እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 200 ሽሕ ህፃናት ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ኣጋጢምዎም-ትካላት ረዲኤት
ትካል ገባሪ ሰናይ 'ሴቭ ዘ ችልድረን' ኣብ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ህፃናት ሕሱም ሕፅረት ምግቢ ከምዘጋጠሞም ኣፍሊጡ።
ዓለማዊ ትካል ህፃናት ኣድሕን (ሴቭ ዘ ችልድረን) ከምዝገለፆ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 185 ሽሕ ህፃናት ብሕሱም ሕፅረት ምግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ።
መብዛሕትኦም ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ 40 ዓመት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ድርቂ ከምዝተጠቕዐ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ህፃናት ብፍላይ ድማ ሕንጦታት (ዕሸላት) ብጥሜት ይሳቐዩ ከምዘለዉ ተገሊፁ።
ወኪል ናይቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ዣቪየረ ጆበርት፡ ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ድርቂ ናይ ምፅዋር ዓቕሚ’ውን ብሰንኪ ጎንፅን ለበዳ ኮቪድ-19 ከምዝተዳኸመ ሓቢሩ።
ኣርባዕተ ወቕትታት ዝናብ ተጨናጊፎም’ዮም፡ እቲ ሓምሻይ እውን ብኸምዚ ክሓልፍ ይኽእል’ዩ ዝበለ እቲ ትካል፡ 30 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣገንዚቡ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፡ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ኣብ ደቡብ ብሄርብሄረሰባትን ህዝብታትን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ሶማሌ ከቢድ ድርቂ ከምዘጋጠመን ሚልየናት ንፀገም ከምዝተሳጥሑን ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ትካል፡ ብሰንኪ ኣብ ኣርባዕቲኦም ክልላት ዝተኸሰተ ኣብ ኣርብዓ ዓመታት ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ድርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልየን ሰባት ከቢድ ፀገም ብምንፅልላዉ፡ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝድልዮም ምፍላጡ ይዝከር።
ብሰንኪ'ቲ እናገደደ ዝኸደ ኩነታት፡ ብዙሓት እንስሳት ከምዝሞታን ዘራእቲ ከም ዝባደመን ይግለጽ። ብዘጋጠመ ሕፅረት ምግብን ማይን ብዙሓት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም።
ካልኦት ሃገራት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን’ውን ካብዚ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ተራእዩ ኣይፈልጥን ዝተብሃለ ድርቂ ክድሕና ኣይክኣላን።
ዝተወሰኑ ከባብታት ሃገራት ኬንያን ሶማልያን በዚ ድርቂ ተጠቒዖም ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ልዕሊ ዝኾነ ኣህጉር ብሕሱም ድርቂ ከምዝተጠቕዐት ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ትካል፡ ሎሚ ዓመት’ውን ዝናብ ብዘይምህላው፡ 20 ሚልየን ሰባት ኣብ ስግኣት ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ድርቂ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ሞንጎ ዝኣወጃ 23 ሃገራት እተን 14 ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።
ካብ 2000 ክሳብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ 134 ድርቃታት ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘጋጠሙ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
እቲ ትካል፡ ኣብ ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ድርቂ 20 ሚልየን ሰባት ንሕሱም ጥሜት ክቃልዑ ይኽእሉ’ዮም ክብል’ውን ስግኣቱ ገሊፁ ነይሩ።