ብቕንኢ ንመርዓዊን ሓዉን ብቦምባ ከም ዝቐተለ ዝጥርጠር ሰብኣይ ተታሒዙ

ፖሊስ፡ እቲ ተኸሳሲ ኣፍቃሪ እታ መርዓት ዝነበረ ምዃኑ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ህንዲ፡ ሓደ ሓድሽ መርዓዊ ምስ ሓዉ ከም ህያብ መርዓ ዝተዋህብዎ ንብረት ድሕሪ ምፍንጃሩ ክልቲኦም ሞይቶም።

ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ እቲ ህያብ ብነታጒ ዝተሓጽረ ኰይኑ፡ ኣብ ኤሌክትሪክ ምስ ተሰዂዐ ብኡንብኡ ከምዝተፈንጀረ ሓቢሩ።

እቲ መርዓዊ ኣብቲ ቦታ ፍጻመ ክመውት እንከሎ፡ ሓዉ ድማ ብዝወረዶ መጕዳእቲ ኣብ ሕክምና ምስ ኣተወ ሞይቱ።

እቲ ካብ ጐረቤት ግዝኣት ማድያ ፕራደሽ ዝመጸ ሳርጁ ማርካም ዝተባህለ ተኸሳሲ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ኳ እንተሃለወ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ መግለጺ ኣይሃበን።

ወዲ 33 ዓመት ማርካም፡ ምስታ ጓል 29 ዓመት መርዓት ርክብ ከም ዝነበሮን፡ ካልአይቲ በዓልቲ ቤቱ ክትከውን ከኣ ይጽዕር ከም ዝነበረን፡ እንተዀነ ስድራቤታ ስለዘይተቐበልዎ ንኻልእ ሰብኣይ ኣመርዕዮማ ክብል ንፖሊስ ሓቢሩ።

በዚ ድማ እቲ ናይ ቀደም ኣፍቃሪ እታ መርዓት፡ ንኻልእ ሰብኣይ ተመርዕያ ክርኢ ክጻወሮ ስለዘይከኣለ፡ ብሕርቃን ተቘጢዑ ነቲ ተግብራ ምፍጻሙ ይግለጽ።

ኣብቲ ብ3 ሚያዝያ ኣብ ማእከላይ ህንዲ ግዝኣት ቻቲስጋር ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ካቢርድሃም ኣብ ዝርከብ ገዛ መርዓዊ ዘጋጠመ ፍንጀራ፡ ወዲ 18 ወርሒ ዝርከቦም ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትውን ቈሲሎም ኣለዉ።

ፖሊስ፡ እቲ ፍንጀራ ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ፡ መናድቕን ናሕስን ናይቲ ክፍሊ ከም ዝፈረሰ ሓቢሩ።