እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያን ዩክረይንን፡ ክልቲአን ንከተማ ሊሲቻንስክ 'ተቘጻጺርናያ' ይብላ
ሓይልታት ሩስያን ዩክረይንን፡ ንምብራቓዊት ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ሊሲቻንስክ ከም ዝተቘጻጸርዋ በብወገኖም ይገልጹ ኣለው።
ዩክረይን፡ ሰራዊታ ነቲ ካብ ሩስያ ዝወርድ ዘሎ ጽዑቕ ደብዳብ ክምክት እንከሎ፡ እታ ከተማ ግን ኣብ ኢድ ሩስያ ኣይኣተወትን ትብል።
እንተዀነ፡ ብሩስያ ዝድገፉ ተገንጸልቲ ሓይልታት ናብታ ከተማ ብምታው ኣብ ማእከል በጺሖም እዮም።
ማዕከን ዜና ሩስያ፡ እቶም ተገንጸልቲ ሓይልታትን ሰራዊት ሩስያን ብጐደናታት እታ ከተማ እናሓለፉ ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ዘርጊሓ።
ምንጪታት ሩስያ’ውን፡ ኣብ ማእከል ዝዓነወ ምምሕዳር እታ ከተማ ባንዴራ ሶቭየት ተሰቒሉ ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ኣብ ትዊተር ለጢፎም፤ እንተዀነ እዚ ኣይተረጋገጸን።
ሊሲቻንስክ፡ ኣብ ዞባ ሉሃንስክ ኣብ ኢድ ዩክረይን ዝተረፈት እንኮ ከተማ ኰይና፡ ኣካል ኢንዳስትሪያላዊ ዞባ ዶንባስ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሩስያ ኣብ ጥቓ እዛ ከተማ ንእትርከብ ሲቨርዶነትስክ ተቘጻጺራ እያ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃንስክ ሰርሂ ሃይዳይ፡ ኣብ ልዕሊ ሊሲቻንስክ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕረፍቲ ከምዘይነበሮ ብምግላጽ ሰራዊት ሩስያ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ናብታ ዝተኸበበት ከተማ ይጽጋዕ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።
ኣምባሳደር ሪፐብሊክ ህዝቢ ሉሃንስክ ኣብ ሩስያ ሮዲን ሚሮሺንክ ንማዕከን ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሊሲቻንስክ “ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትያ’ያ” ግን ድማ “መሊኣ ናጻ ኣይወጽአትን” ኢሉ።
ዓምደኛ ጉዳያት ምክልኻል ሮብ ሊ፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ምእታዎም ዘርእዩ ምስልታት ዘርጊሑ እዩ።
ዩክረይን፡ ናብ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] እናተጸግዐት ድሕሪ ምምጽኣ፡ ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ንዩክረይን ካብ እትወራ ጀሚሩ፡ ንዩክረይን “ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ” ክትገብራን “ናዚ ከተጥፍእን” ከም እትደሊ ትገልጽ።
በዚ ምኽንያት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራትን ሕሙማትን ቁሱላትን ክዀኑ እንከለው፡ ኣስታት 12 ሚሊዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም።
ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብታ ልዕለ-ሓያል ኒዩክሌርን ኣቕራቢት ዓለምለኻዊ ጸዓትን ዝዀነት ሩስያ ኵለ መዳያዊ እገዳታታት ብምንባር ንዩክረይን ዘለወን ደገፍ ኣርእየን።
ብኻልእ ዜና፡ ኣብ ከተማ ሃርኪቭ ብዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕታት፡ መገዲ ባቡርን መሰመራት ኤሌክትሪክን ከም ዝዓነው ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት ዝምልከት ግን ዝወጽአ ሓበሬታ የለን።
ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ ኣብ እትርከብ ደቡባዊት ከተማ ሚኮሊቭ [ናብ ወደብ ኦዴሳ ቀንዲ መተሓላለፊት ዝዀነት] ብኸበድቲ ነትጒታት ተናዊጻ።
እዚ ነትጒ፡ ድሕሪ እቲ ሩስያ ኣብ ጥቓ ወደብ ኦዴሳ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ልዕሊ 20 ሰባት ቀቲላ ዝብል ክሲ ምምጽኡ’ዩ ኣጋጢሙ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ሓሙሽተ ኮማንድ ፖስትታትን ብርክት ዝበሉ መኽዝናት ኣጽዋርን ከም ዘዕነው ገሊጹ፤ እንተዀነ እዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ትማሊ ቐዳም፡ ፕረዚደንት ቤላሩስ፡ ምክልኻል ኣየር ሃገሩ ሚሳይላት ዩክረይን ሃሪሞም ከም ዘውደቑ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣበይ ዝብል ግን ኣይገለጸን።
ንሱ፡ መላፍንቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኰይኑ፡ ወተሃደራት ሩስያ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ንዩክረይን ንኽወሩ ኣፍቂዱሎም እዩ።
“ይተዃቱኹና ኣለው . . .፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፡ ቅድም ኢሉ’ውን ክኸውን ይኽእል - ካብ ግዝኣት ዩክረይንነ ኣብ ግዝኣት ቤላሩስ ንዘለው ወተሃደራዊ ናውቲ ንምጥቃዕ ፈተነ ተገይሩ። ኣምላኽ ይመስገን ግን እቲ ጸረ-ኣየር ስርዓታትና ንዅለን ሚሳይላት ከፍሽለን ክኢሉ” ክብል ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ተዛሪቡ።
ወሲኹ፡ “ኣብ ዩክረይን ክንዋጋእ ኣይንደልን” ኢሉ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን ብወገኑ፡ ሩስያ ኣብ ግዜ ሶቭየት ዝነበሩ ጸረ-መርከብ ሚሳይላት ተጠቒማ ክብል ከሲሱ። እዞም ኬይኤች-22ን ኬይኤች-32ን ዝበሃሉ ሚሳይላት፡ ኣብ ክሪመንቹክን ኦዴሳን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ዝቐተሉ “ክዀኑ ይኽእሉ” እዮም ክብል ገሊጹ።