ህንዲ: 13 ዕዱማት መርዓ ናብ ዒላ ጸዲፎም ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, ANI
ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ፡ ብውሑድ 13 ዕዱማት መርዓ ናብ ጉድጓድ ጸዲፎም ሞይቶም።
እቶም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ግዳያት ኣብ ዝባን ብሓጺን ዝተኸደነ ዒላ ኮፍ ኢሎም ስነስርዓት እቲ መርዓ ይሳተፉ ከምዝነበሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ካልኦት ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት እውን ጉድኣት በጺሑዎም ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ነቲ ሓደጋ "ልቢ-ዝሰብር" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ሓደጋ ብረቡዕ ምሸት ስድራ ቤት "ሃልዲ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ገጽ መርዑ ቀለም ናይ ምልካይ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።
ምስባር መሸፈኒ እቲ ዒላ ስዒቡ እቶም ግዳያት ምስ ጸደፉ፡ ካልኦት ተዓደምቲ ቀልጢፎም ኣውጺኦም ናብ ሕክምና ወሲዶምዎም።
እቶም 11 ሽዑ ንሽዑ ከምዝሞቱ ዝተገለጸ ኮይኑ እቶም ክልተ ግና ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝዓረፉ ፖሊስ ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ንስድራ ግዳያት ሓገዝ ክግበረሎም ንሰብ መዚ እቲ ከባቢ ሓቲቱ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







