እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ንዩክረይንን ደገፍታን 2.6 ቢልዮን ዶላር ክትሕግዝ እያ
ኣመሪካን ዩክረይንን መሻርኽታን ኣስታት 2.7ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቓ። ካብዚ እቲ 675 ሚልዮን ዶላር ንዩክረይን ዝኸውን ኣጽዋር ክውዕል እዩ።
ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ራምሽታይን: ጀርመን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ መደበር ሓይሊ ኣየር ምስ መሻርኽቲ ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ እዩ እቲ ናይ ኣጽዋር ደገፍ ኣፍሊጡ ።
ኣመሪካ ንዩክረይን ኣስታት 13 ቢሊዮን ዶላር ዝውድእ ወተሃደራዊ ደገፍ ከም እትገብረላ ቃል ኣትያ እያ።
ምምሕዳር ባይደን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ ዩክረይንን ናይ 18 ጎረባብታን ጸጥታ ንምሕላው ኣብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ኣብ ነዊሕ ዝኽፈል 2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ እዩ።
እዚ ደገፍ እዚ ንኣባል ሃገራት ኔቶ ይኹን ነተን ኣብ መጻኢ ንሓደጋ መጥቃዕቲ ሩስያ ዝተቓልዓ ኣባል ዘይኮና ጎረባብቲ ሃገራት ዘጠቓልል እዩ ።
እዚ ናይ ኣመሪካ ደገፍ ዝወሃብ ዘሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሚስተር ብሊንከን ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ እዩ።
እቲ "ኣዝዩ ኣገዳሲ" ሓገዝ እታ ሃገር ኣብቲ ዘድልያ ናይ ቁርጺ እዋን ከምዝወሃብን ዩክሬናውያን ኣንጻር ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝገብርዎ ስርሒታት "ውጽኢታዊ" ከም ዝኸውን ይእመን።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ዩክረይን ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ስለዝኾነት "እቲ ጐነጽ ክሳዕ ዘቋርጽን ውሕስነታ ዝረጋገጽን ጸቕጢ ካብ ምግባር ከም ዘየቋርጻ" ተመባጺዐን እየን።
ንዩክረይን ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ ቃል ዝኣተዋ ሃገራት
• ኣመሪካ - 25.45 ቢልዮን ዶላር
• ዓባይ ብሪጣንያ - 2.53 ቢልዮን ዶላር
• ፖላንድ - 1.81 ቢልዮን ዶላር
• ጀርመን - 1.48 ቢልዮን ዶላር
• ካናዳ - 0.8 ቢልዮን ዶላር
• ኖርወይ - 0.48 ቢልዮን ዶላር
• ቼክ-ሪፖብሊክ - 0.27 ቢልዮን ዶላር
• ግሪኽ - 0.26 ቢልዮን ዶላር
• ኢስቶንያ - 0.26 ቢልዮን ዶላር
• ላቲቭያ - 0.23 ቢልዮን ዶላር
• ኦስትርያ - 0.19 ቢልዮን ዶላር
• ስዊድን - 0.18ቢልዮን ዶላር
• ፈረንሳ - 0.16 ቢልዮን ዶላር
• ዴንማርክ - 0.16 ቢልዮን ዶላር
• ጥልያን - 0.11 ቢልዮን ዶላር
ፖለቲካዊ ትንተና ብባርባራ ፕለት ኡሸር
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ "ንዘለኣለም ውግእ" ኸተብቅዕ እኳ እንተደለየ፡ ንነዊሕ እዋን ክመጽያ ዝኽእል ቢልዮናት ዶላር ሓገዝ የፍስስ ኣሎ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ወራር ሩስያ ንዩክረይን እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ሓድሽ ምዕራፍ ኣትያ ኣላ። ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዝተነብረ ማዕቀብ ክልሕልሕ ብምጅማሩን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ቀረብ ጋዝ ሩስያ ብምኽልካሉን ኤውሮጳ ኣብዚ ከቢድ ክረምቲ ብናህሪ ዋጋታት ነዳድን ሕጽረት ጸዓትን ኣብ ጭንቂ ትርከብ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ: ዩክረይን ነቶም ዝድግፈኣ ዘለዋ ተቓለስቲ መሻርኽታ ትምክት ከምዘላ ከተእምን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ጸረ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ንወራር ሩስያ ክትመልስ ትዋጋእ ኣላ።
ምብጻሕ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኪየቭ ከኣ ኣመሪካ ገና ኣብ መብጽዓ ከምዘላ ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ።
ንዋሽንግተን እቲ ግጭት ካብ ዩክረይን ዝዓበየ እዩ። ምምሕዳር ባይደንን ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካን ወራር ሩስያ ንሕግታት እቲ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብኣመሪካ ዝቘመ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ስርዓት ዝትርብዕ እዩ ዝብል ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም።
ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ባይደን እቲ ንዩክረይን ዝገብሮ ደገፍ ምስሩስያ ኣብ ቀጥታዎ ግጭት ከየእትዎ ስለዝሰግእ ንዓወት ዩክረይን ዘቀላጥፍ ቅልጡፍን ወሳንን ኣይኰነን።
ገሊኦም ተንተንቲን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን፡ እቲ ሸቶ ናይ ባይደን ስዕረት ምክልኻል እምበር ምርግጋጽ ዓወት ስለዘይኮነ እቲ ፕረዚደንት ተባዕን ወሳንን ክኸውን ከምዘለዎ ይጠልቡ። ካልኦት ከኣ ዓወት ስለዘይከኣል ተዅሲ ደው ንኽብልን ኣብ መንጎኦም ስምምዕ ንኽግበርን ጸቕጢ ክገብር ይምሕጸኑዎ።
ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ሩስያ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንኽትረክብ ዝከኣላን ዝግበኣን ጻዕሪ ከምዘይገበረት፡ ዩክረይን ድማ ንዝኾነ ከተቖጥዕን ከተቐይምን ከምዘይትኽእል ይማጎቱ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትራስን ናይ ጀርመን ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝን ዝርከብዎም ሓያሎ መሻርኽቲ ንዩክረይን ዘለዎም ሓባራዊ ደገፍ ከሐይሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ትማሊ ረቡዕ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ንዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ዩክረይን ኣብ ዝቈጻጸሩ ዘለው ሓይልታት ሩስያ ዕዉት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ፡ ኣብ ጥቓ ሰሜናዊ ምብራቓዊ ከተማ ካርኪቭ ዝነበረ ሰፈራታት ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ።
ሚስተር ብሊንከን ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ፡ ሰበ ስልጣን ዩክረይን ብዛዕባ እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕትን ገስጋሱን ሓጺር ሓበሬታ ሂቦሞ።
ዘለነስኪ፡ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይሃበ፡ ሰብ መዚ ዩክረይንን ሩስያን ካብ ካርኪቭ ብሸነኽ ደቡብ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ባላክለይያ ይዋግኡ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።
ጸሓፊ ምክልኻል እንግሊዝ በን ዋለስ፡ ዩክረይን ዕውት ወተሃደራዊ ገስጋስ ትገብር ከምዘላ ዘርኢ ምልክታት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተዋህበ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መዳፍዕን ሮኬታትን፡ ንወተሃደራዊ ቀረባት ሩስያን ማእከላት መአዘዝን ንምጥቃዕ ይሕግኦም ከምዘሎ ሓቢሩ።
ትማሊ ረቡዕ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ "ዋላ ሓንቲ መሬት ኣይለቐቕናን ኣይክንለቅቕን ከአ ኢና" ክብል ምላሽ ሂቡ።
ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንናዝያውያን ትዋጋኦም ከምዘላ እያ ትገልጽ። እዚ ከኣ ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት ኣይቅበኦን እየን። ስለዝኾነ ከኣ እየን ንውሕስነተን ክብላ ምስ ኔቶ ዘለወን ርክብ ከዕብየኦ ዝደልያ።
ዝሓለፈ 24 ለካቲት ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ካብ ዝጅምር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብውሕዱ 5,718 ሲቪል ሰባት ከም ዝሞቱ ፡ 8,199 ከም ዝቘሰሉ ፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዩክሬናውያን ድማ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ከምእተሰዱ መዝጊቡ ኣሎ። ብዝሖም ዘይተፈልጡ ተዋጋእቲ ከኣ ተቐቲሎምን ቈሲሎምን ኣለው።
እታ ብሃገራት ኤውሮጳን ምዕራብን እገዳ ዝተነብረላ ንዩክረይን ዝወረረት ዓለማዊት ኣቕራቢት ጸዓት ሩስያ፡ ኣብ ቁጠባዊ ማሕንቖ ትርከብ።