ኣብ መንበሩ ብዝጸንሐ ኮብራ ከይተሰናበደ ነፋሪት ብሰላም ዘዕለበ ኣብራሪ ጅግና ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትሕቲ መንበሩ ተጠምጢሙ ብዝጸንሐ ኮብራ ድሕሪ ምርኣዩ፡ብህጹጽ በረራ ኣቋሪጹ ክዓርፍ ዝተገደደ ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፓይለት፡እታ ነፋሪት ብሰላም ክትዓልብ ብምግባሩ ‘ጅግና’ ተባሂሉ ይንኣድ ከም ዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።
ሩዶልፍ ኢራስመስ ትማሊ ንግሆ ካብ ኬፕታውን ናብ ሰሜናዊት ከተማ ኔልስፕሩት ኣርባዕተ ተሳፈርቲ ሒዙ እናበረረ እንከሎ እዩ፡ ኣብ ኣካላቱ ዝሑል ነገር ስለ ዝተሰምዖ ግን ነቲ ጉዕዞ ከሕጽሮ ከም ዝተገደደ ንመርበብ ሓበሬታ ታይምስ ላይቭ ገሊጹ።
"ናብ ጸጋመይ ተጠውየ ንታሕቲ ክርኢ ምስ ጀመርኩ፡ እቲ [ኬፕ] ኮብራ ኣብ ትሕቲ መንበረይ ርእሱ ከእቱ ርእየዮ" ምባሉ ተጠቒሱ ኣሎ።
መንከስቲ ኮብራ ኬፕ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ንሓደ ሰብ ክቐትሎ ይኽእል።
ኮሚሽነር ሲቪል ኣቬሽን ደቡብ ኣፍሪቃ ንሚስተር ኢራስመስ ‘ጅግና’ ክብል ከም ዝነኣዶ መርበብ ሓበሬታ ኒውስ 24 ሓቢሩ።
ፖፒ ኮሳ ከም ዝጠቐሶ፡ "ብሓቂ ዓቢ ናይ በረራ ክእለት፡ ንኹሉ ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ህይወት ዘድሓነ" ክብል ተጠቒሱ።
እቲ ፓይለት ኣብ እዋን በረራ ነቲ ኮብራ ድሕሪ ምርኣዩ ንተሳፈርቱ ክነግሮም'ዶ ወይስ ኣይግባእን ርግጸኛ ከም ዘይነበረ ገሊጹ።
ንሱ፡ ብዛዕባ እቲ ዝርኣዮ ነገር ነቶም ተሳፈርቲ ምንጋር ስንባደ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሰጊኡ ምንባሩ ይዛረብ።
“በቃ ‘ስማዑ ጸገም ተፈጢሩ ኣሎ’ ኢለ። ተመን ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ኣሎ። ኣብ ትሕቲ መንበረይ ከምዘሎ ኰይኑ ስለ ዝተሰመዓኒ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነታ ነፋሪት ናብ መሬት ክነዕልባ ክንግደድ ኢና” ክብል ምዝራቡ ተጠቒሱ ኣሎ።
ካብኡ፡ ኣብ ከተማ ወልኮም ብህጹጽ ክዓርፋ ክኢሉ።
ነታ ነፋሪት ቀላሊዖም ዝፈተሹ መሃንድሳት ነቲ ተመን ከም ዘይረኸብዎ ሚስተር ኢራስመስ ገሊጹ።
ሎሚ ረቡዕ ዳግማይ ነታ ነፋሪት ከብርራ ተስፋ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







