እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓድሽ ታሪኽ ብምምዝጋብ ተዓዊታ
ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ትማሊ ረቡዕ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ገዛ ውሽጢ ውድድር ‘ወርልድ ኢንዶር ማይል’ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ።
ኣብ ቶሩን ፖላንድ ንዝተኻየደ ውድድር ብ4 ደቒቕ 16 ካልኢትን 16 ንኡስ ካልኢትን ዝዛዘመቶ ኮይና ብደረጃ ዓለም ካልኣይ ዝቐልጠፈ ናይ ውሽጢ ገዛ ማይልስ ሰዓት ኣመዝጊባ።
እታ ኣብ 2021 ኣብ ሊቪን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ‘ወርልድ ኢንዶር’ ን1500 ሜትሮ ብ3፡53.09 ዛዚማ ክብረወሰን ዓለም ዘመዝገበት ጓል 26 ዓመት ኣትሌት ናብቲ ናይ ትማሊ ውድድር ክትኣትው ከላ ነቲ ብገንዘቤ ዲባባ ተታሒዙ ዝነበረ ሰዓት ከተመሓይሽ ውጥን ነይርዋ።
ኣብቲ ብ2016 ዝተኻየደን ገንዘቤ 4:13.31 ክብረወሰን ዘመዝገበትሉ ውድድር ጓል 18 ዓመት ኮይና ዝተሳተፈት ጉዳፍ ፀጋይ ካልኣይቲ ወፂኣ ነይራ።
ሽዑ ነቲ ውድድር ብ4፡24.98 ከምዝዛዘመቶ ይዝከር።
ሎሚ ድማ ድሕሪ 7 ዓመትን 6 ዓለማዊ መዳልያታትን ኣብ ታሪኽ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ውሽጢ ገዛ ማይል ብስማ ከተመዝግብ በቒዓ።
ሻምፕዮን ዓለም 5000 ሜትሮን ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ 1500 ሜትሮን ትማሊ ካብ ምጅማር እቲ ውድድር ኣትሒዛ ዝበለፀ ሰዓት ክተመዝግብ ክትፅዕር ተራእያ እያ።
ንዝረኸበቶ ዓወት ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ሎሚ ክብረወሰን ዓለም ክሕዝ ተስፋ ገይረ ነይረ፤ ግን ድማ ኣትሌቲክስ ከምኡ'ዩ። ኣብ ልምምድ ፅቡቕ ከም ዘለኻ ክስምዓካ ይኽእል ኣብ ውድድር ግን ኩሉ ግዜ ዝደለኻዮ ኣይትገብርን ኢኻ። ሕጂ’ውን እቲ ክብረወሰን ዓለም ሓደ መዓልቲ ናተይ ክኸውን ተስፋ እገብር” ምባላ ዌብሳይት ወርልድ ኣትሌቲክስ ኣመልኪቱ።
ቁሩብ ብዛዕባ ጉዳፍ
ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ፡ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ቦራ እያ ተወሊዳ።
ስፖርት ኣብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝጀመረቶ እትዛረብ ጉዳፍ፡ ናይ መጀመርታ ውድድራ ኣብ መወዳእታ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ ንእሽቶ ውድድር ተወዳዲራ፡ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ቀዳመይቲ ብምውጻእ ክብረወሰን [ሪከርድ] ሰይራ ከም ዝመጽአት ትጠቅስ።
ብ2021 ድማ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 1,500 ሜትሮ ናይ ውሽጢ ገዛ ጉያ ሓድሽ ክብረወሰን ከም ዘመዝገበት ይዝከር።
እቲ ዘመሓየሸቶ ክብረወሰን፡ ኣብ 2014 ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ኣብ ካርልስሩሄ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ እዩ።