መንግስቲ ኤርትራ ንጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ ይምልስ ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብምኽንያት እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ኣቡናትን ካህናትን ዝርከቡዎም መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታት ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ንምክያድ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።
ወደብቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ሮማ ኢጣልያ ሎሚ ሰንበት 13 ሕዳር ኣብ ፒያሳ ቬነስያን ቫቲካንን፣ ኣብ ለንደን ቀዳም 19 ሕዳር ኣብ ዌስት ሚኒስተር ካቴድራል፣ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንዓርቢ 18 ሕዳር፣ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ከኣ ን26 ሕዳር ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ ናብ ህዝቢ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።
ይዅን እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ማእሰርቲ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ምርኩስ ብምግባር ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ “መንግስቲ ኤርትራ ብጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ ተደሪኹ ለውጢ ይገብርዶ?” ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ኣለዉ።
ወደብትን ምእመናንን ነዚ ሕቶ ብኸመይ ይምልስዎ?
ሓደ ካብቶም ንሰላማዊ ሰልፊ ኢጣልያ ዝወደቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ፡ እዚ ሰላማዊ ሰልፍታት ብቐንዱ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ተቓውሞኦም ክገልጹ ዘይክእሉ ክዛረቡን ክጽሕፉን ዘይፍቀዶም ኣፎም ተዓቢሱ ዘሎ ኣሕዋትና ድምጺ ንምዃን ስለዝዀነ መንግስቲ ኤርትራ ይስማዕ ኣይስማዕ ይመልስ ኣይመልስ ብዙሕ ትርጕም ከምዘይህቡዎ ይገልጽ።
“ንሕና ከም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ግህሰት ሰባዊ መሰላት ምቅላዕ እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ድምጺ ህዝቡን ኣሕዋቱን ክሰምዕ ስለዘይከኣለ ከኣ ኵሉ ሳዕ ብዝፍጽሞ ግፍዓዊ ተግባራት ኣብ ቅድሚ ዓለም ዕርቃኑ ወጺኡ ኣሎ፡” ይብል
ነባሪት ለንደን ተኸታሊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፍረወይኒ ብርሃነ፡ ክብርታት ቤተክርስትያን ኣክንዲ ዝተወጽዐን ዝተበደለን ቁም፡ ንሰላምን ንፍትሕን ተዓጠቕ ስለዝብል፡ ዋላ'ውን ገሊኦም ምእመናን ኣሕዋትና እንተስ ብፍርሒ እንተስ ብጕርሒ ድምጾም ካብ ምሃብ እንተተዓቀቡ እቲ ብሕልናኡ ዝግዛእ ዘበለ ግን ድምጹ ካብ ምሃብ ድሕር ከምዘይብል ትዛረብ።
“ቤተክርስትያን ወትሩ ኣብ ቅድሚ ሓቅን ፍትሕን እያ ደው ክትብል ዝግብኣ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጥራይ ዘይኰነ ኵለን ካልኦት እምነታት ክርስትናን ምስልምናን እውን ከይተረፈ መርሓአን ተመሳሳሊ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኢና ንሕና ነቶም ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ? ብምባል ደሃይ ኣሕዋትና ክንገብር ብመንፈሳዊ ምኽሮም ዝመዓዱናን ዝመኸሩናን መማህራን ፍትሒ መራሕቲ ሃይማኖትና “ ኣቦታትና ኣበይ ኣለው?” መራሕቲ ሃይማኖትና ኣበይ ኣለው? ብምባል ደሃዮም ሃለዋቶም ክንገብር ግቡእና እዩ” ትብል።
ብዙሓት ተመራመርትን ጸሓፍትን ጐነጻውን ሰላማውን ቃልስታት፡ ካብቲ ደም ዘፋስስ ህይወት ዘጥፍእ፡ ንብረትን ዕድላትን ዘዕኑ፡ ጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ እቲ ሰላማዊ ቃልሲ ከም ዘድምዕ ይምጕቱ።
ይዅን እምበር ውሑዳት ዘይኰኑ ካልኦት ከኣ እንተደኣ ሰላማዊ ቃልሲ ፍረ ዘየምጺኡ እቲ በትረ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ብብረትን ጠበንጃን ዝጭፍልቐካ እንተዀይኑ ብዘይካ በቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ምግጣሙ፡ እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየሎ የረድኡ።
“ምእንቲ ፍትሒ ደው ክንብልን ድምጽና ከነስምዕን ኣለና” እትብል ፍረወይኒ፡ ምጕታ ብምቕጻል፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ ንመንግስቲ ክትድግፍ ኣብ ጐደናታት ወጺእካ ናይ ተቓውሞ ሓሳብካ ክትህብ ፍቝድ ስለዘይኰነ ህዝቢ ድምጺ የብሉን። ስለዝዀነ ኵሉ ሰብ ርእሱ ኣድኒኑ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እምበር ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰባዊ መሰላት ብፍላይ ሎሚ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት ከምዝኣተወ ትዛረብ።
“ንሓንሳብ ህዝቢ፡ ነታ ወርሓዊ ዝረኽባ መቝነን ኩፖን መታን ከይስእን ዕረ እናጠዓሞ ንመንግስቲ ክድግፍ ተገዲዱ እዩ ናብ ጐደናታት ዝወጽኣሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ንሱ ግን ናይ ልቢ ኣይኰነን። መራሕቲ ሃይማኖት ተተጨውዮም እናተኣስሩ፡ ፓትሪያርክ ዝኣኽሉ ኣቦ ሃገር ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሞቱ፡ ደቂ ስሳን ሰብዓን ተተገፊፎም ኣብ ውግእ እናተጠብሱ ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ነቲ ስርዓት ትድግፎ?” ትብል ፍረወይኒ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ቐረባ እዋናት ዝተኣስሩ ኣቡነ ፍቕረ ማርያም ዝርከቡዎም ሰለስተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን በብእዋኑ ገሊኦም ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣስሩ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዝዀነ ይዅን መግለጽን ሓበሬታን ኣይሃበን።
ይዅን እምበር ንነጻነት ሃይማኖት ዝምልከት ሕቶታት ክለዓል እንከሎ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ ኤርትራ ናጽነት እምነት ከምዘለዋ፡ ኣስላምን ክርስትያንን ብዘይ ዝዀነ ይዅን ጸገም ብሓባር ከምዝነብሩ እዩ ዝገልጽ።
ተጋዳላይ መጐስ ብርሃነ፡ “ሓቁ እዩ ሚኒስተር የማነ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጐ እምነታት ምንም ጸገም የሎን። እቲ ጸገም እቲ ስርዓት እዩ። እቲ ስርዓት እዩ ኣብ ምሕደራ እምነታት ኢዱ እናእተወ ነቲ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ውህደት (ሃርሞኒ) ክዘራርጎ ዝፍትን ዘሎ” ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ካብ ፈለማ 90ታት ኣትሒዙ ንመራሕቲ ሃይማኖታት እስላምን ናይ ዝተፈላለያ ዲኖሚኔሺን እምነታት ክርስትና፡ ጅሆቫ፡ ፔንጠኮስጠ፡ ኣርቶዶክስን ካቶሊክን ብቐጻሊ ይኣስርን የጋፍዕን ከምዘሎ ይገልጽ።
መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ፡ ኣብተን ብደሞክራሲያዊ ስርዓተ ምሕደራ ዝነባበራ ሃገራት፡ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር፡ ኣንጻር ረብሓና’ዩ ንዝበልዎ ፖሊሲታት መንግስቲ ክኽለስን ክምለስን ብምሕላን፡ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ድምጾም ዘስምዕሉ ሰላማዊ ጻውዒት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “እዞም ብደሞክራሲያዊ ስርዓታት ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት ምዕራብ እንነብር ዘሎና ኤርትራውያን፡ ካብቲ ብዙሕ እንርእዮ ንእሽቶ ነገር ኣብ ዓድና ክትግበር ስለእንምነ ኢና ዋላ እውን ብቝጽሪ ንውሓድ ብቐጻሊ ሰልፍታት ነካይድ፡” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







