እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ሩስያ፡ ንኣፍሪቃ ጅሆ ኵናት ዩክረይን ገይራታ”- ዘለንስኪ
ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ትማሊ ብማንዛ ምስ መራሕትን ወከልትን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ሩስያ ንኣፍሪቃ ጅሆ ሒዛታ ኣላ ኢሉ።
ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ዕግታ ሰደድ እኽልን፡ ኣብ መላእ ዓለም ሕጽረት ቀረብ እኽልን ዱዂዕን ብምስዓብ ንሚልዮናት ናብ ሓደጋ ጥምየት ኣቃሊዕዎም ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ብወገኑ፡ መርገጺ እቲ ኮሚሽን፡ እቲ ዘሎ ጸገማት “ብቅልጡፍ ብዘተ ክፍታሕ” ዝብል ምዃኑ ገሊጹ።
ሃገራት ምዕራብ፡ ሩስያ ነቲ ጎቢጣቶ ዘላ መኻዚናቶታት እክሊ ዩክረይን ንሰደድ ነጻ ክትገብሮ ብተደጋጋሚ ክጽውዓ ጸኒሐን’የን።
ዕጽዋ ሰድድ እኽሊ ዩክረይን ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ እኽልን መግብን ብናህሪ ክውስኽ ከም ዝቀሰበ ይግለጽ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ መደርኡ “ኣፍሪቃ ናይቶም ኣብ ልዕሌና ኵናት ዝኣወጁ ጅሆ እያ” ኢሉ።
እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ነቲ ኣብ ዩክረይን ወደባት ጸሊም ባሕሪ ዝርከብ፡ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ኣእካል ክስደድ “ዝተሓላለኸ ዘተታት” ይገበር ምህላዉ’ውን ሓቢሩ።
“እቲ ኵናት ካባኹምን ካብ ሃገራትኩምን ኣዝዩ ርሑቕ ዘሎ ኰይኑ ክስምዓኩም ይኽእል እዩ” ድሕሪ ምባል “እንተኾነ፡ እቲ ኵናት በቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ኣቢሉ፡ ናብ ሚልዮናት ስድራቤታት ኣፍሪቃ ኣትዩ’ዩ” ኢሉ።
ዘለንስኪ፡ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መደረ ከስምዕ ቅድሚ 10 ሳምንታት’ዩ ሕቶ ኣቅሪቡ ነይሩ።
ኣብቲ ኣኼባ 55 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ኳ ተዓዲሞም እንተነበሩ ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ጥራይ ከም ዝተሳተፉን እተን ዝተረፋ ሃገራት ወኪላተን ጥራይ ከም ዘሳተፋን ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተፈላለየ መርገጺ ክሕዛ’የ ዝርኣያ ዘለዋ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ንምኹናን ኣብ ዝገበሮ መጋባእያ 17 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ድምጺ ተዓቕቦ ከም ዘስመዓ ይዝከር።
እንተኾነ ትማሊ ኣፈ ጉባኤ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማኪ ሳል ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንዝሃቦ መብርሂ ብሽም እቲ ሕብረት ኣመስጊንዎ።
ማኪ ሳል፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሰነ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቱን ብምርኻብ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ግዳያት ኵናት ዩክረይንን ሩስያን ይዀና ምህላወን ብምግላጽ፡ ጸገማት ኣፍሪቃ ኣብ ግምት ኣትዩ እቲ ጸገም ክፍታሕ ተማሕጺንዎ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ሩስያ ንሰደድ ኣእኻል ዩክረይን ምኽልካላ “እዚ ብርግጽ ገበን ኵናት እዩ፡ ስለዚ ከምዚ ኢሉ ንነዊሕ ዝቅጽል ኣይመስለንን” ኢሉ።
ጆሴፍ ቦረል፡ ተግባር ሩስያ “ደይ መደይ ኢልካ ኣብ ዓለም ጥምየት ንክኽሰት” ዝገብር ዘሎ ምዃኑ’ውን ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ካትሪን ኮሎና ብወገና “ሩስያ ብናይ ዓለም ጥምየት ምጽዋት ክትገድፎ ኣለዋ” ኢላ።
ሩስያ ብወገና፡ ኣብ ዓለም ብሰንኪ እቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳ ጥምየት ይኽሰት ከም ዘሎ’ያ ትገልጽ።