ስሪ ላንካ፡ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምቁጽጻር ኣብ መላእ'ታ ሃገር ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ስሪ ላንካ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ናዕበኛታት ንመንበሪ ኣባይቲ ሰበስልጣን መንግስቲ ብሓዊ ኣቃጺሎም።
ትማሊ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ማሂንዳ ራጃፓክሳ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዘገደደ'ዩ ነይሩ።
እቲ ዝተቓጸለ ኣባይቲ፡ መንበሪ ኣባላት ናይቲ ንስልጣን እታ ሃገር ተቖጻጺሩ ዝርከብ ቤት ሰብ ራጃፓክሳ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቶም ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ተቓውሞታት ዘስምዑ ዘለዉ ናዕበኛታት፡ ትማሊ ለይቲ ንመንበሪ ገዛ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምኽባቦም፡ ኣብ ወጋሕታ ሓይልታት ጸጥታ ብዘካየድዎ ብናይ መጠንቀቕታ ጠያይቲ ዝተሰነየ ስርሒት ካብቲ ገዛ ክግዕዝ ክኢሉ።
ኣብቲ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢ፡ በውሕዱ 7 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ካልኦት 200 ከምዝቖሰሉን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ዋላ'ኳ ነቲ ናዕቢ ንምቁጽጻር ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ እንተሎ፡ ናዕበኛታት ግን ተቓውሞታቶም ይቕጽሉ ኣለዉ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ጽባሕ ረቡዕ ዝጸንሕ'ዩ።
ጎደናታት ርእሰከተማ ኮሎምቦ ብቐትሪ ጽምዋ ብሒትዎም'ኳ እንተ ተራእየ፡ ለይቲ እንታይ ከምዘጋጠመ ዘርኢ ዕንወት ግን ካብ ዓይኒ ዝኽወል ኣይኮነን። ኣውቶቡሳት ናብ ቀላይ ተደርብየን፡ ገሊአን ድማ መሳኹተን ሽዋሕዋሕ ኢሉ፡ ጎማታተን ክነድድ ይርኣያ።
ኣብቲ ኣቐዲሙ ዓቢ ናዕቢ ዝተወልዓሉ ፊት መንበሪ ገዛ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጽዑቕ ህላወ ፖሊስ ተራእዩ።
'ጋል ፌስ ግሪን' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ገምገም ባሕሪ ናይታ ከተማ ድማ ብዙሓት ናዕበኛታት ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። እቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ዝቖሰሉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ናብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ይሕከሙ ከምዘለዉ'ውን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ ከምዘለዉ'ውን ተገሊጹ።
ገለ ካብኣቶም፡ ብደገፍቲ መንግስቲን ፖሊስ ብዝተኮስዎ ዘንብዕ ጋዝን ከምዝቖሰሉ ይገልጹ። ሓደ ጠበቓ ናይቶም ናዕበኛታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣንጻር ደገፍቲ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሲ ክምስርቱ ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ።
ጸብጻባት ከምዝሓበርዎ፡ ዛጊት ናይ ልዕሊ 50 መራሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ብሓዊ ተቓጺሎም ኣለዉ።
ብዙሓት ናዕበኛታት'ውን ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓክሳ ተኣኪቦም ኣለዉ ተባሂሉ። እቲ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣሕዋት ኮይኖም፡ ክልቲኦም ነታ ሃገር ብሓባር ክመርሕዋ ጸኒሖም። ጎታባያ፡ ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኑ'ውን ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ማሂንዳ ብወገኑ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2015 ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ'ዩ። ካልኦት ኣባላት ናይቲ ቤተሰብ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ምህላዎም ይግለጽ።
ብሰንኪ'ቲ እቲ ናዕቢ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሎም ኣብ ስቱር ቦታታት ተሓቢኦም ይርከቡ።
እቲ ፕረዚደንት እንከሎ ንተቓወምቲ 'ታሚል ታይገርስ" ብምድምሳሱ፡ ካብ ኣባላት ብሄረ ሲንሃላ ዓቢ ደገፍን ናእዳን ዝረኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ማሂንዳ ራጃፓክሳ፡ ደገፍቱ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መንግስቲ ብዝወሰድዎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ስጉምቲ ካብ ጅግና ናብ ገበነኛ ተቐዪሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ስልጣን ዝበሓቱ ኣሕዋት፡ ንሓድሕዶም ክከላኸሉ'ኳ ዝጸንሑ እንተኾኑ፡ ብሰንኪ'ቲ ጎነጽ ዝጓህረ ናዕቢ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መዝነቱ ከረክብ ክምሕጸኖ ተገዲዱስ፡ ሰሚዕዎ ስልጣኑ ኣረኪቡ'ሎ።
ነቲ ናዕቢ ንምቁጽጻር፡ ሰራዊት እታ ሃገር ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ተዋፊሮም ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ራጃፓክሳ፡ ካብ ርእሰከተማ ኮሎምቦ ብምውጻእ ናብ ዘይተገልጸ ቦታ ተወሲዱ ኣሎ።
ስሪ ላንካ፡ ኣብ 1948 ናጽነታ ካብ ብሪጣንያ ካብ እትረክብ ንደሓር እቲ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢሙዋ ከምዘሎ ይንገር። መነባብሮ ኣዝዩ ብምኽባሩ ድማ ኣብ ብዙሓት ዜጋታት ቁጠዐ ኣስዒቡ'ሎ።
ናይ ወጻኢ ሸርፊ እታ ሃገር ብምንጻፉ፡ ዋጋ ከም መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳዲን ዝበሉ መሰረታውያን ሃለኽቲ ሰማይ ዓሪጉ'ሎ።
መንግስቲ፡ ህጹጽ ፋይናንሳዊ ደገፍ ክግበር ይጠልብ። ጠንቂ ናይቲ ቅልውላው ግን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ እታ ሃገር ዝኾነ ቱሪዝም ከምዘንቆልቆለ'ዩ እቲ መንግስቲ ዝምጉት።
ብዙሓት ኪላታት ቁጠባ ግን፡ ኣተሓሕዛን ቁጠባን ምጥፍፋእን ካብ ዓበይቲ ጠንቅታት ምዃኑ'ዮም ዝዛረቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







