እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ 'ክሳብ ቀዳም ገንዘበይ ምለሱለይ'
ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብዘጋጠሞ ናይ 'ሲስተም' ጸገማት ገንዘብ ዝወሰዱ ወይ ናብ ካልእ ባንክታት ዘመሓላለፉ ውልቀሰባት ክሳብ ጽባሕ ቀዳም ነቲ ዝወሰድዎ ገንዘብ እንተዘይመሊሰሞ ስእሎምን ሽሞምን ኣሰንዩ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክዝርግሖ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ባንኪ ኣብ ልዕሊ እቶም ገንዘብ ወሲዶም ዘይመለሱ ጉዳዮም ብሕጊ ክሳብ ዝርአ፡ ስእሎምን ኣስማቶምን እቲ ባንኪ ብዝምረጾ ኣገባብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን መራኸቡ ብዙሃንን ክዝርግሖ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ ዘሎ።
ገንዘብ ዝወሰዱ ወይ ናብ ካልእ ባንኪ ዘመሓለለፉ ዓማዊል እቲ ባንኪ፡ ኣብ ትቐኦም ኣብ ዝርከብ ጨንፈር እቲ ባንኪ ብምዃድ እቲ ዝወሰድዎ ሰልዲ ቀልጢፎም ክምልሱ እቲ ባንኪ ትማሊ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
እንተኾነ እቶም ገንዘብ ዝወሰዱ ወይ ናብ ካልእ ባንኪ ዘመሓላለፉ ሰባት ኣብቲ ተገሊጹ ዘሎ ግዜ ክመልሱ እንተዘይክኢሎም እቲ ባንኪ ዝተፈላለየ ስጉምትታት ከምዝወስወድ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ሓደ ካብቲ እቲ ባንኪ ክወስዶ'የ ዝበሎ ስጉምቲ ኣስማት ናይቶም ሰልዲ ዝወሰዱ ወይ ናብ ካልእ ባንኪ ዘሰጋገሩ ናብ ትካላት ሕጊ ብምቅራብ ወግዓዊ ክሲ ምምስራት ምዃኑ ገሊጹ።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ናይ ሲስተም ጸገም ኣብ ዘጋጠሞ እዋን ገንዘብ ዝወሰዱ ውልቀ ሰባት ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን እንድሕር ዘይመሊሶም ብሕጊ ከምዝሓትቶም ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
ፕረዚደንት እቲ ባንኪ ኣቤ ሳኖ፡ ምስ ቢቢሲ ኒውስ ደይ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት ዘይገንዘቦም ዝወሰዱ ዓማዊል ክሳብ መወዳእታ እዚ ሰሙን እንተዘይመሊሶም መንነቶም ንፖሊስ ከምዘፍልጥ ገሊጹ።
‘‘ብዲጂታላዊ መንገዲ እዮም ነቲ ዝውውር ፈጺሞምዎ። ዓማዊልና ስለዝኾኑ ንፈልጦም ኢና። እቲ ዝፈጸምዎ ተግባር ብሕጊ የሕትቶም እዩ፡፡ መንነቶም ንፖሊስ ክነፍልጥ ኢና’’ ኢሉ።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ የካይዶ ምስ ዘሎ ምምሕያሽ ስርዓት ምትሕልላፍ ገንዘብ ተተሓሒዙ፡ ዓርቢ 6 መጋቢት 2016 ዓ/ም ጸገም ኣብ ዘጋጠሞ እዋን፡ ብዙሓት ዓማዊል ኣብ ሕሳቦም ካብ ዘሎ ገንዘብ ንላዕሊ ዝውውር ከምዝፈጸሙ ዕላዊ ከምዝተገበረ ይዝከር፡፡
ፕረዚደንት ናይቲ ባንኪ ከምዝብሎ፡ መብዛሕተኦም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ዓማዊል፡ እቲ ባንኪ መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝበጽሖ ብምሕሳብ፡ ገንዘብ ብምዝውዋሮም መንነቶም ዘይፍለጥ መሲልዎም ነይሩ፡፡
ኣቶ ኣቤ ‘‘ኣብዚ እዋን እቲ ዝፈጸምዎ ዝውውር ገንዘብ ስለዝተፈለጠ ዝወሰድዎ ገንዘብ ባዕሎም ዝመልሱ ኣለዉ’’ ኢሉ፡፡
እቲ ጸገም ኣብ ዘጓነፈሉ እዋን ዘይግበኦም ገንዘብ ዝወሰዱ ዓማዊል ክሳብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክመልሱ ዝሓተተ እቲ ፕረዚደንት፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ግና ክሲ ተመስሪቱ መንነት ናይቶም ውልቀ ሰባት ንፖሊስ ተሓላሊፉ ከምዝወሃብ ኣጠንቂቑ፡፡
መንነቶም ንፖሊስ ኣሕሊፍካ ምሃብ ምስ ዓማዊልኩም ዘለኩም ርክብ ኣየበላሽዎንዶ ተባሂሉ ዝሓተተ ኣቶ ሳኖ ‘‘ምስ ለያቡ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ርክብ ኢና እንዘራረብ?’’ ኢሉ ብምሕታት፡ ‘‘ኣብ ሕሳቦም ዘይብሎም ገንዘብ እዮም ወሲዶም፤ ናይ ባዕልቶም ዘይኮነ ገንዘብ ከምዝወሰዱ ኣዐሪና ርግጸኛታት ኢና’’ ክብል መሊሱ፡፡
ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ተወሲድዎ?
ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽየትድ ፕረስ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ጸገም ኣብ ዘጋጠሞ እዋን፡ 2.4 ቢልዮን ብር (40 ሚልዮን ዶላር) ምዃኑ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት እቲ ባንክ ኣቤ ሳኖ ግና ሎሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብጠቕላላ ኣብቲ ኣጋጣሚ 10 ሽሕ ሰባት ንኣገልግሎታት እቲ ባንክ ከምዝተጠቐሙ እኳ እንተገለጸ እቲ መጠን ገንዘብ ካብቲ ዝተጠቕሰ “ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ ነቲ መጠን ገንዘብ ንምንጻር ኦዲት ይግበር ምህላውን ጌና ከምዘይተወድአን ሓቢሩ።
‘‘ጌና ኦዲት ይግበር እዩ ዘሎ፡፡ እቲ ዝውውር ዝተሓላለኸ እዩ፡፡ ሓቃዊ ዝውውር ዝፈጸሙ ከምዘለዉ፡ ዘይብሎም ገንዘብ ዘውጽኡ እውን ኣለዉ እዮም፡፡ ስለዚ ነጻርይ ኢና ዘለና፡፡ እዚ ድማ ግዘ ይደሊ እዩ፡፡ ምናልባት ክሳብ መወዳእቲ ናይዚ ሰሙን ክንውድእ ንጽበ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ፕረዚደንት እቲ ባንኪ፡ ናይ ሲስተም ጸገም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን 10 ሽሕ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ዝውውር ገንዘብ ከምዝገበሩ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡
ኣቤ ሳኖ ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ዓርቢ ለይቲ ልዕሊ 490 ሽሕ ‘‘ ሓቃውን ሓቃዊ ዘይኮኑን’’ ምስግጋር ገንዘብ ከምዝተኻየዱ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡
ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ዝተገበረ ዝውውር፡ ካብቲ ካብ ቅርሺ መዐደሊ ማሽናት ወጻኢ ዝተገበረ ንላዕሊ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ እዩ፡፡