ወተሃደራት ስሪላንካ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ዝጥሕሱ ሰባት ክትኩሱ ተኣዚዞም

ነቲ ናዕቢ ንምቁጽጻር፡ ሰራዊት እታ ሃገር ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ተዋፊሮም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ነቲ ናዕቢ ንምቁጽጻር፡ ሰራዊት እታ ሃገር ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ተዋፊሮም ኣለዉ

ወተሃደራት ስሪላንካ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ዝጥሕሱ ሰባት ክትኩስ ትእዛዝ ተዋሂቦም። እቲ ትእዛዝ ነቲ ኣብታ ደሴት ኣንጻር መንግስቲ ተላዒሉ ንዘሎ ተቓውሞታት መግትኢ ንምግባር ምዃኑ ይግለጽ።

እቶም ሰልፈኛታት ብሰንኪ እታ ሃገር ኣብ ታሪኻ ገጢምዋ ዘሎ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓክሳ ካብ ስልጣን ክወርድ ይጠልቡ ኣለው።

ብሰኑይ ኣብ ጎደናታት ድሕሪ ዝተርኣየ ጎንጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሓው ማሂንድራ ራጃፓክሳ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግና እቲ ስጉምቲ ነቲ ናዕቢ ከህድኦ ኣይከኣለን።

ብሰሉስ፡ መንግስቲ ናብ ወተሃደራት ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ ህዝባዊ ንብረት ክሰርቁ ንዝተርኣዩ ናዕበኛታት ክትኩሱ መምርሒ ሂቡ።

መንግስቲ ንጎደናታት ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ንምክትታል፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት፡ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ኣዋፊሩ ኣሎ።

እንተኾነ ብሰሉስ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ንሰላማውያን ሰልፈኛታት ግቡእ ሓለዋ ኣይገበረን ብዝብል መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ።

ኣብቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢ፡ በውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ 200 ከም ዝቖሰሉን ጸብጻባት ሓቢሮም።

ዋላ'ኳ ነቲ ናዕቢ ንምቁጽጻር ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ እንተሎ፡ ናዕበኛታት ግን ተቓውሞታቶም ይቕጽሉ ኣለዉ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ጽባሕ ረቡዕ ዝጸንሕ'ዩ።

ጎደናታት ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ብቐትሪ ጽምዋ ብሒትዎም'ኳ እንተ ተራእየ፡ ለይቲ እንታይ ከም ዘጋጠመ ዘርኢ ዕንወት ግን ካብ ዓይኒ ዝኽወል ኣይኮነን።

ኣውቶቡሳት ናብ ቀላይ ተደርብየን፡ ገሊአን ድማ መሳኹተን ሽዋሕዋሕ ኢሉ፡ ጎማታተን ክነድድ ይርኣያ።

ኣብቲ ኣቐዲሙ ዓቢ ናዕቢ ዝተወልዓሉ ፊት መንበሪ ገዛ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጽዑቕ ህላወ ፖሊስ ተራእዩ።

'ጋል ፌስ ግሪን' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ገምገም ባሕሪ ናይታ ከተማ ድማ ብዙሓት ናዕበኛታት ምትእኽኻብ ቀጺሎም ኣለው።

እቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ዝቖሰሉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ናብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ይሕከሙ ከም ዘለዉ'ውን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ ከም ዘለዉ'ውን ተገሊጹ።

ገለ ካብኣቶም፡ ብደገፍቲ መንግስቲን ፖሊስ ብዝተኮስዎ ዘንብዕ ጋዝን ከም ዝቖሰሉ ይገልጹ።

ሓደ ጠበቓ ናይቶም ናዕበኛታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣንጻር ደገፍቲ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሲ ክምስርቱ ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ።

ጸብጻባት ከም ዝሓበርዎ፡ ዛጊት ናይ ልዕሊ 50 መራሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ብሓዊ ተቓጺሎም ኣለዉ።

ብዙሓት ናዕበኛታት'ውን ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓክሳ ተኣኪቦም ኣለዉ ተባሂሉ።

እቲ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣሕዋት ኮይኖም፡ ክልቲኦም ነታ ሃገር ብሓባር ክመርሕዋ ጸኒሖም። ጎታባያ፡ ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኑ'ውን ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ማሂንዳ ብወገኑ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2015 ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ'ዩ።

ካልኦት ኣባላት ናይቲ ቤተሰብ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ምህላዎም ይግለጽ።