ባህላዊ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ክተፋልጥ ዝጸንሐት ሚኒስተር በቲ ቫይረስ ተታሒዛ

ፓቪርታ ዋንያራችቺ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጥዕና ስሪ ላንካ ፓቪርታ ዋንያራችቺ (ጸጋም)

ኮሮናቫይረስ ዝከላኸል ዝተባህለ ካብ እጸዋት ዝተሰርሐ ብልቃጥ እተፋልጥ ዝነበረት ሚኒስተር ጥዕና ስሪ ላንካ፡ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዛ።

እታ ፓቪርታ ዋንያራችቺ ዝተባህለት ሚኒስተር፡ ብዓርቢ ኮሮረናቫይረስ ከምዝተረኸባ እቲ ሚኒስትሪ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እታ ሚኒስተር፡ ነቲ ብሓደ ደብተራ ዝተሰርሐን ንመዋእል ካብቲ ቫይረስ ከምዝከላኸል ዝገለጾን መድሓኒት እናፋለጠቶ ነይራ።

ኣብ ስሪላንካ ዛጊድ 56,076 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾን 276 ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም፤ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ድማ ቁጽሪ መልክፍቲ ኣብታ ሃገር እናወሰኸ እዩ።

ፓቪርታ ዋንያራችቺ ብኮቪድ ዝተለኸፈት ራብዐይቲ ሚኒስተር እያ። ነቲ መድሓኒት ዝወሰደ ካሊእ ሚኒስተር እውን ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን በቲ ቫይረስ ተታሒዙ እዩ።

እታ ሚኒስተር ነቲ መድሓኒት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝወሰደት ኮይና ሰባት እውን ክጥቀሙ ተበረታትዕ ነይራ።

ነቲ መድሓኒት ዝመሃዘ ደብተራ፡ እቲ መድሓኒት ብራእይ ከምዝተገለጸሉ እዩ ዝዛረብ።

ዶኳትር እታ ሃገር ነቲ ፈዋሲ ዝተባህለ መድሓኒት ዘይተቀበልዎ እንትኾን፡ ብኣሻሓት ዝቑጽሩ ሰባት ግን እቲ መድሓኒት ንምርካብ ናብታ እቲ ደብተራ ዝነብረላ ገጠር ከምዝተጉዓዙ ወኪና ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

እታ ሚኒስተር ክልተሻብ ተመርሚራ ክልተ ጊዜ እቲ ቫይረስ ዝተረኸባ እንትኾን፡ ንሳን ምስኣ ርክብ ዝነበሮም ሰባት ዓርሶም ከውሽቡ ከምዝተገበረን ተገሊጹ።

ስሪላንካ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኦክስፎርድ/ኣስትራዘኔካ ኣብ ህጹጽ እዋን ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ኣዚዛ ኣላ።