ዝጠፍኡ 250 ሚልዮን ኣናህብ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሮም

እታ ኣናህብ ሒዛ እንከላ ዝተገልበጠን ዓባይ መኪና

ምንጪ ስእሊ, Whatcom County Sheriff's Office

ሓንቲ ኣናህብ ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበት ዓባይ መኪና ብምግልባጣ፡ ዝተበተኑ 250 ሚልዮን ኣናህብ ኣብ መላእ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን ከቢድ ራዕዲ ፈጢሮም ኣለዉ።

እታ 31 ሽሕን 750 ኪሎ ዝምዘኑ ዕስለ ኣናህብ ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ኣብ ጥቃ ዶብ ካናዳ ምስ በጽሐት'ያ ሓደጋ ምግላባጥ ኣጋጢምዎ።

ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ምስ ክኢላታት ኣራባሕትን ኣተሓሕዛ ኣናህብን ተሓጋጊዞም ነቶም በብዕስለ ካብታ መኪና ዝጠፍኡ ኣናህብ ንምሓዝ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ግን ህዝቢ ካብ መንከስቲ ኣናህብ ንምድሓን እኹል ጥንቃቐ ክገብር ተላብዮም ኣለዉ።

ላዕለዋይ ሓሊፊ ፖሊስ ዋትስኮም "ጎኒ ጎኒ ድሕነት ናይ ህዝቢ፡ ብዝተኻኣለ መጠን ክንዲ ዝኸኣልናዮ ነቶም ኣናህብ ንምድሓን'ውን ኢና ንሰርሕ ዘለና" ኢሉ።

እታ ኣናህብ ሒዛ እንከላ ዝተገልበጠን ዓባይ መኪና

ምንጪ ስእሊ, Whatcom County Sheriff's Office

እቶም ኣናህብ ክሳብ ዝተሓዙ፡ እቲ እታ መኪና ዝተገልበጠትሉ ጽርግያን ከባብን ካብ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ተዓጽዩ ከምዝጸንሕ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለዉ።

ፖሊስ ዋትስኮም ብጽሑፍ ኣብ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ "250 ሚልዮን ኣናህብ ጠፊኦም ኣለዉ፡ ስለዝኾነ ካብ መንከስቲ እዞም ኣናህብ ንምድሓን ኣብዚ ከባቢ ምንቅስቓስ ኣወግዱ" ኢሉ።

ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ ኣራባሕቲ ኣናህብ ምስ ፖሊስ እቲ ከባቢ ብምትሕብባር "ነቶም ኣናህብ ናብ ቆፎኦም ንምምላስ ይሰርሑ" ከምዘለዉ ብምሕባር "እቲ ዕላማ እቶም ኣናህብ ምስ ንግስቶም ምርኻብን ናብ ቀፎኦም ምምላስን'ዩ፡ እዚ ከኣ ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ክወስድ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ትማሊ ዓርቢ ፖሊስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ንክኢላት ምርባሕ ኣናህብ ብምምስጋን ክሳብ ሕጂ ዓሰርታት ዕስለ ኣናህብ ምስ ንግስቶም ናብ ቆፈኦም ከምዝተመለሱ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ዋትስኮም "ክሳብ ጽባሕ ንግሆ ዝበዝሑ ካብቶም ኣናህብ ናብ ቆፈኦም ክምለሱ ተስፋ ኣለና" ኢሉ።

ፖሊስ ዝዘርገሖ ስእሊ፡ እታ ኣናህብ ጽዒና እንከላ ዝተገልበጠት ዓባይ መኪና ብኣናህብ ተጠፍጡፋ እንከላ ዘርኢ'ዩ።