ስሪላንካ፡ ፕረዚደንት ራጃፓክሳ ካብ ማልዲቭስ ናብ ሲንጋፖር ከይዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ስሪላንካ ጎታባያ ራጃፓካሳ ብነፋሪት ስዑድያ ካብ ማልዲቭስ ናብ ሲንጋፖር ከም ዝኸደ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሃገሩ መጠነ-ሰፊሕ ተቓውሞ ስለ ዝተላዕለ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ'ዩ ናብ ማልዲቭስ ሃዲሙ።
ሚስተር ራጃፓክሳ ኣብ ሲንጋፖር ዝጸንሕ እንተዀይኑ ወይ ከኣ ከም መሰጋገሪ ዝጥቀመሉ እንተዀይኑ ዛጊት ኣይተነጸረን።
ኣቐዲሙ፡ ረቡዕ ካብ ስልጣኑ ክሰናበት ምኳኑ ቃል ኣትዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ወግዓዊ ናይ ስንብታ ወረቐት ኣየቕረበን።
እቲ ካብ ክሲ ናጻ ናይ ምዃን መሰል ዝነበሮ ፕረዚደንት ብሓድሽ ምምሕዳር ምእንቲ ኸይእሰር ኢሉ ካብ ሃገር ክሃድም ከምዝደለየ ይእመን።
ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ ፕረዚደንት ራኒል ዊክረሚሲንግ፡ ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ ኣሎ።
መንግስቱ ተቓውሞታት ደው ንምባል ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ዓርቢ ሰዓት 05፡00 ቅ.ቀ ሰዓት እቶ እቶ ኣዚዙ እዩ።
ሚስተር ዊክረሚሲን፡ ፕረዚደንት ራጃፓክሳ ምስ ሃደመ'ዩ ነቲ መዝነት ተቐቢሉ፣ ኰይኑ ግና እቲ ውሳነ ካብ ስርሑ ንኽሰናበት ዝጠልብ ተወሳኺ ተቓውሞታት ከምዘለዓዓለ ይዝከር።
ድሕሪ እቲ ረቡዕ ኣብ ከባቢ ርእሲ ኸተማ ኮሎምቦ እንተላይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተገብረ ተቓውሞታት ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ካልኦት 84 ካልኦት ድማ ቈሲሎም እዮም።
ተቓወምቲ፡ ቐዳም ናብ ቤተ-መንግስቲ ፕረዚደንት ምስ ኣተዉ እሞ ንውልቃዊ መንበሪ ገዛ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ብሓዊ ምስ ኣንደዱ ካብ ሚያዝያ ዝጀመሩ ዓበይቲ ሰልፊታት እናገደዱ ይኸዱ ኣለዉ።
ረቡዕ ፖሊስ ነቶም ኣፍ ደገታት እቲ ኣብ ኮሎምቦ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ክሰብሩ ዝፈተኑ ተቓወምቲ ዘንብዕ ጋዝ ምስ ደርበይሎም ገጾም ናብ ባይቶ ከምዘዞሩ ይፍለጥ።
ብሓሙስ ኣፈኛ እቶም ተቓወምቲ ኻብቲ ወግዓዊ ህንጻታት ኸም ዘይርሕቁ ገለጹ። ቢቢሲ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ህንጻ ባይቶ ኣብዝኸደሉ ኣብቲ ቦታ ተቓወምቲ ኣይረኸበን።
ኣብ ስሪላንካ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላው፣ ዋጋ መግብን ነዳድን ካልእ መሰረታዊ ኣቕሑን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ብዙሓት ሰባት፡ ምምሕዳር ራጃፓክሳ ነዚ ቅልውላው እዚ ስለ ዘይፈትሖ ተሓታቲ ይገብርዎ። እቲ ኣብ ግንቦት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዀነ ዊክረሚሲንግ እውን ከም ሓደ ኣካል እቲ ጸገም እዮም ዝርእይዎ።
እቲ ፕረዚደንት ካብ ስሪላንካ ምህዳሙ፡ ኣብ ስሪላንካ ናይ ስልጣን ክፍተት ከየምጽእ ስለ ዝተሰግእ፡ ቍጠባዊ ዕንወት ዘወግድ መንግስቲ የድልያ እዩ።
ፖለቲከኛታት ካልኦት ሰልፍታት፡ ሓድሽ፡ ሓድነት ዘለዎ መንግስቲ ብዛዕባ ምምስራት ይዛረቡ'ኳ እንተለዉ ክሳዕ ሕጂ ግን ከም ዝተሰማምዑ ዝሕብር ዋላ ሓንቲ ምልክት የለን።
ህዝቢ፡ ነቲ ዝብልዎ ነገር ዝቕበሎ እንተ ዀይኑ'ውን ንጹር ኣይኰነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







