓማዊል ክሳብ ቀዳም 14 መጋቢት 2016 ኣግ ክመልሱ፡ እንተዘይኮኑ ሽሞምን ፎቶኦምን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዕላዊ ከምዝገብር ኣጠንቂቑ እዩ፡፡
በዚ ምኽንያት ነቲ ገንዘብ ወሲዶም ዝተጠቐሙሉ ከምኡ እውን ናብ ዝተኣገዱ ሕሳባት ዘዘዋወሩ ተምሃሮ ኣብ ‘‘ጭንቀትን ስንባደን’’ ከምዘለዉ ይገልጹ፡፡
ካብቲ ባንኪ ዝወሰዶ ገንዘብ ናብ ካልእ ሕሳብ ድሕሪ ምትሕልላፉ ክመልሶ ተጸጊመ ዝብል ሓደ ተምሃራይ፡ ኣብ ቀረባ ፈተና ከምዘለዎን ‘‘ምስቲ ኣጋጣሚ ብዝተሓሓዝ ናይ ስምዒት ምርባሽ ከምዘጋጠሞን’’ ተዛሪቡ፡፡
ኣብቲ ኣሰራርሓ እቲ ባንኪ ዘጋጠመ ጸገም ስዒቡ ኣብ ዝተገበረ ‘‘ጥዕና ዝጎደሎ’’ ናይ ገንዘብ ዝውውር፡ ቀንዲ ተሳተፍቲ ተምሃሮ ላዕለዋይ ትምህርቲ ከምዝኾኑ እቲ ባንኪ ጠቒሱ እዩ፡፡
ፕረዚደንት እቲ ባንኪ ኣቶ ኣቤ ሳኖ ‘‘ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ገበን ምዃኖም ኣዝዩ ኣሕዚኑና እዩ፡፡ በቢወረድኡ (ዲስትሪክት) ዘለዉ ሓለፍቲ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ብምትሕብባር፡ ተምሃሮ ዝወሰድዎ ገንዘብ ክመልሱ ይግበር ኣሎ’’ ኢሉ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ገለ ዩኒቨርሲቲታት ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተርኣዩን ንገለ ተምሃሮ ከምዝመርመሩን ተምሃሮ ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡
ጉዳይ እቶም ተምሃሮ ብመንጽር ሕጊ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ መምህር ሕጊ ዝኾነ ሃበታሙ ለገሰ፡ ዘይግበኦም ገንዘብ ወጻኢ ዝገበሩ ተምሃሮ ብገበን ከምዝሕተቱ ይገልጽ፡፡
ንሱ ‘‘እቲ ናይ ሲስተም ጸገም መሰረት ብምግባር፡ ንባዕልካ ወይ ንካልኦት ዘይግባእ ረብሓ ክረኽቡ ዝተፈጸመ ተግባር፡ በቲ ናይ ኮምፒዩተር ገበን ንምድንጋግ ዝወጸ ኣዋጅ ክረአ ዝኽእል ተግባር ገበን እዩ’’ ይብል፡፡
በዚ ክረኣይ ዝኽእል ኣይኮነን እንተተባሂሉ እኳ እቲ ተግባር ብመደበኛ ናይ ስርቂ ገበን ክረአ ከምዝኽእል ሃብታሙ ይዛረብ፡፡
እቲ መምህር ሕጊ ከምዝብሎ፡ ናታቶም ዘይኮነ ገንዘብ ዘውጽኡ ተምሃሮ፡ ብሰለስተ ዓመት ቀሊል ማእሰርትን ካብ 30 ሽሕ ብር ዘይበዝሕ ናይ ገንዘብ ቅጽዓትን ክቕጽዑ ይኽእሉ፡፡
‘‘ነቲ ገበን ዝፈጸሙሉ ኲነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዙሕ ርሕቀት ከይዶም ገንዘብ ዝወሰዱ ውልቀ ሰባት ካብዚ ንላዕሊ ቅጽዓት ክጽበዮም ይኽእል፡፡’’
እቶም ከይፈለጡ ገንዘብ ኣታዊ ዝተገበረሎም ሰባት እውን ብገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ሒዞም ብምጽናሕ ብገበን ከምዝሕተቱ ወሲኹ ገሊጹ፡፡
ገለ ዩኒቨርሲቲታት ነቲ ኣብ ናይ ንግዳዊ ባንኪ ዝተፈጠረ ጸገም ስዒቡ ገንዘብ ዝሰወዱ ተምሃሮ ብቕልጡፍ ክመልስዎ ከጠንቅቓ ተራእየን እየን፡፡
እቲ መምህር ሕጊ ግና ዩኒቨርሲቲታት ገበን ሕጊ ናይ ምምርማር ስልጣን የብለንን ኢሉ፡፡
‘‘ዩኒቨርሲቲታት ናይ ባህሪ ወይ ዲፕሎማሲ ጸገማት እምበር ጉዳያት ገበን ክርእያ ኣይክእላን፤ ክገብረኦ ዝኽእላ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ምትሕብባር እዩ፡፡’’
ዋላኳ እተን ገንዘብ መዐደሊ ማሽናት ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲታት ዝርከባ እንተኾና፡ ተምሃሮ ብዘይኣግባቡ ዝተጠቐሙሉ ናይቲ ባንኪ ስርዓት እምበር ነተን ማሽናት (ኤቲኤም) ኣይኮነን ይብል፡፡