ፊንላንድን ስዊድንን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝገበራኦ ጕዕዞ

ፊንላንድን ስዊድንን ናብ ኔቶ ይጽንበራ ኣለዋ። እዚ ነተን ዘይሻራውያንን ኣብ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ዘይገጥማን ሃገራት ዓቢይ መቐይሮ እዩ። ናብ ኔቶ ንኽጽንበራ ናይ መወዳእታ ዕንቅፋት ዝነበረት ቱርኪ እያ ነይራ። ነዚ ዕንቅፋት ከኣ ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ሰጊረናኦ ኣለዋ።

ሩስያ፡ ምጽንባር እዘን ሃገራት ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ። ኣብቲ ዞባ ዝርአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ሰራዊት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ንምውላዕ ተጠቒማትሉ እያ።

ፊንላንድን ስዊድንን ንዓመታት ሻራ ከይሓዛ እንተጸንሓ እውን ሩስያ ንዩክረይን ምውራራ ስዒቡ ኣባል ኔቶ ንክኾና ዝወሃብ ድጋፍ ወሲኹ እዩ።

ስለምንታይ ኣብዚ እዋን ይጽንበራ?

ቭላድሚር ፑቲን ንዩክረይን ምውራሩ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ዝነበረ ርግኣት ስለ ዘዳኸሞ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ስግኣት ከም ዝስምዐን ገይሩ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ዝነበረ ኣሌክሳንደር ስታብ፡ ሰራዊት ሩስያ ብ24 ለካቲት ንዩክረይን ምስ ወረረ ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ምዃና "እተፈጸመ ውዕል" ከምዝኾነ ገሊፁ እዩ።

ብዙሓት ፊንላዳውያን ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ፍጻመታት ቅድሚ ሕጂ'ውን ከም ዘጋጠመ ኣጸቢቘም ይፈልጥዎ እዮም። ኣብ መወዳእታ 1939 ሶቭየት ንፊንላንድ ክትወራ እንከላ፡ ሰራዊት ፊንላንድ ብቍጽሪ እንተ ተዓብለሉ እውን ብርቱዕ ምክልኻል ገይሮም እዮም።

ሽዑ ፊንላንድ እንተዘይተተሓዘት'ውን 10 ሚእታዊ መሬታ ስኢና እያ።

ስለዝኾነ፡ ኣብ ዩክረይን ዘጋጥም ዘሎ ኲናት እቲ ታሪኽ ዳርጋ ዝድገም ዘሎ ከምዝኾነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሄልሲንኪ ምሁር ስነፍልጠት ፖለቲካ ዝኾነት ኢሮ ሳርካ ትገልፅ። ምስ ሩስያ ዘዳውብ 1,340 ኪሎሜተር እንክርአ፡ "ኣባና’ውን ክፍጸም’ዶ ይኸውን?" ኢላ ትሓስብ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እውን ነፈርቲ ኲናት ሩስያ ክሊ ኣየራ ከም ዝጠሓሳ ዝገልጹ ጸብጻባት ስዒቡ፡ ስዊድን ኣብ ሓደጋ ከም ዘላ ኰይኑ ተሰሚዕዋ ኣሎ።

ብ2014 ሓንቲ ሩስያዊት ሳብሜሪን ዕምቈት ኣብ ዘይብሉ ማያት እኩባት ደሴታት ስቶክሆልም ትዘውር ከም ዘላ ዝገልጹ ጸብጻባት፡ ኣብ ልዕሊ ስዊድናውያን ፍርሒ ፈጢሩ ነይሩ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ሰራዊት ስዊድን ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ናብ ትርከብን ንኽልተ ዓመት ሓዲጐምዋ ናብ ዝነበሩን ደሴት ጎትላንድ ተመሊሶም ምስፋሮም ይዝከር።

እንታይ ለውጢ የምጽእ?

ኣብ ገለ መዳያት ብዙሕ ለውጢ ኣይክህሉን እዩ። ስዊድንን ፊንላንድን ብ1994 (ኣ.ኣ.) ወግዓዊ መሻርኽቲ ኔቶ ኰይነን ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘን ከኣ ቀንዲ ኣበርክቶ ክህባ ጸኒሐን እየን። ዝሑል ኲናት ካብ ዝዛዘም ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ወፍሪታት ኔቶ ተኻፊለን እየን።

እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 5 ኔቶ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ድሕነት ውሕስነት ክረኽባ እየን። እዚ ዓንቀጽ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዅለን ከም ዝተፈፀመ ከም ዝውሰድ ይገልጽ።

ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ናጻ ዝኾና ሃገራት፡ ኣባልመት ኔቶ ክረኽባ ምስ ጀመራ፡ ፊንላንዳውያን እውን ኣባል ንምዃን ኣእምሮኣዊ ድልውነት ከም ዝነበሮም ተመራማሪ ታሪኽ ሄንሪክ ሜይናንደር ይገልጽ።

ኣብ 1992 ሄልስንኪ 64 ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ገዚኣ። ድሕሪ 3 ዓመት ምስ ስዊድን ብሓባር ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ኰይነን። ካብኡ ኣትሒዙ ኵሎም መንግስቲታት ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ከም መማረጺ ይርእይዎ ነይሮም። እዛ 5.5 በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር 280,000 ወተሃደራትን 900,000 መሓለውታን ኣለዋ።

ስዊድን ግን ካብ 1990ታት ጀሚራ ዝተፈለየ ኣቀራርባ ሒዛ እያ ጸኒሓ። ወተሃደራታ ቀኒሳ ካብ ምክልኻል ዶብ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዓለም ኣቓልቦ ክትህብ ጀሚራ። እዚ ዅሉ ግን ኣብ 2014 ሩስያ ንክረምያ ክትወርር ከላ ተቐይሩ። ውትህድርና ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ፤ ባጀት ምክልኻል ወሲኹ።

ኣብ 2018፡ ኵሎም ስድራታት “ኣብ እዋን ኲናት ወይ ቅልውላው” ዝብል ፓምፍለት ተዓዲልዎም። እዚ ካብ 1991 ንደሓር ንመጀመርታ ግዜ እዩ።

ፊንላንድ ድሮ ኣብቲ ኔቶ ዝተሰማምዓሉ ናይ ምክልኻል ወጻኢ 2% ዓመታዊ ጃምላዊ ፍርያት በጺሓ እያ። ስዊድን ከኣ ነዚ ክትፍፅም መደብ ኣውጺኣ ኣላ።

እንታይ ስግኣታት ኣለዎ?

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስፍሕፋሕ ኔቶ ንድሕነት ሃገሩ ብቐጥታ ዘስግእ ከም ዝዀነ ይኣምን። ስዊድንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ እንተ ተጸምቢረን ንሩስያ ዘቘጥዕ ተገይሩ ክሕሰብ ይኽእል።

ክልቲአን ሃገራት ኣባል እንተኾይነን ዝህልዎ "ሳዕቤናት" ብዝምልከት መጠንቀቕታ ከምዝተወሃበን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ይገልጽ።

እቲ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ፑቲን ዝኾነ ፕረዚደንት ነበር ዲሚትሪ ሜድቬደቭ፡ ምስፍሕፋሕ ኔቶ መስኮ ኣብ መንጐ ፖላንድን ሊትወንያን ኣብ ትርከብ ካሊኒንግራድ መጥቃዕቲ ኑክልየር ክትፍጽም ከም ዘገድዳ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣሌክሳንደር ስታብ፡ ነዚ ምጕብዕባዕ እዚ ዕሽሽ'ኳ እንተዘይበሎ፡ እቲ ክውን ስግኣት ሩስያ መጥቃዕቲ ኢንተርነት፡ ዘመተ ግጉይ ሓበሬታ ከምኡ'ውን ሓሓሊፉ ጥሕሰት ኣየር ከይትፍፅም ከም ዝዀነ ይሕብር።

ኔቶ ድሕነት ስዊድንን ፊንላድን የረጋግጽ’ዶ ይኸውን?

እንተወሓደ ኣብ ስዊድን እዚ ከም ዘይከውን ዝኣምኑ ሒደት ሰባት ኣለዉ።

ምክልኻል ኑክልየር ኔቶ ምስ ሩስያ ዝግበር ውድድር ኣጽዋር፡ ውጥረትን ክውስኽ ከም ዝገበረ፡ ካብ ማሕበር ሰላምን ዳንነትን ስዊድን ዲቦራ ሰለሞን ትገልጽ።

ካልእ ስግኣት፡ ስዊድን ምስ ኔቶ ክትሓብር እንተ ዀይና ኣብ ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ምጥፋእ ኣጽዋር ኑክልየር ዘለዋ ቐንዲ ግደ ከይትስእን እዩ። ናብ ኔቶ ምጽንባር ነቲ ሕልሚ ከም ዘፍሽሎ ዲቦራ ትገልፅ።

ዘይሻራውነት ፊንላንድ ካብዚ ይፍለ። እዚ ድማ ሕብረት ሶቭየት ብ1948 ኣብ ዘውጽኣቶ "ውዕል ምሕዝነት" ዝተኣታተወ ኵነታት ሰላም ኰይኑ እዩ ተፈጺሙ። ንናጽነት እታ ሃገር ንምዕቃብ ዝሕግዝ ግብራዊ መገዲ ተገይሩ እዩ ተሓሲቡ።

ዘይሻራውነት ንስዊድን መንነትን ስነ-ሓሳብን ንፊንላንድ ግን ሕቶ ህላወ ከም ዝነበረ ሄንሪክ ሜይናንደር ይገልፅ። ሓደ ካብቲ ስዊድን ኣባል ኔቶ ንምዃን ክትዕ ትገበረሉ ምኽንያት፡ ፊንላንድን ሃገራት ባልቲክን ከም "ዞባ መፈተሺ ነቝጣ" ገይራ ስለ ዝተጠቕመትለን ምዃኑ ይሕብር።

ሕብረት ሶቭየት ምስ ፈረሰት ፊንላንድ ዘይሻራውነታ ሓዲጋ እያ። ካብ ጽልዋ ሕብረት ሶቭየት ንምውጻእ ገጻ ናብ ምዕራብ ገይራ።

ገና ካብ ዘይሻራውነት ንዝወፀት ፊንላንድ፡ ኣብ 1990ታት ምስ ኔቶ ምጽንባር ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከም ዝነበረ ኢሮ ሳርካ ይዛረብ።

ግዜን ኣብ ስግኣት ዝነበረ ኣረኣእያን ግን ኣብዚ እዋን ተቐይሩ እዩ። ሕጂ መብዛሕትኦም ፊንላንዳውያን ድሉዋት ምዃኖም ይገልፁ።

ናብ ኔቶ ንኽጽንበራ ዘጋጠመን ብድሆታት

ስዊድንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንኽጽንበራ ዘቕረባኦ ሕቶ ብሰንኪ ቱርኪ ደው ኢሉ ነይሩ እዩ። ሓንቲ ሃገር ናብ ኔቶ ንምጽንባር ተቕርቦ ጠለብ ብዅለን ኣባላት እቲ ልፍንቲ ክጸድቕ ኣለዎ።

መንግስቲ ቱርኪ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ኣብ 2016 ፈተነ ዕልዋ ኣካይዶም ትብሎም ምንቅስቓስ ጉለንን ሚሊሻታት ኩርድን ይሕግዛ እየን ይብል።

ቱርኪ ኣምሳያ ደገፍ ንስዊድንን ፊንላንድን ነቶም ጕጅለታት ፖለቲካዊ፡ ቑጠባውን ወታሃደራውን ሓገዝ ካብ ምግባር ክዕቀባ ከምትደሊ ትገልፅ።

ኣብ ቱርኪ ዘንበራኦ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር’ውን ከልዕላን ምስ ግብረ-ሽበራ ምትእስሳር ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ኣሕሊፈን ክህባኣን እውን ድልየት ኣለዋ።

ሰዓታት ኣብ ዝወሰደ ዋዕላ ማድሪድ ሚኒስተራት ወፋኢ ጉዳያት ሰለስቲአን ሃገራት ስሉሳዊ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለዉ።

ኣዛዚ ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ ስዊድን እቶም ቱርኪ እትጥርጥሮም ሚሊሻታት ካብ ሃገራ ንምስጓግ ከም ዝተሰማምዐት ገሊጹ። ስዊድንን ፊንላንድን ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ኣንቢረናኦ ዝነበራ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር ከልዕላ ከምዝተሰማምዓ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣባል ሰራዊት ቃልኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ዝዀነት ቱርኪ ብወገና፡ ስዊድንን ፊንላንድን ኣባላት እቲ ልፍንቲ ክዀና ንዘቕረባኦ ጠለብ ደጊፋ።