ቤተመንግስቱ ብህዝቢ ዝተወረረ ፕረዚደንት ብወተሃደራዊ ነፋሪት ሃዲሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቁጠባዊ ቅልውላው ሃገሮም ብዘማረሮም ሰልፈኛታት ቤተመንግስቱ ዝተወረረ ፕረዚደንት ስሪላንካ ጎታባያ ራጃፓክሳ ብወተሃደራዊት ነፋሪት ካብታ ሃገር ሃዲሙ።
እቲ ወዲ 73 ዓመት መራሒ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ሰብመዚ ድሕነትን ናብ ማልዲቭስ ከምዝኸደ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣረጋጊፁ።
ናብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ማሌ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስሓለፈ ከምዝኣተወ ቢቢሲ ክግንዘብ ኪኢሉ’ሎ።
ናይ ራጃፓክሳ ምህዳም፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝፀንሐ ቤተሰባዊ ስርወ-ንግስነት ከብቅዕ ዝገብር’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሰልፈኛታት ንቤተመንግስቱ ምስተቖፃፀርዎ ተሓቢኡ'ዩ ጸኒሑ። ንሎሚ 13 ሓምለ 2022 ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ’ውን ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ ሓዉ ነቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ሚንስተር ፋይናንስ ነበር ባዚል ራጃፓክሳ፡ ካብታ ሃገር ከምዝወፅአ ምንጪታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ናብ ኣመሪካ ክኸይድ ከምዝኽእል ድማ ይዝረብ።
ፕረዚደንቶም ካብ ሃገር ከምዝሃደመ ዝፈለጡ ኣሽሓት ስሪላንካውያን ኣብዚ እዋን ናብ ጎደናታት ከተማ ኮሎምቦ ብምውፃእ ሓጎሶም ይገልፁ ኣለዉ።
ስሪላንካውያን፡ በቲ ኣብ ሃገሮም ን10ታት ዓመታት ዝቐፀለ ሕሱም ቁጠባዊ ቅልውላው ንመራሕቶም ተሓተትቲ ይገብሩ።
ንኣዋርሕ ድማ ብመዓልታዊ ምቁርራፅ መብራህቲ ከምኡ ድማ ብሕፅረት ከም ነዳዲ፣ መግብን መድሓኒትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ነገራት ክፅገሙ ፀኒሖም።

እቲ ኣብ ስልጣን ፕረዚደንትነት ከሎ ናይ ሕጊ ከለላ ዝነበሮ ራጃፓክሳ፡ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ነቲ ከለላ ከይስእንን ኣብ ቀይዲ ከይኣትውን ብምስጋእ ካብ ሃገሩ ከምዝወፅአ ይእመን።
ብዛዕባ ስሪላንካ
- ኣብ ወሰን ደቡባዊ ህንዲ እትርከብ ደሴታዊት ሃገር ስሪላንካ - ኣብ 1948 ካብ ብሪጣንያ ናፅነታ ኣዊጃ። ሲንሃለሴ፣ ታሚልን ሙስሊምን ብዝብል ዝፍለጡ ሰለስተ ዓበይቲ ዓሌታት ድማ 99% ካብቲ 22 ሚልዮን ህዝባ ይሕዙ።
- ካብ ሓደ ስድራ ዝመፅኡ ኣሕዋት ንዓመታት ስልጣን ብሒቶም - ማሂንዳ ራጃፓክሳ ዝመርሖ መንግስቲ ብድሕሪ’ቲ ዓመታት ዝወሰደ መሪርን ደማዊን ኲናት ኣንፃር ዕጡቓት ተነፀልቲ ታሚል ኣብ 2009 ዓወት ብምርካቡ ከም ጅግና ክቑፀር በቒዑ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ዋና ፀሓፊ ሰራዊት ምክልኻል ዝነበረ ሓዉ ጎታባያ እቲ ሎሚ ብዘጋጠሞ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ሃገሩ ዝሃደመ ፕረዚደንት’ዩ።
- ፕረዚደንታዊ ስልጣን - ኣብ ስሪላንካ ከም መራሒ ሃገር፣ መንግስትን ሰራዊትን ዝቑፀር እቲ ፕረዚደንት’ዩ። ምስቲ ቀዳማይ ሚንስትር እውን ዝተፈላለዩ ናይ ፈጻምነት ሓላፍነታት ይማቐል።
- ቁጠባዊ ቅልውላው ህዝቢ ናብ ኣደባባያት ክውሕዝ ኣገዲዱ - እቲ ኣዝዩ ዝኸበደ ናህሪ ዋጋ ኣብ ቀረብ ገለ መግቢታት፣ መድሓኒታትን ነዳዲን ሕፅረት ኣኸቲሉ። በዚ ምኽንያት ስድራ ፕረዚደንት ራጃፓክሳ ዝመርሕዎ መንግስቲ ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ዝገልፁ ሰልፈኛታት ናብ ኣደባባያት ምውጻእ ጀሚሮም።
እቲ ፕረዚደንት ካብ ሃገር ምውፅኡ ምናልባት ነቲ ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ብቕልጡፍ ከሕውይ ዝኽእል ናይ መሪሕነት ክፍተት ከይፍጠር ይስጋእ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሰልፊታት (ውድባት) ፖለቲካ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት፡ ሓበራዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ኣብ ምዝርራብ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ዛጊድ ግን ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ምልክታት ኣይተርኣየን።
ህዝቢ’ውን ንውሳንኦም ክቕበልዶ ይኸውን ዝብል ኣይተፈለጠን።
ሕገመንግስቲ እታ ሃገር ግን እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን እንተወሪዱ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ክንድኡ ክነጥፍ ከምዘለዎ’ዩ ዝድንግግ።
ግን ከኣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚንስትር ራኒል ዋይክረምሲንግ እውን ህዝባዊ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ሰልፈኛታት ብቐዳም ንመንበሪ ገዝኡ ከምዘቃፀልዎ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







