ምሕርናኽ፡ ስሒቕካ ዘይትሓልፎ ጥዕናዊ ጸገም ድዩ?

ሰብ ሞያ፡ ዓው ዝበለ ምሕርናኽ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጽልዋታት ኣለዎ ይብሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰብ ሞያ፡ ዓው ዝበለ ምሕርናኽ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጽልዋታት ኣለዎ ይብሉ

ምሕርናኽ መዳቕስትኻ ዕሽሽ ኢልካ ምሕላፍ ልሙድ’ዩ።

“ብዛዕባ ምሕርናኽ በዓል ቤተይ ምስ ስድራይን መሓዙተይን ይዋዘ ነይረ። ብውሽጠይ ግን ዝያዳ የጨንቐኒ ነይሩ” ትብል ጓል 45 ዓመት ሲንጋፑራዊት ኣሩኒካ ሰልቫም።

“እዚ ምስ በዓል ቤተይ እንተኣልዒለዮ፡ ከይሓርቕ ዝብል ስክፍታ ነይሩኒ”።

ስለዚ፡ ምሕርናኽ ኣካል ናይቲ ሓዳር ምስ ምግባር ዝመጽእ ጉዳይ’ዩ መሲሉዋ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ ግዜ ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታን ኣብ ሞንጐኦም ዘሎ ዝምድናን ልዑል ጽልዋ ከሕድር ጀሚሩ።

“ለይቲ ለይቲ ክበራበርን፤ ንጉሆ ድማ ክጫቀጨቅን ጀሚሩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ምሕርናኽ በዓል ቤታ፡ ለይቲ ጽቡቕ ዕረፍቲ ንከይትረክብ ስለ ዝገበረ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ድቃስ ኣብ ስራሕ ጽልዋ ክፈጥረላ ጀሚሩ።

ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝምድናታትን ምሕርናኽ፡ ኣብ ጥዕና እቶም መጻምድን ርክባቶምን ከቢድ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቘምዎም።

ኣብ ድቃስ ዘጋጥም ምቁራጽ ምስትንፋስ

ዓው ዝበለ ምሕርናኽ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ‘obstructive sleep apnoea (OSA)’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዝባዕ ድቃስ ዝተሓሓዝ ኰይኑ፡ ኣብዚ ግዜ ምስትንፋስ ጠጠው ከም ዝብልን እዚ ድማ ኣብ እዋን ድቃስ ከም ዘጋጥምን ሰብ ሞያ ይገልጹ።

እዚ ምዝባዕ፡ መንደቕ ጕሮሮና ክዛነን ክጸብብን ብምግባር ንቡር ምስትንፋስ ብምቁራጽ ዋሕዲ ኦክስጅን የስዕብ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጀምስ ኩክ ኣማኻሪ ስርዓተ ምስትንፋስ ዶክተር ራማሙርቲ ሳትያሙርቲ ከም ዝበሎ፡ ምልክታት ምቁራጽ ስርዓተ ምስትንፋስ ድቃስ ካብ ቀሊል ክሳብ ማእከላይ ወይ ከቢድ ክፈላለዩ ይኽእሉ።

እንተዀነ፡ ቀስ ብቀስ ይገድድ።

ብግዝኡ ዘይተሓከመ ኵነታት፡ ንብዙሕ መዳያት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ናይቲ ሓርናኺ ዝጐድእን ኣብ ልዕሊ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን መጻምዱ ጽልዋ ዘሕድርን ከም ዝኸውን ይገልጽ።

እዚ እንተላይ ጾታዊ ድሌቶም ክጸልዎ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ምልክታት ምቁራጽ ምስትንፋስ እንታይ’ዮም?

እቶም ምልክታት፡ ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥሙ ኰይኖም፤

  • ዓው ዝበለ ምሕርናኽ
  • ምቁራጽን ምጅማርን ምስትንፋስ
  • ምስሓግ፣ ዅሪፍዅሪፍ ምባል ወይ ኣፍንጫኻ ምዕባስ

እዚ ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ዘርእዩዎም ምልክታት ድማ፤

  • ካብ ድቃስ ክለዓሉ እንከለው ርእሶም ይሕሞም
  • ድኻም ይስምዖም
  • ትኹረት ምግባር ይጽገሙ
  • ናይ ምዝካር ክእለቶም ይንኪ
  • ቅዛነት የጥቅዖም፤ ከም ቁጥዐን ካልእን ዝበሉ ምልውዋጣት ስምዒት የጋጥሞም
  • ድኹም ናይ ምውህሃድ ክእለት ይህልዎም
  • ድሌት ጾታዊ ርክብ ምጥፋእን ካልእ ጥዕናዊ ጸገማትን የጋጥሞም

ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥም ምቁራጽ ምስትንፋስ ካልኦት ተዛመድቲ ጥዕናዊ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል።

ኣብ እዋን ምቁራጽ ስርዓተ ምስትንፋስ ዝፍጠር ሃንደበታዊ ምንቁልቋል መጠን ኦክስጅን ደም፡ ጸቕጢ ደም ክውስኽ ክገብር ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ የጠንቅቑ።

እዚ ድማ ምስ’ዚ ተዛሚዶም ክመጽኡ ንዝኽእሉ ሕክምናዊ ጉዳያት ከቃልዕ ይኽእል ይብሉ።

ገለ መጽናዕቲታት ከም ዝሕብርዎ፡ ‘ኦኤስኤ’ ንሓደጋ ድኻም ልቢ ብ140%፡ ንሓደጋ ወቕዒ ልቢ ብ60%፡ ኣብ ከባቢ እቶም ደም ናብ ልቢ ዘጉዓዕዙ መትንትታት ዘጋጥም ምእካብ ደም ንዝፈጥሮ ሓደጋ ልቢ ድማ ብ30% ከቃልዕ ይኽእል።

ስለዚ ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥም ምቁራጽ ምስትንፋስ፡ ሰባት ንዝህልዎም ጾታዊ ድሌት እውን ክጸልዎ ከም ዝኽእል ሓካይም ድቃስ ይዛረቡ።

ገለ መጻምድቲ ምሕርናኽ መጻምዶም ከም ዋዛ ዝርእዩዎ’ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ርክቦም ግን ዓብዪ ጉዳይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዶክተር ሳትያሙርቲ ኣስሚሩሉ።

“መብዛሕትኡ ግዜ፡ 90% ካብቶም ዝርእዮም ዘለኹ ሕሙማት፡ እቲ ናብ ሕክምና ምኻድ ዝብል ተበግሶ በቲ ብምሕርናኽ መጻምዱ ዝተጸልወ ሰብ ዝተላዕሉ’ዮም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

በዚ ዝተላዕለ መጻምዲ ዓራት ፈልዮም ክድቅሱ ክጅምሩ ይኽእሉ’ዮም።

እዚ ድማ፡ 'sleep divorce' ወይ 'ፍትሕ ድቃስ’ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ኣምር ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ኣሜሪካ እትርከብ ኣማኻሪት ርክባት ሳራ ናስርዛደህ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መጻምዲ፡ ዋላ’ውን ብሰንኪ ምሕርናኽ ኣይዅን ንበይኖም ክድቅሱ ዝጽላእ ኣይኰነን ትብል።

ጽቡቕ ድቃስ ምርካብ ንኽልቲኦም መጻምዲ ጥዑይ ዝምድና ከዕብዪ ከም ዝሕግዞም ብምግላጽ፡ እዚ ክኣ ንበይኖም ዝድቅስሉ ኣጋጣሚታት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ ክመጽእ ዝኽእል ትብል።

ንገለ መጻምዲ ግን ‘ፍትሕ ድቃስ’፡ ዝያዳ ናብ ነባሪ ምፍልላይ ዝወስድ ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ብዛዕባ ምሕርናኽ ምዝርራብ

ብሰንኪ ሓርናኺ በዓልቤታ ዝሓረቐት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሩኒካ ሰልቫም፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ዝለዓለ ነፍሲ ወከፍ እቶት ምስ ዘለወን ኣብ እትስራዕ ሲንጋፑር እትነብር'ኳ እንተዀነት፡ ካልእ ዓራት ዘለዎ ትርፊ ገዛ ምርካብ ግን ኣጸጋሚ’ዩ።

“ብሰንኪ እቲ ኣብ ሲንጋፑር ዘሎ ልዑል ወጻኢታት መነባብሮ፡ ተወሳኺ ኣታዊ ንምርካብ ንጋሻ ኢልና ዝፈለናዮ ክፍሊ ከነካርዮ ተገዲድና ኢና” ትብል።

ንሳ፡ ን15 ዓመታት ዝጸንሐ ሓዳር ዘለዋ ኣደ ሓደ ቈልዓ እያ።

ይኹን’ምበር፡ ሰልቫም ብሰንኪ ምሕርናኽ በዓል ቤታ ሰኣን ድቃስ ማእለያ ዘይብሉ ለይቲታት ድሕሪ ምሕላፋ፡ ምስ በዓል ቤታ ክትዘራረበሉ መሪጻ።

ኣብ መጀመርታ፡ ኣቡኡን ኣባ-ሓጉኡን ሓርነኽቲ ከም ዝዀኑን ምሕርናኽ ልሙድ ነገር ከም ዝዀነን ብምግላጽ ንሓኪም ክውከስ ፍቓደኛ ኣይነበረን።

ዓው ዝበለ ምሕርናኽ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዘጋጥም ኰይኑ፡ ከም መግለጺ ተባዕታይነት’ዩ ዝውሰድ፤ ብፍላይ ኣብ ዝተወሰኑ ባህልታት ኤስያ።

ብሰንኪ ምሕርናኽ ዝመጽእ ስእነት ድቃስ ግን ካልእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ከስዕብ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።

ክኢላ ምምኻር ርክባት፡ ሳራ ናስርዛደ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት፡ ነዚ ጉዳይ ምስ መጻምድትኻ ብልዙብ መገዲ ምዝርራብ ኣገዳሲ እዩ ትብል።

“ምናልባት፡ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ፡ ምናልባት ድሕሪ ጽቡቕ መንፈስን ምትእስሳርን ምፍጣርካ” ክኸውን ኣለዎ።

እታ ክኢላ ማሕበራዊ ስነ-ልቦና፡ እቲ ዝሕርንኽ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ሕፍረት ከም ዝስምዖ ምዝካር'ውን ኣገዳሲ'ዩ ኢላ።

እቲ ዝበረኸ ሳዕቤናት

ምሕርናኽ ምኽንያት ፍትሕ ይኸውን ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምሕርናኽ ምኽንያት ፍትሕ ይኸውን ኣሎ

ብመሰረት ማሕበር ምሕርናኽን ምቁራጽ ድቃስን፡ ኣብ ብሪጣንያ ኣስታት 15 ሚልዮን ዝሕርንኹ ሰባት ኣለው።

እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ንዘለው 30 ሚልዮን ሰባት - ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ - ይጸልዎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተረኽበ ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝሕርንኹ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ እቲ ማሕበር ገሊጹ።

መን’ዩ ዝሕርንኽ ብዘየገድስ፡ እቲ ልምዲ ዓሚቝ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ገለ ጸብጻባት፡ ምሕርናኽ ኣብ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካብቶም ዝበዝሑ ጠንቂታት ፍትሕ ሓዳር ምዃኑ ይሕብሩ። ነዚ ዘጠናኽሩ ጭብጢታት ምርካብ ግን ኣጸጋሚ’ዩ።

ምሕርናኽ ኣብ ዝምድናታት መጻምዲ ከበድቲ ጸገማት ከስዕብ ከም ዝኽእል ግን ይእመን።

ካብ ዓዲ እንግሊዝ ጠበቓ ስድራቤት ዝዀነት ሪታ ጉፕታ፡ ምስ’ዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ብርክት ዝበሉ ናይ ፍትሕ ጉዳያት ከም ዘጋጠሙዋ ትዛረብ።

“ብርግጽ ኣብ ሓዳር ምኽንያቱት ዘይዕግበትን ዘይምሕጓሰን ኰይኑ መጺኡ’ዩ። ብዙሓት ሰባት 'ብሰንኪ ምሕርናኽ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኢና ክንድቅስ ጸኒሕና። ስለዚ ተፈላሊና ኢና’ ዝበሉኒ ነይሮም” ክትብል ገሊጻ።

እታ ጠበቓ፡ ኣብ ፍትሕ ልሙድ ዝዀነ ነገር፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ምርካብ ዕሽሽ ምባልን ነቲ ጉዳይ ብኣድማዒ መገዲ ንምፍታሕ ኣድላዪ ስጉምቲታት ዘይምውሳድን ምዃኑን፡ እዚ ድማ መሰረታዊ ሕቶታት ተወፋይነት ከም ዘመልክትን ትዛረብ።

“ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብኣይ ዝቐረበ ጉዳይ'ዩ፡ በዓልቲ ቤቱ 'ብቀደሙ'ውን ሕማቕ ሓርናኺ’ዩ ነይሩ። እዚ ግን ናይ ብሓቂ ኣብ ድቃሰይ ጽልዋ የሕድር ኣሎ። ንዕኡ ንምፍታሕ ዝዀነ ስጉምቲ ኣይወሰደን' ኢላ” ትብል።

ብዛዕባ ምሕርናኽ ወይ ምቁራጽ ምስትንፋስ ድቃስ እንታይ ክንገብር ንኽእል?

ንሕማም ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥም ምቁራጽ ምስትንፋስ ዝግበር ሕክምናታት፡ ናይ ኣነባብራ ለውጢ ምግባር ዘጠቓልል እዩ። እዚኦም ድማ፡

  • ምጕዳል ክብደት ሰብነት
  • ምቁራጽ ምትካኽ ሽጋራ
  • ምግዳብ ኣልኮላዊ መስተ

ብዙሓት ውልቀሰባት ግን፡ ‘CPAP’ (Continuous positive airway pressure) ተባሂሉ ዝፍለጥ መሳርሒ ምጥቃም ኣገዳሲ’ዩ ይብሉ።

እዚ፡ ቀስ ኣቢሉ ኣየር ናብቲ ክትድቅስ እንከለኻ ኣብ ኣፍካ እትገብሮ መሸፈኒ ኣፍ ወይ ኣፍንጫኻ የብጽሕ። በዚ፡ ኣብ እዋን ድቃስ ከጋጥም ዝኽእል ጸገማት ምስትንፋስ ይከላኸል።

ዶክተር ራማሙርቲ ሳትያሙርቲ፡ እቲ ዝሕርንኽ ወገን ሕክምናዊ ማዕዳ ንክሓትት ብምግባር ጥዕናኻን ጥዕና መጻምድኻን ምቕዳም ኣገዳሲ’ዩ ይብል።

“እዚ፡ ነቲ ዝምድናታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ብሰንኪ እቲ ኩነታት ንዝፈጥሩ ካልኦት ጉዳያት ጥዕና ክመጽእ ዝኽእል ወጻኢታት መድሃኒት ክህሉ ስለ ዝኽእሉ፡ ብመዳይ ቁጠባ’ውን ጠቓሚ ክኸውን'ዩ። ስለዚ ረብሓኡ ንሓፈሻዊ ስድራቤት’ዩ” ኢሉ።

‘CPAP’ ኣብ እዋን ድቃስ ጸገማት ምስትንፋስ ዝከላኸል መሳርሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ‘CPAP’ ኣብ እዋን ድቃስ ጸገማት ምስትንፋስ ዝከላኸል መሳርሒ

ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ማሕለኻታት

ኣብ ዙርያ ምሕርናኽ ዘሎ ኣረኣእያ ዝተፈላለየ ኰይኑ፡ እዚ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ረቛሒታት ከምኡ’ውን ጾታዊ ድርኺት ዘለዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሳማን (ሓቀኛ ሽሙ ኣይኰነን) ዝተባህለ ወዲ 40 ዓመት ሕደ-ጾታዊ ኣብ ስሪላንካ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ተቐባሊ ጋሻ እዩ።

ብዛዕባ ጾታኡ ካብ ስድርኡ ሓቢኡዎ እዩ ዘሎ። እቲ ኣብ ገዝኡ ዝርእዩዎ ኣፍቃሪኡ ድማ መናብርቱ/ ዓርኩ’ዩ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ።

“መጻምደይ ሓርናኺ’ዩ፤ ብኡ ምኽንያት ክድቅስ ኣይኽእልን። ኣደይ ክትበጽሓኒ ክትመጽእ እንከላ ጥራይ’የ ጽቡቕ ድቃስ ዘስተማቕር። ሽዑ ኣፍቃሪየይ እቲ ሓደ ክፍሊ ንኣደይ ስለ ዝገደፈላ (ናቱ መደቀሲ ክፍሊ’ዩ ኢላ መታን ክትሓስብ) ኣብ ሳሎን’ዩ ዝድቅስ። ኣብቲ እዋን ጥራይ’የ ጥዑም ድቃስ ዝረክብ” ኢሉ።

ወሲኹ፡ “ኣፍቃሪየይ ንነብሱ ከም ሓደ ኣንስታዊ ባህርያት ዘለዎ ሕደ ጾታዊ’ዩ ዝርእያ፤ ኣብ ባህልና ግን ምሕርናኽ ከም ተባዕታዊ ባህሪ እዩ ዝረአ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስኡ ምዝታይ ከይጐድኦን ንዓይ ክገድፈኒ ምኽንያት ከይኸውንን እሰግእ” ክብል ገሊጹ።

ሰልቫም ብወገና፡ ሰብኣያ ሓኪም ክውከስ ኣእሚናቶ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ጸገም ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥም ምቁራጽ ምስትንፋስ ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ክብደት ሰብነቱ ንምጉዳል ዝዓለመ ኣካላዊ ምንቅስቃሳት ብምጅማር ለውጢ ንምምጻእ ጻዕሪ ይገብር ከም ዘሎ ተዛሪባ።