ኣይውረድ'ዩ፡ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ዝጸንሑ ልዕሊ 100 ኣመና መርዛማት ኣትማን

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከምቲ ልሙድ ሓደ ክልተ ኣትማን ክሕዙ ተጸዊዖም ዝመጹ ክኢላታት ለመምታ ኣውስትራልያ ኣብቲ ቦታ ምስበጽሑ ዘይተጸበይዎ'ዮም ረኺቦም።
ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ ምስበሉ ምቑጻር ኣቋሪጾም፡ ምኽንያቱ ቅድሚኡ ገጢምዎም ዘይፈልጥ መሬት ዝኸደኑ ዓሰርተታት ኣትማን'ዮም ረኺቦም።
መዓስ እዚ ጥራይ፡ ቅርብ ኢሎም ምስራኣዩ እቶም 102 ዝኾኑ ቀይሕ ዝኸብዶም ጸለምቲ ኣትማን ኣዝዮም መርዛማት ምዃኖም'ዩ።
ኣብ ኣውስትራልያ ለመምታ ወይ ካልእ እንስሳ ዘገዳም ኣብ ገዛ ምርካቡ ንዜና ዘይበቅዕ ንቡር ክስተት'ኳ እንተኾነ፡ እዚ ኣብ ከተማ ሲድኒ ዘጋጠመ ፍጻመ ግን ተሰሚዑ ዘይፈልጥ'ዩ።
ኣብ ሓደ ገዛ ከልቢ ብተመን ምስተነኽሰ እቲ ኮሪ ከረዋሮ ዝውንኖ ትካል ኣትማን ከምዝተረኽቡ ተነጊርዎ'ዩ ክሕዞም ተጸዊዑ።
ፈለማ መሳርሕቱ ናብቲ ገዛ ምስከደ ግን 40 ቀይሕ-ከብዶም (ረድ-በሊድ) ኣትማን'ዩ ረኺቡ። ኣርባዕተ ካብኦም ድማ ኣብ መትሓዚ ምስኣተዋ ወሊደን ተባዚሐን ጸኒሐንኦ።
እዞም ዓይነት ኣትማን ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዘለዉ ኣዝዮም መርዛማት ዓሌታት ኣትማን ምዃኖም ይፍለጥ፡ ዋላ'ኳ ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገበ ኣብ ሰብ ዘብጽሕዎ ሞት እንተዘይሃለወ።
እቶም ሓሙሽተ ዓበይትን 97 ውሉድ ኣትማንን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሓደ ቦታ ተወሺቦም ከምዘለዉን ናብ በረኻ ክፍነዉ ምዃኖምን ተፈሊጡ'ሎ- ያረድ የርሕቕዎም ይኾኑ ትብሉ ኣይትሳኣኑን ትኾኑ፡ ኣይትሓዘኩምን'ዩ።
እቲ ፍጻመ ነቶም ኣብ መዓልቲ ካብ 5 ክሳብ 15 ኣትማን ዝሕዙ ክኢላታት'ውን ክብረወሰን ምዃኑ'ዩ ከረዋሮ ዝገልጽ።
እቲ ኣቐዲሙ ናብቲ ቦታ ዝበጽሐ መሳርሕቱ ዲለን ኩፐር፡ ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕ "ዓርኩ፡ ሓንሳብ ኣብዚ ክጸንሕ'የ። ዓቢ እኩብ'ዩ. . .ድሮ ልዕሊ 15 ኣትማን በጺሐ ኣለኹ" ኢሉዎ።
"ከደናግረኒ ዝፍትን ዝነበረ'ዩ መሲሉኒ" ይብል ከረዋሮ።
እቲ ብተመን ተነኺሱ ዝተባህለ ከልቢ ድማ "ብህይወቱ ኣብ ጽቡቕ" ኩነታት ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።
እዞም ቀይሕ ከብዶም ጸለምቲ መርዛማት ኣትማን መብዛሕትኡ እዋን ክወልዱ እንከለዉ ብሓንሳብ ክእከቡ ዝፈትዉ እዮም፡ ምናልባት ካብ ተጻባእቲ ርእሶም ንምክልካል ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል ከረዋሮ።
ካብቶም ከምኦም ዝበሉ ዓሌት እቶም እንኮ ህያው ኣትማን ዝወልዱ ምዃኖም'ውን ይንገረሎም።
"ሓናኻት" ምዃኖም ዝንገረሎም'ኳ እንተኾነ፡ መንከስቶም ግን ሕበጥ፡ ዕግርግርን ውጽኣትን ከስዕብ ይኽእል'ዩ።
ኣትማን ዝሕዙ ክኢላታት ለምምታ፡ ንዝሕዝዎም ኣትማን ኣብ ጥቓ'ቲ ዝረኸብዎም ከባቢ ክፍንውዎም ሕጊ እታ ሃገር ይእዝዝ። እንተኾነ ግን ብዝሒ ናይዞም ኣብ ሲድኒ ዝተረኽቡ ኣብ ግምት ብምእታው ካብቲ ሰብ ዝነብረሉ ካባቢ ርሒቑ ናብ ዘሎ ሃገራዊ ሕዛእቲ ክወስድዎም ፍቓድ ተዋሂብዎም ኣሎ- ኣይውረድ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







