ኣብ ሊባኖስ ብዘጋጠመ ካልኣይ ፍንጀራ 20 ሰባት ሞይቶም

ሊባኖስያውያን ተሰናቢዶም ይረኣዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሊባኖስ ኣብ ገመድ ኣልቦ መራኸቢ ራድዮታት ብዝተፈጥረ ካልኣይ ማዕበል ፍንጀራ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 450 ከምዝቖሰሉን ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ዎኪ-ቶኪ (መራኸቢ ራድዮ) ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ርእሰ ከተማ ቤሩት፡ ጎልጎል ቤካኣን ደቡባዊ ሊባኖስን ተፈንጂሩ።

ገለ ካብቲ ፍንጀራታት ኣብ እዋን ስርዓተ ቀብሪ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ዝሞቱ 12 ኣባላት ሕዝቦላህ ከምዝተፈጸመ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ’ሎ።

ሕዝቦላህ ነቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝፈጸመቶ ክኸስስ እንከሎ እታ ሃገር ግን ዛጊድ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት "ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ኲናት" ኣብ ዝገለጸሉ እዋንን ክፍለ ሰራዊት እስራኤል ናብ ሰሜን ዳግማይ ኣብ ዝተዋፈረሉን እዋን'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዛዕባ እቲ ብቕልጡፍ ዝሕምበብ ዘሎ ምዕባለታትን ከስዕብኦ ዝኽእል ሓደጋን ዘጠንቀቐ ኮይኑ ኩሎም ወገናት ልዑል ምትህድዳእ ክገብሩ ጸዊዑ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ቓዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበገሰ ስግረ ዶባዊ ኵናት ኩሉ መዳያዊ ግጭት ከይፍጠር ስግኣት እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ድሕሪ’ቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ፍንጀራታት ነቶም ካብ ሰሜን እታ ሃገር ዝተመዛበሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት “ብውሑስ መንገዲ ናብ ገዝኦም” ክመልሶም ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ብኻልእ ወገን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ "እስራኤል ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ኲናት ትኸፍት ኣላ። ማእከል ስሕበት እቲ ኵናት ናብ ሰሜን ይሰጋገር ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቓዛ ዝተዋፈረ ክፍለ ሰራዊት ናብ ሰሜን ዳግማይ ከምዝተዋፈረ ሰራዊት እስራኤል ኣረጋጊጹ።

ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ንሓማስ ይድግፍ ከምዘሎ ዝገልጽ ኮይኑ ብእስራኤልን ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራትን ድማ ከም ግብረሽበራዊ ትካል ዝተፈረጀ ጉጅለ እዩ።

እቲ ክስተት ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ እዩ ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካይዶ መጥቃዕቲ ደው ዘብሎ ድማ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምስተዛዘመ ጥራይ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

እቲ ጉጅለ ቀጺሉ እንታይ ክገብር መደብ ከምዘለዎ ንሎሚ ሓሙስ ክገልጽ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ሓያል መራሒኡ ሓሰን ናስራላህ መደረ ከስምዕ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ሚድያ ሕዝቦላህ ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ካልኣይ ማዕበል ፍንጀራ፡ ወዲ 16 ዓመት ቆልዓ ዝርከብዎም 13 ዕጥቛቱ ከምዝሞቱ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ኣብ ዶባት ንዝርከቡ ሓይልታት እስራኤል ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝፈጸመ ገሊጹ።

ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ረቡዕ ኣስታት 30 ‘ፕሮጀክትላይት’ ካብ ሊባኖስ ከምዝተወንጨፉን ባርዕ ሓዊ ከምዘለዓሉን ግን ዝኾነ መጉዳእቲ ከምዘየስዓበን ሓቢሩ። ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንዝርከቡ ተዋጋእቲ ሕዝቦላህ ከምዝሃረማ ድማ ጠቒሱ።

እቲ ትማሊ ረቡዕ ዘጋጠመ ቀታሊ ፍንጀራታት ንሕዝቦላህ ዘዋረደ ክስተት ኮይኑ ምሉእ መርበብ መራኸቢታቱ ብእስራኤል ተጠሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዙሓት ሊባኖሳውያን በቲ ብሰሉስ ዘጋጠመ ፍጻሜ ክሳብ ሕጂ ተሰናቢዶም ኣብ ቁጥዐ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ትማሊ ሮብዕ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣርባዕተ ግዳያት ዝተሳተፈ ጋንታ ቢቢሲ ኣብ ደቡባዊ ከባቢ ቤሩት ዳህያ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 17፡00 ከቢድ ፍንጀራ ምስምዑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መንጎ እቶም ሓዘንተኛታት ህውከትን ምድንጋርን ተፈጢሩ። ድሕሪኡ ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር እውን ፍንጀራታት ከምዘጋጥም ጸብጻባት ክወጽኡ ጀሚሮም።

ቀይሕ መስቀል ሊባኖስ፡ ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስን ጎልጎል ቤካኣን ንዝተፈጸመ ፍንጀራታት ልዕሊ 30 ኣምቡላንሳት ምላሽ ከምዝሃባ ገሊጹ።

እቲ ጠንቂ ፍንጀራ ዝኾነ መራኸቢ ዲቫይስ ስርሓቱ ጃፓን ከምዝኾነ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስታዊ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ሊባኖስ ኣብ ሰሜናዊ ጎልጎል ቤካኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ድኳን ዎኪ-ቶኪ (መራኸቢ ራድዮ) ብምፍንጃሩ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ሓቢሩ።

እቲ መሳርሒ ICOM-V82 ብኢድ ዝእሰር VHF ሬድዮ ከምዝኾነን ኣብ ጃፓን ብዝመደበሩ ኣፍራዪ ኤሌክትሮኒክስ ICOM ከምዝተሰርሐን ኣመልኪቱ።

እቲ ማዕከን ዜና፡ ካልእ ICOM-V82 ኣብ ወሰን እታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ በዓልቤክ ኣብ ዝርከብ ገዛ ከም ዝተፈንጀረት ሓቢሩ።

እተን መራኸቢ ራድዮታት ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብሕዝቦላህ ከምዝተዓደጋ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንሓደ ምንጪ ጸጥታ ሊባኖስ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ቢቢሲ ንኣይኮም ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ'ቲ ጸብጻባት ርእይቶ ክህብ ሓቲቱ'ኳ እንተነበረ፡ ንኹሉ ሕቶታት ሚድያ ናብቲ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፕረስ እቲ ኩባንያ ኣመሓላሊፉ።

ቢቢሲ ንኣይኮም ጃፓን ርእይቶኡ ክህብ ሓቲቱ ኣሎ።

ምንጭታት ኣሜሪካን ሊባኖስን ንኒውዮርክ ታይምስን ሮይተርስን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ እቶም ብሰሉስ ዝተፈንጀሩ ‘ፔጀርስ’ ውሑድ መጠን ነታጒ ከምዝተኸለት ሓቢሮም።

ኣብ ሓደ ሆስፒታል ቤሩት ዝርከብ ሓኪም ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብውሑዱ 60 ሚኢታዊት ካብቶም ዝረኣዮም ሰባት እንተወሓደ ሓንቲ ዓይኒ ከምዝሰኣኑን መብዛሕትኦም ድማ ኢዶም ከምዘጉደሉን ገሊጹ።

“ምናልባት ከም ሓኪም ኣብ ህይወተይ እዛ መዓልቲ እታ ዝኸፍአት መዓልቲ ክትከውን ትኽእል እያ” ኢሉ።