ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ስሪላንካ ብተቛወምቲ ኣዕለቕሊቑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቛወምቲ ንኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ስሪላንካ ጎታባያ ራጃፓካሳ ኣዕለቕሊቖሞ።
ካብ ኩሉ ክፋል ስሪላንካ ዝተኣኻኸቡ ሰልፈኛታት ኣብ ኮሎሞቦ ቀሪቦም መራሒኦም ፕረዚደንት ጎታባያ ስልጣኑ ንኽገድፍ ጠሊቦም።
እቶም ተቛወምቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ብዝግባእ ከመሓድሮ ኣይከኣለን ብዝብል ቁጥዐ ንኣዋርሕ ዝኣክል ተቛውሞታት ከስምዑ ጸኒሖም’ዮም።
እቲ ፕረዚደንት ግን ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ከምዝተወሰደ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ስሪላንካ ብኸቢድ ዝቕባበ ዋጋ ሸቐጣት ኣመና ስለዝተሃሰየት እታ ሃገር ከም ነዳዲ፣ መግብን መድሓኒትን ዝኣመሰሉ ሃለቕቲ ሸቐጣት ካብ ወጻኢ ክተእቱ ተገዲዳ እያ።
እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንኽበጽሑ ገሊኦም ሰበ ስልጣናት እንከይተረፈ ንሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ባቡር ኣዚዞም ከምዝመጽኡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ።
ንሳቶም ናብቲ ናይ ኮሎምቦ ቀጽሪ መንግስታዊ ምምሕዳር ብምእታው “ጎታ ናብ ገዛኻ ኪድ” ዝብል ጭርሖ እንዳጨርሑ ሓጹራት ፖሊስ ጥሒሶም ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ፕረዚደንት ኣትዮም።
ፖሊስ እቶም ተቛወምቲ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ንኸይኣትዉ ጠያይቲ ናብ ላዕሊ ተኵሶም መንብዒ ጋዝ’ኳ እንተተኮሱ ገለ ካብቶም ተቛወምቲ ናብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ካብ ምእታው ዓዲ ግን ኣይወዓሉን።
“እቲ ፕረዚደንት ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ተዛዊሩ’ዩ” ክብል ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ስሪላንካ ንኤ ኤፍፒ ተዛሪቡ። ንሱ ኣስዒቡ “ጎታ ሕይ’ውን ፕረዚደንት’ዩ፣ ብናይ ሓይልታት ምክልኻል ኣሃዱታት ይሕሎ’ዩ ዘሎ” ኢሉ።
ብናይ ፌስቡክ ቀጥታ ፈነወ ኣብ ዝተርኣየ ቪድዮ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተቛወምቲ ናብ ክፍልታትን ጋብላን እቲ ቤተ መንግስቲ እንዳአተዉ ተራእዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ መሕመበሲ ናይቲ ፕረዚደንት ክሕምብሱ ተራእዮም።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝነበሩ ኣካል ናይቲ ተቛውሞ ዝኾኑ ሰባት’ውን ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ጥሒሶም ምእታዎም ተፈሊጡ።
ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ብውሑዱ 33 ሰባት ጉድኣት ከምዘበጽሖምን ኣብ ብሄራዊ ሆስፒታል እታ ሃገር ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎን ወሃቢ ቃል እቲ ሆስፒታል ንቢቢሲ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







