እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ሕጂ ኸ ናበይ፣ ቀጻሊ ውጥን ፑቲን እንታይ እዩ?
ሩስያ ሰጕማ'ላ፤ ዩክረይን ከኣ ኣንሳሒባ'ላ።
እቲ ኣብ ሊሲቻንስክ ተገሚቱ ዝነበረ ሓያልን ነዊሕን ውግእ፡ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ብምግባር ከወግድዎ ከምዝኸኣሉ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ሰርሂይ ሃይዳይ ይገልጽ።
"ሩስያ ኣብዚ እዋን'ዚ ጸብለልታ ከበድቲ ኣጽዋርን ተተኰስትን ኣለዋ። ካብ ርሑቕ ክድምስስዋ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ኣብኡ ምጽናሕና ትርጕም ኣይነበሮን፡" ይብል እቲ ኣመሓዳሪ።
እዚ፡ ምስቲ ሩስያውያን ነታ ከተማ ከም ዝሓዝዋ ዝገልጽ ጸብጻባት ዝሳነ ይመስል።
ሰንበት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ተዋጋእቲ ቸቺንያ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት'ቲ ዞባታት ክስዕስዑ የርኢ።
ሩስያ፡ ንሊሲቻንስክ ምቍጽጻራ ንብምሉኡ ዞባ ሉሃንስክ ከምዝተቘጻጸረት ዝመልክት እዩ፤ እዚ ኸኣ ንዩክረይን ኣብ ምውራር ካብ ዝነበረ ቀንዲ ስትራተጂያዊ ዕላማ ፕረዚደንት ፑቲን እዩ።
እሞ እዚ ንኲናት ዶንባስ ይዅን ነቲ ሓፈሻዊ ኲናት ከመይ ይጸልዎ?
ካብ ዩክረይን ንጀምር። ከምቲ ኣብ ማሪዩፖል ዝተራእየ፡ ካብ ከበባ ምርሓቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ነታ ደቡባዊት ወደባዊት ከተማ ዝከላኸሉ ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ንወራር ሩስያ ንሰሙናት እንተደንጐይዎ እውን፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ክኢላታት ወተሃደራት ሰራዊት ዩክረይን ተቐቲሎም ወይ ተማሪኾም እዮም።
ዩክረይን ብዝተኻእለ መጠን ነዚ ክተወግድ ነይርዋ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ትማሊ ምሸት ዘቕረቦ መደረ ነዚ ብንጹር ዝገልጽ እዩ። "ነቲ መናድቕ ዳግም ክንሃንጾ፡ ነቲ መሬት'ውን ከነምልሶ ኢና፣ ልዕሊ ኵሉ ግን ሰባት ክድሕኑ ኣለዎም፡" ኢሉ።
ሰርሂይ ሃይዳይ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ገሊጹ። "ወተሃደራትና ናብ እተዓርደ ቦታ ከንሰሓቡ ነይርዎም።... ንሓሙሽተ ወርሒ ንሉሃንስክ ተኸላኺልና ኢና። እናተኸላኸልና፡ ኣብ ዞባ ዶነስክ ሓድሽ ዕርድታት ንሃንጽ ነይርና። ሕጂ እቶም ወተሃደራት ናብኡ ከይዶም ኣለዉ።"
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኦለክሲይ ኣረስቶቪች ከይተረፈ፡ ነዚ "ዕውት ወተሃደራዊ ስርሒት" ክብል እዩ ገሊጽዎ።
እቲ ክገልጾ ዝደለዮ ነገር፡ ዩክረይን ግዜ ንምግዛእ ዝገበረቶ ከምዝኾነ እዩ። እዚ ንምርዳእ ኣጽዋር ምዕራባውያን ኣብ ምክልኻል ዩክረይን ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ። ብሓጺሩ ብዘይ ቀረብ ኔቶ፡ ዩክረይን ናብ ዝኸፍአ ጸገም ምኣተወት ነይራ።
ንወራር ሩስያ ብዘደንጒ መጠን፡ ዝያዳ ምዕቡል ዝዀነ ሮኬትን ተተኰስትን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ድሮ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ኣብ ተግባር ዝወዓለ 'ሂማርስ'፡ ንሚዛን እቲ ኲናት ኣጸቢቝ ከም ዝቐየሮ እዩ ዝዝረብ።
ዝያዳ ግዜ ምርካብ ክበሃል እንከሎ፡ ዝያዳ ቀረብ ኣጽዋር ምርካብ ማለት እዩ። እዚ'ውን ብግደኡ ኣብ ምቕያር ሚዛን ወሳኒ እዩ።
ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊኣ ብዝተገብረ ማዕቀብ፡ ነቲ ዘጥፍኣቶ ኣጽዋርን ተተኰስትን ንምትካእ ክትቃለስ ዘገድድ እዩ።
እዚ ብመንጽር ሩስያ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ኸኣ ንርአ።
እቲ ቀንዲ ዕላማ ሩስያ ንዶንባስ “ናጻ ምውጸእ” እዩ። ንሉሃንስክ ምቁጽጻር ከኣ ነዚ ዕላማ'ዚ ንምፍጻም ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ከም ምስጓም እዩ።
ፕረዚደንት ፑቲን ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ኣዘዝቲ ሰራዊቱ፡ “ጀጋኑ ሩስያ” ኢሉ እቲ ዝዓበየ ሽልማት ምሃቡ ኸኣ ኣገዳስነት ናይዚ ዘጕልሕ እዩ።
ዝቕጽል ከ እንታይ'ዩ ክኸውን?
ነቲ ዝተረፈ ክፋል ዶንባስ ብፍላይ ስሎቭያንስክን ክራማቶርስክን ንምቍጽጻር ንቕድሚት ከም ዝቕጽሉ ፍሉጥ እዩ።
ስሎቭያንስክ እቲ ኣብ ብ2014 ዝተላዕለ ምንቅስቓስ ተገንጸልቲ ዝተጀመረላ ቦታ ከም ምዃና መጠን፡ ኣገዳስነታ ልዑል እዩ።
ካብዚ ብዝተረፈ እቲ ሓፈሻዊ ዕላማ ሩስያ ንጹር ኣይኮነን። ዶንባስ እተተቘጻጺሮምዋ ብድሕረኡ ኣብ ዝህሉ ኵነታት ሰራዊት ዝምርኰስ እዩ ክኸውን።
ፕረዚደንት ሩስያ ሎም፡ እተን ኣብዚ ዓወት'ዚ ንጡፍ ተሳትፎ ዝጸንሐን ኣሃዱታት፡ ዕረፍቲ ከም ዘድልየንን፡ ናይ ምውጋእ ዓቕመን ከጐልብታ ከም ዝግባእን ብምግላጽ፡ ነዚ ኵነታት ብሜላ ዝገለጾ ይመስል።
ቅልጡፍ ገስጋስ ክገብሩ እንተኽኢሎም ግን፡ ንመላእ ደቡብ ዩክረይን፡ ንከተማ ደኒፕሮን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ንምቍጽጻር ክደፍኡ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
እቲ ሰራዊት እንተ ተዳኺሙ ግን፡ እቲ ሩስያ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ወፍሪ" ኢላ ትጽውዖ ኲናት ከምዝተዛዘመ ክትገልጽ ከም እትኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።
ፈረንሳይን ጀርመንን ንሰላም ዝገብራኦ ዘለዋ ጻዕሪ በይናዊ ተዅሲ ደው ምባልን ሰላምን'ውን፡ ንዩክረይን ዝግበር ኣህጉራዊ ደገፍ ክንክዮ ተስፋ ከተሐድር ከም ዝገበራ ይግለጽ።
ዩክረይን ነቲ ቓልሲ ከም እትቕጽሎ ኣየጠራጥርን። እንተዀነ፡ ዘየቋርጽ ሓገዝ ኣጽዋር እንተዘይረኺባ ግን፡ እቲ ኵነታት ልክዕ ከምቲ ካብ 2014 ክሳብ 2022 ዝነበረ ዝሑል ኲናት እዩ ክፍጠር። እዚ ኸኣ ንዩክረይን ኣብ ዘይምርግጋእን ቅልውላውን ስለዝሸምም ንሩስያ ዘርብሕ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ክልቲኦም ወገናት ከም እተዓወቱ ኣብ ዝዛረቡሉ ዘለው እዋን፡ ዝተፈልጠ ርጕጽ ዝዀነ ነገር የለን። ዩክረይን ኣብ ዶንባስ እንተ ተሳዕረት እውን፡ ከምቲ ኣብ ስኔክ ኣይላንድ ዝገበርዎ ተመሊስካ ናይ ምቍጽጻር ታሪኽ ኣለዎም።
እዚ ኲናት እዚ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከም ዘይዛዘምን ህዝቢ ዞባ ዶነስክ ድማ፡ ሳዕቤን እቲ ኲናት ክስከም ተራኡ ዝበጽሐ ምዃኑን ጥራይ'ዩ ርግጸኛ ክኽወን ዝከኣል።