ህንዲ፡ሓንቲ ዶክተር ድሕሪ ተዓሚጻ ምቕታላ ሰፊሕ ቍጥዐ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓንቲ ህንዳዊት ዶክተር፡ ኣብ ከተማ ኮልካታ ኣብቲ እትስልጠነሉ ዝነበረት ሆስፒታል፡ ተዓሚጻ ድሕሪ ምቕታላ፡ ሓካይም እታ ሃገር ሰፊሕ ሃገራዊ ኣድማ የካይዱ ኣለዉ።
ንሓካይም እታ ሃገር ዝጥርንፍ ማሕበር ሕክምና ህንዲ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኵሉ ኣገልግሎት ሕክምና - ብዘይካ ህጹጽ ረዲኤት - ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ደው ክብል ጸዊዑ።
እቲ ማሕበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ መሳርሕቶም ዝዀነት ዶክተር ዝተፈጸመ ምድፋርን ቅትለትን “ኣረሜናዊ ገበን” ብምባል፡ ንደቂ ኣንስትዮ ውሑስ ብዘይምዃኑ ቅሬታኡ ገሊጹ።
እቲ ማሕበር ወሲኹ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ተደጋጋሚ ጾታዊ በደላት ንምቅላስን ፍትሒ ንምርካብን ህዝባዊ ድጋፉ ሓቲቱ ኣሎ።
ኣንጻር ቅትለት እታ ዶክተርን ብሓፈሻ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸ ሓለዋ ክግበርን ዝጠልብን ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብሰፊሕ ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
ምስዚ ተቓውሞታት ተተሓሒዙ ሓደ ሆስፒታል ከም ዝዓነወ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ኣድማ ስራሕ ደው ምባል ን24 ሰዓታት ከምዝጸንሕ እቲ ማሕበር ሕክምና ገሊጹ፤ ኣገልግሎት ሓደጋን ህጹጽ ረድኤትን ግን ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ገለ መንግስታዊ ሆስፒታላት ዝሰርሑ ሓካይም ግን እቲ ኣድማ ንዘይተወሰነ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጦም።
ብተወሳኺ፡ እቲ ማሕበር ንሰብ ሞያ ሕክምና፡ ብፍላይ ኣብ ትካላት ጥዕና ካብ ከምዚ ዝመሰለ ሓደጋታት ውሕስነት ዝህብ ሓለዋን ምክልኻልን ክህሉ ጠሊቡ። እዚ ድማ ሕጊ ምትራር፣ ጸጥታ ሆስፒታላት ምሕያልን ውሑስ ቦታታት ምፍጣርን ዝኣመሰለ ሕቶታት እዩ ቀሪቡ ዘሎ።
እቲ ማሕበር፡ ብዛዕባ ቅትለት እታ ዶክተር "ዕሙቕ ዝበለን ሞያዊን መርመራ" ክካየድ፡ ከምኡ'ውን ንስድራቤት እታ ግዳይ ካሕሳ ክወሃቦም ሓቲቱ።
እታ ጓል 31 ዓመት ዶክተር ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ሆስፒታል ኣርጀይ ካር ሜዲካል ኮሌጅ ስልጠና ኣብ እትወስደሉ ዝነበረት እዋን እዚ ጨካን ተግባር ተፈጺሙን ብሰንኩ ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ቁጥዐ ኣስዒቡን ዘሎ።
እታ ሓኪም፡ ብዘይዕረፍቲ ን36 ሰዓታት ድሕሪ ዘካየደቶ ስራሕ፡ ንሰልጠንቲ ዝኸውን ዝተዳለወ መደቀሲ ስለዘይነበረ ኣብቲ መምሃሪ ክፍሊ ክትድቅስ ከምዝተገደደትን ንሓደጋ ከምዝተቓልዐትን ተፈሊጡ’ሎ።
ንጽባሒቱ ንግሆ መሳርሕታ፡ ብኸቢድ ዝተጐድአን፡ ፍርቂ ዕርቃን ዝወጸን ህይወት ዘይብሉ ሬሳኣ ረኺቦም።
ፖሊስ፡ ነቲ ነታ መንእሰይ ቀቲሉ ዝተባህለ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ወለንተኛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ’ኳ እንተእተዎ፡ ኣብ ኣተሓሕዛኡ ሸለልትነትን ብምርኣይ ይኽሰስ።
ብሰንኪ'ዚ ድማ እቲ ጉዳይ ብዕቱብ ንኽምርመር፡ ካብ ፖሊስ እቲ ከባቢ ናብ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበን ፈደራል ተሰጋጊሩ ኣሎ።
ድሕሪ ቅትለት እታ ዶክተር፡ ኣብ ህንዲ ዝፍጸም ግፍዒታት - ምዕማጽን ምቕታል ደቂ ኣንስትዮ - ኣርእስታት ዜና ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኰይኑ’ሎ፤ በዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናሬንድራ ሞዲ፡ "እቶም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣረሜናዊ ተግባራት ዝፍጽሙ ብቕልጡፍን ብኸቢድን ክቕጽዑ ኣለዎም" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ምንጪ ስእሊ, EPA




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







