እስራኤል 100 መወንጨፊ ሮኬት ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ ከምዘዕነወት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል፡ ነፈርታ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ መኽዘን ኣጽዋር ዝርከቦ ልዕሊ 100 መወንጨፊ ሮኬታትን ካልኦት "ሽበራዊ ቦታታትን" ሕዝቦላህ ከምዘጥቅዓ ገሊጻ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ሮኬታት ኣንጻር እስራኤል ክትኰስ ዝተዳለወ ምንባሩ ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ዛጊት ኣይተነጸረን።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሊባኖስ፡ እስራኤል ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብውሕዱ 52 መጥቃዕትታት ከምዝፈነወት ብምሕባር ሊባኖስ’ውን ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ቦታታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ጸብጺባ።
ኣቐዲሙ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዘጋጠመ ቀታሊ ፍንጀራታት "ንዅሉ ቀይሕ መስመራት ሰጊሩ’ሎ" ኢሉ ነይሩ።
እቲ ተግባር ንኣዋጅ ኲናት ከምዝውክል ብምሕባር ድማ ንእስራኤል ከሲሱ።
እስራኤል ብድሕሪ እቶም መጥቃዕቲ ፍንጀራታት ከምዘላ ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ኣይወሰደትን። ኣብ መላእ ሊባኖስ ብሰሉስን ረቡዕን ፔጀርን ዎኪ ቶኪን (ራድዮ ርክባት) ክፍንጀሩ ተራእዮም። በቶም ፍንጀራታት ድማ 37 ሰባት ከምዝቐተሉን 3000 ከምዝቘሰሉን ሰበስልጣን ሊባኖስ ኣፍሊጦም።
ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት ግን እስራኤል፡ "ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ኲናት" ትጅምር ከምዘላ ብምግላጽ፡ ዝያዳ ጻዕርታታ ኣብ ሰሜን ከምዘተኩረ ገሊጹ ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ ስፍሕ ዝበለ ስግረ-ዶባዊ ውግእ ዝተኻየደ ኣብ 8 ጥቅምቲ 2023 ኰይኑ፡ እዚ ድማ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቱን ሕዝቦላህ ምስ ፍልስጤማውያን ብምውጋን ናብ መደበራት እስራኤል ተዅሲ ምስ ተኰሰን ዝተጓሃሃረ እዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ መብዛሕትኦም ዕጡቓት ሕዝቦላህ ዝዀኑ ኣማኢት ሰባት ኣብቲ ስግረ-ዶባዊ ውግእ ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ’ውን ካብ ክልቲኡ ወገን ተመዛቢሎም።
ሕዝቦላህ ንፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ንምድጋፍ ይሳተፍ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ። ክልቲኦም (ሕዝቦላህን ሓማስን) ብኢራን ዝድገፉ ኰይኖም ብእስራኤል፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ትካላት ዝተሰየሙ እዮም።
መጥቃዕቲ እስራኤል መልሲ ሕዝቦላህን
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ትማሊ ሓሙስ ኣጋምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነፈርቱ "ኣስታት 100 ተወንጨፍትን ካልኦት ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያንን ከምዘዕነዋ፤ እዚ ድማ ኣስታት 1000 በርሚል ዝርከቦ ኣብ ቀረባ ናብ መሬት እስራኤል ገጹ ክትኰስ ዝተዳለወ እዩ" ኢሉ።
"ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንእስራኤል ንምክልኻልን ትሕተ ቅርጽን ዓቕምን ግብረሽበራዊ ጕጅለ ሕዝቦላህ ንምድቃቕን ስርሑ ክቕጽል’ዩ" ክብል ወሲኹ ኣፍሊጡ።
እቲ እስራኤል ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ድማ ኲናት ቓዛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር ሓደ ካብቶም ዝሓየሉ መጥቃዕትታት ምዃኑ ማዕከናት ዜና ሮይተርስን ኒውዮርክ ታይምስን ዝጠቐስዎም ምንጭታት ጸጥታ ሊባኖስ ሓቢሮም።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሊባኖስ ዝርከቡ ነበርቲ ካብ ምትእኽኻባት ክቝጠቡ፣ ከባቢኦም ክሕልዉን ካብ ቦምባታት ንነብሶም ከድሕኑ ናብ ዝኽእሉሎም ቦታታት ኣዕቊቦም ክጸንሑን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ሓሙስ ንግሆ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከቡ ተዋጋእቲ ሕዝቦላህ ክልተ ጸረ ታንክ ሚሳይላት ስግር ዶብ ብምትኳስ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ’ውን ኣስዒቦም።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ክልተ ወተሃደራቱ ክሞቱ እንከለዉ ሳልሳይ ድማ ብኸቢድ ከምዝቘሰለ ኣፍሊጡ።
ሓሰን ነስረላህ ብሓሙስ ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ ብዛዕባ እቲ ብሰሉስን ረቡዕን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ “ጸላኢ ንዅሉ መምርሒታት፣ ሕጊታትን ቀይሕ መስመራትን ሰጊሩ’ሎ። ብሞራል፡ ብሰብኣውነት፡ ብሕጊ ፈጺሙ ዝግደስ ኣይነበረን" ኢሉ።
“እዚ ህልቂት እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ፡ ህዝባ፡ መቃቕራታ፡ ልኡላውነታ፡ ድሕነታ ዝፍጸም ዓቢ ወራር እዩ። ገበናት ኲናት ወይ ኣዋጅ ኲናት ክበሃል ይከኣል። ጸላኢ ድልየቱ እዚ እዩ ነይሩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ነስራላህ ኣብ ዝዛረበሉ እዋን ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ልዕሊ በይሩት ከቢድ ድምጺ ይፈጥራ ነይረን። ነቲ ድሮ ዝረዓደ ህዝቢ ከኣ ፍርሒ ወሲኸናሉ። ካልኦት ነፈርቲ ድማ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዒላማታት ወቒዐን።
መራሒ ሕዝቦላህ እዚ ንጕጅለኡ ዓቢን ተራእዩ ዘይፈልጥን ውቅዒት ምዃኑ እኳ እንተኣመነ፡ ናይ እዝን ርክባትን ዓቕሙ ግን ከምዘይተበላሸወ ኣፍሊጡ’ሎ።
ነስራላህ ተሪር መቕጻዕቲ ከምዝስዕብ ብምሕባር እንተዀነ ሕጂ’ውን ሕዝቦላህ ምስ እስራኤል ዘለዎ ግጭት ክጋደድ ድልየት ከምዘይብሉ’ዩ ኣመልኪቱ።
እቲ ጕጅለ ዘካይዶ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ከኣ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ክሳብ ዘይበለ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓላፊ ስታፍ ሌተናል ጀነራል ሄርዚ ሃለቪ "ኣብ ቀረባ እዋን ንሰሜናዊ ሜዳ ዝምልከት ውጥናት ኣጽዲቑ ወዲኡ ኣሎ" ኢሉ።
ድሒሩ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት "ኣብቲ ሓድሽ ምዕራፍ ኲናት ርኡይ ዕድላት ክህሉ እዩ፤ ግን ከኣ ርኡይ ሓደጋታት'ውን ኣሎ" ክብል ኣፍሊጡ።
“ዕላማና ማሕበረሰባት ሰሜናዊ እስራኤል ናብ ገዛኦም ብውሑስ መንገዲ ክምለሱ ምግባር እዩ። ግዜ ብዝተናውሐ መጠን ግን ሕዝቦላህ ዝያዳ ዋጋ ክኸፍል እዩ” ክብል ወሲኹ።
እስራኤል ነዚ ዕላማ ብኸመይ ከተዕውቶ ከም ዝሓሰበት ንጹር ኣይኰነን። ግን ከኣ እቲ ንሰሜናዊ እዚ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝመርሕ ጀነራል፡ ኣብ ውሽጢ ደቡባዊ ሊባኖስ ሃገሩ እትቈጻጸሮ ውሑስ ከባቢ ንምፍጣር ከም ዝመርጽ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዝወጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዅሉ ወገን ምዝሕሓል ወጥሪ ክግበር ጸዊዑ’ሎ።
እቲ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ንምባል ዝተትሓዘ ዕላማ ከይዕወት ዝገብር፡ "ብዝዀነ ወገን ዝውሰድ ዘጋድድ ስጕምቲ ክንርኢ ኣይንደልን ኢና" ክብል ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኣውሮጳ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ዝርርብ ዝተሳተፈ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ላሚ ብወገኑ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







