ኣደን ጓልን ዓራት ሆስፒታል ሒዘን፤ ድሕሪኡ እንታይ ሰዓበ?

ማርያ ሪኮን ጓላ ኣናቤል ሻርማን ክልቲኤን ኣብ ሓደ መዓልቲ ሆስፒታል ደቂሰን

ምንጪ ስእሊ, ANABEL SHARMA

እቲ ኣብ መላእ ዓለምና ዝተኸስተ፡ ንብዙሓት ኣደዳ ናይ ሂወትን ንዋትን ክሳራ ዝገበረ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ንሂወት ነፍስ ወከፍ ሰብ ተንኪፉ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣእቲናዮ ኢና ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ግዜ'ውን፡ ብዙሓት ሰባት ግዳይ ናይቲ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ቅልውላውን ስነኣእምሮኣዊ ነውጽን ኣቃሊዕዎም እዩ።

ዕጽዋ ኮቪድ-1- ካብ ዘእወጅ ሰለስተ ዓመት'ኳ እንተቝጸረ፡ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ዝርከቡ ስድራቤታት ግን ገና በቲ ዝሰዓበ ቅልውላው ይሕመሱ ኣለዉ። ነዚ ንምድህሳስ ድማ ቢቢሲ፡ ምስ ግዳያት እቲ በሰላ ጻንሒት ገይሩ'ሎ።

ኣብ ጥቅምቲ 2020፡ እቲ ፈላሚ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ምስፍሕፋሑ፡ ኣብ ክልተ ወርሑ ክልተ ብኸቢድ ዝሓመማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ሌስተር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓራት ሒዘን።

ሓንቲ ካብኣተን ጓል 52 ዓመት ኣናበል ሻርማ ዝተባህለት፡ ኣማኻሪት ሓፈሻዊ ሕክምና ክትከውን እንከላ፡ እታ ካልአይቲ ድማ ጓል 76 ዓመት ኣደኣ ማርያ ሪኮ ትበሃል። ኣብ 70ታት ካብ ስጳኛ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገዓዘት ማርያ፡ ምስ ኣናበል ጓላን በዓል ቤታን ሰለስተ ኣወዳት ደቈምን ኣብ ሓደ ገዛ እዮም ዝነብሩ ነይሮም።

ኣብተን ናይ መወዳእታ ህሞት ኣእዳው ኣደኣ እናዝሓላ ኪከዳ እንከለዋ ክምዘረምሰሰተን ትዝክር

ምንጪ ስእሊ, ANABEL SHARMA

ኣብቲ ንሳን ኣደኣን ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ዝኣተዋሉ'ውን፡ እቶም ሓካይም ሓዲአን ብሂወት ክትሰርር እያ ዝብል ተስፋ ኣይነበሮምን።

ኣናበል፡ እቲ ቫይረስ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ብምዃን ነቲ ስድራቤት ኣዝዩ ከምዘጃጀዎን፡ ኣብተን ናይ መወዳእታ ህሞት ኣእዳው ኣደኣ እናዝሓላ ክኸዳ እንከለዋ ክምዝረምሰሰተን ትዝክር።

ኣብቲ ምስ ኣደኣ ጐድኒ ንጐኒ ተጋዲሙ ዝነበረ ዓራት ኰይና ኸኣ፤

“ዶክተር ክምውት ድየ?” ክትብል ተወከሰቶ። ኣይፋሉን ኣይትሞትን ኢኺ ዝብል መልሲ ክትሰምዕ'ኳ እንትተጸበየት፣

“እንድዒ” ዝብል መልሲ ምስሃብዋ ግን ኣዝያ ሰንበደት።

“ኣብቲ ህሞት ብዛዕባ ክንደይ ኣታዊታተይ፡ እንታይ ዓይነት መኪና ይዝውር ገለታት ዘይኮንኩስ፡ ምስቶም ኣዝየ ዝፈትዎም ሰባት ሓቢረ ግዜ ንኸሕልፍ ጥራይየ ዝምነ ነይረ” ድማ ትብል።

ወላዲታ ማርያ ግን ኣብቲ ኣብ ጐድና ዘሎ ዓራት ተጋዲማ ትሰሓግ ነበረት።

ማርያ ሪኮ " ኣዝያ እተገርም ዓባየይ" እያ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, ANABEL SHARMA

ኣደይ ናይ መወዳእታ ድሌታ ትነግረኒ ነይራ። ኵሉ ኣዝዩ ልዕሊ ምርድአይ እዩ ነይሩ" ብምባል ኣናበል ዝኽራ ተካፍል።

ንሱዛን ሓፍታ እውን መከላኸሊ ኣልባሳት ሂቦም ነቲ ናይ መወዳእ'ታ ስንብታ ኣደአን ንኽትሰምዕ ኣብ ጐድኒ ዓራታ ኣምጽኡዋ። ድሕሪዚ ልክዕ ብ1 ሕዳር ንሞታ ከም ዘቀላጥፎ 'ኳ እንተፈለጠት፡ ምስ ክልተ ኣዋልዳ ንመወዳእታ ግዜ ንምዝርራብ ናይ ኦክስጅን መሸፈኒኣ (ማስክ) ንኸውጽኡላ ሓተተቶም።

'እዚ ሓንሳብ ምስ ኣውጻእናዮ፡ ብዙሕ ግዜ ኣይክህልወክን'ዩ' እኳ እንተበልዋ

"'እወ ከምኡ ምዃኑ እፈልጥ እየ ግን ይኣኽለኒ" በለቶም።

"ክትዛረብ ምስ በቕዐት ክትመውት ከምዘይትፈርሕ፡ ድልውቲ ምዃና ነጊራትና፡ ንዓይ ቈልዑ ስለዘለዉኒ ኣበርቲዐ ክቃለስ ከምዘለኒ ተላብያትኒ፡ "ንሳ ግን ደሓን ይኣኽለኒ እዩ ብምባል ንሳ ክትዓርፍ ከላ ምስኣ ክኸውን መታን ዓራተይ ናብ ዓራታ ምስ ኣቀራረብዎ፡ ክጻወሮ ስለዝኸበደኒ መጠን ኦክስጅነይ ብሓደገኛ መንገዲ እናነከየ ይኸይድ ስለዝነበረ፡ መታን ክረግጋግእ ስሒቦምኒ።”

"በቃ ኢዳ ሒዘ፡ ከዕልላ እንከለኹ፡ ምቘት ኢዳ ብጣዕሚ እናዝሓለ ክኸይድ ከሎ ይዝከረኒ . . ."

ድሒራ እታ ስድራቤት እውን ብምልእታ በቲ ቫይረስ ተለክፈት

ምንጪ ስእሊ, ANABEL SHARMA

ኣናበል ብድሕር'ዚ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን (ICU) ጸኒሓ። እዛ ኣብታ ልዕሊ 210 ሽሕ ዝሞትዋ ዓባይ ብሪጣንያ እትርከብ ስድራቤት'ውን ብምልእታ በቲ ቫይረስ ተለኽፈት። ኣናበል፡ "ተዘክሮታተይ ኣዝዩ ዝተበታተነ'ዩ። ኣዒንተይ ዓሚተ ቀም ዘበልኩ ኰይኑ እኮ እንተተሰማዓኒ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ሕልና ኣይነበረንን" ትብል።

ኣብ መወዳእታ'ውን ካብ ሕክምና ወጺኣ ናብ ገዛ ኣብ ዝተመልሰትሉ ሞት ኣደኣን ሓዘንን ኣዝዩ ከምዝኸበዳ፡ ንሒደት ሳምንታት ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ናይ ወላዲታ ከምዝደቀሰትን ተዘንቱ።

ኣደን ጓልን

ምንጪ ስእሊ, ANABEL SHARMA

ማርያ ምስ ጓላ ሰብኣይ ጓላን ሰለስተ ደቈምን ትቕመጥ ብምንባራ፡ ምፍላያ ነቶም 10 -12 ከምኡ'ውን 22 ዝዕድመኦም ደቂ ጓላ ኣዝዩ ኣሰንባዲ እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ንኣሽቱ ደቃ ብፍላይ፡ ካብ ምሒር ስንባደ፡ ድሕሪ እቲ ኵነታት ምሳኣ'ዩ ዝድቅስ ነይሩ።

ኣናበል ኣብ ሆስፒታል ዝነበረትሉ እዋን’ውን፡ ኣብ በዓል ቤታ'ውን ከይተረፈ ከቢድ ጽልዋ ገዲፉ እዩ።

"እቲ ኣዝዩ ዘሕመመኒ ነገር፡ ደቀይ ኣደኦም ክትመውት ከም እትኽእል ከምዝተነግሮም ምስ ፈለጥኩ እዩ።”

ድሕሪ ለበዳ እቲ ቫይረስ ብሂወት ኪትቅጽል ምኽኣላ፡ ከም ዓቢ ዕድል እያ ትቕጽሮ።

ምንጪ ስእሊ, ANABEL SHARMA

ይዅን'ምበር ንዕኡ ሰጊራ፡ ድሕሪ ለበዳ እቲ ቫይረስ ብሂወት ክትቅጽል ምኽኣላ ከም ዓቢ ዕድል እያ ትቕጽሮ። ምኽንያቱ በዓልቤታ ኣብ ርእሲ እቲ ሓላፍነት ቈልዑ፡ ብዛዕባ ኵነታት ጥዕናኣ መዓልታዊ ካብቲ ሆስፒታል ኣዝዩ ክትሰምዖ ቀሊል ዘይኮነ መልእኽትታት ይመጾ ስለዝነበረ።

ኣናበል፡ ወላ'ኳ ነቲ ሕማም መኪታቶ ትሕለፍ ሎሚ'ውን፡ ጥዕናኣ ከምቲ ቅድሚ በቲ ቫይረስ ምልካፋ ዝነበሮ ኣይኮነን ዘሎ።

"ኣብ ሳንቡአይ በሰላ ኣለኒ፡ ከምኡ'ውን ልበይን ጸላም ከብደይን ትሃስዩ እዩ" ትብል።

ከምኡ'ውን ንሞት ኣደኣ፡ "ልቢ ዝሰብር" ኢላ ክትገልጾ እንከላ፡ በይና እንከላ ብዘይምማታ ግን ሕጕስቲ ምዃና ትዛረብ።

እቲ ክስተት ኣብ ሂወት ንዝነበራ ኣረኣእያ ቀይርዎ እዩ።

"ክሳብ'ቲ እዋን'ቲ መንገደይ ዝሰሓትኩ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ብሰንኪ ጸቕጢ ስራሕ ምስቶም ቈልዑ ግዜ ዝሰኣንኩሉ ህሞታት ብዙሕ የጣዕሰኒ ነይሩ።”

"ዕድለኛ እየ ነቶም ጣዕሳታት ንምፍታሕ ካልኣይ ዕድል ረኺበ ኣለኹ" ብምባል፡ ኣናበል ነቶም ዝሓከሙዋ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን (ICU) ንምምስጋን'ውን ተመሊሳ በጺሓቶም እያ።