ህንዲ: 13 ዕዱማት መርዓ ናብ ዒላ ጸዲፎም ሞይቶም

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ

ምንጪ ስእሊ, ANI

ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ፡ ብውሑድ 13 ዕዱማት መርዓ ናብ ጉድጓድ ጸዲፎም ሞይቶም።

እቶም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ግዳያት ኣብ ዝባን ብሓጺን ዝተኸደነ ዒላ ኮፍ ኢሎም ስነስርዓት እቲ መርዓ ይሳተፉ ከምዝነበሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ካልኦት ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት እውን ጉድኣት በጺሑዎም ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ነቲ ሓደጋ "ልቢ-ዝሰብር" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ሓደጋ ብረቡዕ ምሸት ስድራ ቤት "ሃልዲ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ገጽ መርዑ ቀለም ናይ ምልካይ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

ምስባር መሸፈኒ እቲ ዒላ ስዒቡ እቶም ግዳያት ምስ ጸደፉ፡ ካልኦት ተዓደምቲ ቀልጢፎም ኣውጺኦም ናብ ሕክምና ወሲዶምዎም።

እቶም 11 ሽዑ ንሽዑ ከምዝሞቱ ዝተገለጸ ኮይኑ እቶም ክልተ ግና ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝዓረፉ ፖሊስ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ንስድራ ግዳያት ሓገዝ ክግበረሎም ንሰብ መዚ እቲ ከባቢ ሓቲቱ ኣሎ።