እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጉዳፍ ጻጋይ፡ ኣብ እዋን ኵናት ሓድሕድ ሃገራ ቻምፕዮን ዓለም ዝኾነት ኣትሌት
ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ንዓመታት ኣብ ውድድር ጉያ ትሕሪ ምህላኻ’ያ ናይ 5000 ሜትሮ ቻምፕዮን ዓለም ክትከውን ክኢላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ነዚ ክብሪ ተጎናጺፋ ኣብ መድረኽ ደይባ ወርቒ መዳልያ ተሸሊማ፡ እዚ ሰፍ ዘይብል ዓወት ግን ውሽጣ ብሻቕሎት ስድራኣን ሃገራን እናተሓመሰ እንከሎ’ያ በጺሓቶ።
እዛ ጓል 25 ዓመት ኣትሌት፡ ምስ ወለዳን ኣሕዋታን ንሓያለ ኣዋርሕ ብኣካል ይኹን ብቴሌፎን ኣይተራኸበትን።
ጉዳፍ ተወላዲት ናይታ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022 ብኹናት ሓድሕድ ዝተሓመሰት ክልል ትግራይ’ያ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፌዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዝተወለዐ ኩናት ኣሽሓት ሰባት’ዮም ሞይቶም፡ እቲ ኵናት ሓድሕድ’ውን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ካብ ዝተራኣዩ ውግኣት እቲ ዝበዝሕ ሰብ ዘህለቀ ኵናት’ዩ።
እቲ ኵናት ሓድሕድ ምስ ጀመረ፡ ናብ ትግራይ ዘእቱ ኩሉ መስመራት ተዓጽዩ፡ ኣግልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን’ውን ኣብ መላእ እታ ክልል ተቋሪጹ።
ጉዳፍ ጸጋይ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃል መሕተት “ነቶም ናብዚ ዓወት እዚ ክበጽሕ ከይተሓለሉ ዝመኸሩን ዘስነቑን ኣቦይን ኣሕዋተይን ኣብ ዓወተይ ደዊለ’ውን ክረኽቦም ዘይክእለሉ እዋን’ዩ፡ ክትገልጾ’ውን ከቢድ’ዩ” ትብል።
ብምስዓብ “ን18 ኣዋርሕ ብኣካልይ ይኹን ብቴሌፎን ኣይረኸብክዎምን” ትብል።
ቅልስ ንዓወት
ጉዳፍ ጸጋይ፡ ሻቕሎታ ኣብ ውሽጣ ገይራ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ብዓልቤታን ኣሳልጣኒኣን ዝኾነ ሕሉፍ ይሕደጎ ብምዃን ብርቱዕ ልምምድ ትግበር ነይራ።
ብዓል ቤታ ኣብ እዋን ከበድቲ እዋናት እቲ ቀንዲ ሓይላ ምንባሩ’ውን ትገልጽ።
“ሕሉፍ ኣብ ገዛ ብዓል ቤተይ፡ ኣብ ሜዳ ኣሰልጣንየይ’ዩ፡ ኣብ እዋን ሓዘነይ ቀንዲ ጸግዐይን ደጋፍየይን’ዩ” ብምባል ኣብ ልዕሊ ብዓል ቤታ ዘለዋ ናእዳ ትገልጽ።
ጉዳፍ ጸጋይን ብዓልቤታን ሳላ ከይተሓለሉ ንነዊሕ እዋን ዝረሃጹ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝዓበየ ዓለማዊ ውድድር ፍረ ጻምኦም ሓፊሶም።
ኣብ ኦሪጎን ዓወት ክትጎናጸፍ ኣንከላ ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ናይ 1500 ሜትሮ’ውን ቀዳመይቲ ወጺኣ።
“ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸቕጥን ሻቕሎትን እንከለኹ’ውን ኣበርቲዐ ስለዝሰራሕኩ’ዩ ናብዚ ዓወት’ዚ ክበጽሕ ክኢለ፡ ነቲ ዓወት ከኣ ምስ ብዓል ቤተይን የዕሩኽተይን ኮይነ ጸንቢለዮ”
ጉዳፍ ብምስዓብ “ሓደ ዓትሌት ናብ ዝልዓለ ደረጃ በጺሐ’የ ክብል እንተኾይኑ ኣብ ኦሎምፒክን ቻምፕዮና ዓለምን ምስ ዝዕወት’ዩ፡ ኣን ኸኣ እዚ’ዩ ነይሩ ሕልይ፡ በጺሐዮ ኸኣ” ትብል።
ጉዳፍ ኣብ ኦሮጎን ቀዳመይቲ ምስ ወጽአት ሓደ ባንዴራ ትግራይ ዝሓዘ መንእሰይ ንሓለውቲ እቲ ሜዳ ጥሒሱ ብምእታው ሓቒፍዋ። ከይደንጎዩ ግን ሓለዋ እቲ ሜዳ መጺኦም ደፊኦም ኣውጺኦሞ።
እቲ ባንዴራ ትግራይ ሒዙ ናብ ሜዳ ዝኣተወ መንእሰይን ካልኦትን ኣብ ከባቢ እቲ ጸወታ ዝካየደሉ ዝነበረ ሜዳ ሃይዋርድ ብምዃን ዓለም ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ንኽፈልጥ ሰልፊ የካይዱ ነይሮም።
ዓወት ናይ ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ኣሜሪካ’ዩ ነይሩ፡ እቲ ኵናት ከኣ ኣብ ኣፍደገ መዳሕንቲ ጉዳፍ ዝተቐበረሉ ቤት’ዩ ዝካየድ ነይሩ።
ዘባህርር ለይቲ
ታሕሳስ 2021 ጉዳፍን ብዓል ቤታን ደቂሶም እንከለዉ፡ ለይቲ ምድሪ ሰራዊት መንግስቲ ናብ ገዝኦም ብምምጻእ ንብዓል ቤታ ይሕደጎ ወሲዶሞ።
እዚ ፍጻም ልዕሊ ዓመት’ኳ እንተገበረ ክሳብ ሎሚ ለይቲ ግን የባህርራ ኣሎ።
“ኣዝዩ ዘሰንብድ ክስተት’ዩ ነይሩ፡ እዚ ክምጽእ’ዩ ኢለ ፈጺመ ሓሲበ ኣይፈልጥን’የ፡ ንሕና ኣትሌታት’ምበር ፖሎቲከኛታት ኣይኮናን፡ ስፖርት ጥራይ ኢና ንፈለጥ. . .”
“. . . ምሉእ ለይቲ ክበኪ ሓዲረ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ማዕጾ ናይ ገዛና እንተተኳሕኲሑ ሕጂ ኸኣ ንዓይ ክወስዱኒ መጺኦም እናበልኩ’የ ዝሰንብድ ነይረ”
ኣብ ውድድራ ብግቡእ ከተተኵር ኣይክኣለትን፡ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ፈረንሳ ከተካይዶ ሓሲባ ዝነበረት ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ሰሪዛቶ።
“ቅድሚኡ ጽቡቕ ልምምድ ኣካይደ ኣብ ጽቡቕ ቑሞና’የ ነይረ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ገዛይ ዘጋጠመ ጸገም ግን ኣቶኵሮይ ተሰሪቑ’ዩ ነይሩ” ብምባል ንምንታይ ነቲ ውድድር ከምዝሰረዘቶ ጉዳፍ ትገልጽ።
ሕሉፍ ካብ ገዝኡ ብለይቲ ምስ ተወሰደ ንጽባሓይቱ’ዩ ተፈቲሑ፡ እንተኾነ እቶም ዝወሰድዎ ወተሃደራት “ጁንታ ኢኻ” [መንግስቲ ንዕጡቓት ተጋሩን ተሓባበርቶምን ንምግላጽ ዝጥቐመሉ ቃል] ስለዝበልዎ ብቀጻሊ ኣብ ስክፍታ ይነብር ምንባሩ ይሕብር።
ሕሉፍ ይሕደጎ ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት “ለይቲ ምድሪ ዕስራ ወተሃደራት መጺኦም’ዮም ካብ ገዛይ ወሲዶሙኒ” ይብል።
ብምስዓብ “ንህወሓት ከምዝሕግዝ፡ ንተጋሩ ኣትሌታት ናብ ደገ ከምዝሰዶምን ኣብ ገዛ ዶላር ሓቢአ ከምዘለኹን’ዮም ሓቢሮሙኒ፡ ንገዛና ፈቲሾሞ፡ ሕጂ ክትዛረበሉ ቀሊል’ዩ ኣብ እዋኑ ግን ኣዝዩ በዳሂ’ዩ ነይሩ” ይብል ይሕደጎ።
እዞም ሰብ ሓዳር ነቲ ጸበባ ዝነበሮ እዋን ስለዝሓለፍ ሕጂ ብሓበን’ዮም ዝዝክርዎ።
ድሕሪ ውዕል ሰላም’ውን ትጽቢት ኣየቋረጸን
ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ውዕል ሰላም ተኸቲሙ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ከኣ ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒከሽን ኣብ ትግራይ ዳግማይ ጀሚሩ፡ ጉዳፍ ጸጋይ’ውን ናብ ስድራኣ ብምድዋል፡ ነቲ ኣብ ውሽጣ ተዓብዒቡ ዝነበረ ናፍቖት ከተውጽእ ክኢላ።
“ድሕሪ ውዕል ሰላም ስድራይ ደዊሎም ሓጎሶም ገሊጾሙለይ” ትብል።
“ስድራይ ንዓወተይ ብዓይኖም እንተዝርእይዎን ኣብ ጎነይ እንተዝነብሩን ክንደይ ባህ ምበለኒ፡ ምስ ደወሉለይ ነቲ ውድድር ብተለቪዥን ከምዝርኣይዎን ብሓጎስ ከምዝነብዑን የዕሊሎሙኒ” ትብል ጉዳፍ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ንኣትሌታት ትግራይ ብጥርኑፍ ናብ ከተማ መቐለ ከምዝበጽሑ ገይሩ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ጉዳፍ ጸጋይ ነቶም ኣብ መቐለ ዝነብሩ ኣዕሩኽታ’ምበር ንስድራኣ ክትረኽቦም ኣይክኣለትን።
“እቲ መገሻ ሃንደበት ስለዝነበረ ንወለደይን ንኣሕዋተይን ክረኽቦም ከምዘይክእል እናተረድኣኒ’የ ከይደ. . .”
“. . . ስድራይ ኣብ ገጠር’ዮም ዝነብሩ፡ ምዓስ ናብ መቐለ ከምእንመጽእ ኣቐዲመ ክነግሮም ኣይክኣልኩን፡ እንተኾነ ንዓደይ ምብጸሓይን ንፈተውተይን ፈለጥተይም ምርካበይ ኣዝዩ’ዩ ኣሐጒስኒ” ትብል።
ሕልሚ ኦሎምፒክ
ጉዳፍ ንስድርኣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክትረኽቦም ብዓልቲ ምሉእ ተስፋ’ያ።
ሕጂ ግን ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዶሓ ዝካየድ ‘ዳይመንድ ሎግ’ እያ ትዳሎ ዘላ።
ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣብ ዝግበር ውድድራት ዓቢ ዓወታት ዝርኣየትሉ ወቕቲ’ያ ኣሕሊፋ። ኣብ ሓደ ማይል ካብ ዓለም ካልኣይቲ ዝቐልጠፈት ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን እንከላ ኣብ ናይ 3000 ሜትሮ ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ኸኣ ዓለማዊ ሪከርድ ንክትሕዝ ብ0.09 ካልኢት ጥራይ እያ ድሒራ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ቡዳፔስት ኣብ ዝካየድ ቻምፕዮና ዓለም ነቲ ኣብ 5000 ሜትሮ ሒዛቶ ዘላ ዓለማዊ ሪከርድ ንክትዕቕብን ንኸተመሓይሽን ኣበርቲዓ ትሰርሕ ኣላ።
ብዘይካ እዚ ነቲ ኣብ 2024 ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኦሎምፒክ’ውን ብርቱዕ ምድላዋት’ያ ትገብር ዘላ።
“ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ደጊመ ክዕወት ይዳሎ ኣለኹ”
“ናይ ውሽጢ ገዛ ቻምፕዮና’የ፡ ኣብ ናይ 5000 ሜትሮ’ውን ዝበለጸ ግዜ ሒዘ ኣለኹ እንተኾነ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ኣብ 5000 ሜትሮ ነሓስ መዳልያ ስለዝወሰድኩ ሕጂ ነዚኣ ወርቒ ንምግባራ’የ ዝሰረሕ ዘለኹ፡ ሕልማይ ከምዝበጽሖ ኸኣ እምንቶ ኣለኒ” ትብል ጉዳፍ ጸጋይ።