'ሃንደበት ስለ ዝኸድና ቤተሰብ ከይረኸብኩ'የ ተመሊሰ' - ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ብዝያዳ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብዘመዝገብኦም ዓወታታት፡ ድሙቕ ታሪኽ ሒዛ ተመሊሳ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ፣ ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ ኣብ ውድድር ማራቶን ከምኡ’ውን ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ውድድር ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ወርቂ ሜዳልያ ክዕወታ እንከለዋ፡ ገሊአን ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊበን እየን።

ኣብ ውድድር 1,500 ሜትሮ ንኢትዮጵያ ዝወከላ ኣትሌታት - ኣብ 2019 ሻምፒዮና ዓለም፡ ነሓስ ሜዳልያ ዝነበራን ኣብ 2021 ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ክብረወሰን ዓለም ዝሰበረትን ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ፣ ደቂ ጋንትኣ ለምለም ሃይሉን ኣክሱማዊት እምባየን - ኩለን ካብ ክልል ትግራይ እየን ነይረን።

ኣብዚ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ብሓደ ግዜ፡ ብብዝሕን ዓይነትን ሜዳልያ ዝለዓለ ቑጽሪ ዘመዘግበትሉ ውድድር፡ ተጋሩ ኣትሌታት ጸብለል ኢለን ክርኣያ እንከለዋ፡ ጐና ጐኒ እቲ ዓወታተን መዘራረቢ ዝዀነ ሓደ ጉዳይ ነይሩ።

ንሱ ድማ፡ እቶም ካብ ትግራይ ዝመጽኡ ኣትሌታት፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዳርጋ ሓደ ዓይነት ብድሆ ነይሩዎም።

መብዛሕትኦም ካብ ሓረስቶት ስድራ ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ወለዶም ኣብቶም ጽዑቕ ኲናት ዝካየደሎም ዝነበረን ዝዀነ ዓይነት መስመር መራኸቢታት ዘይነበሮምን ከባቢታት ዝነብሩ ብምዃኖም፡ ድሃይ ስድራ ንምርካብ ተጸጊሞም ጸኒሖም’ዮም።

ናይዚ ጽልዋ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ኦሪገን ዝተኻየደ ሻምፒዮና ዓለም ዓወታት ኣብ ዘመዝገብሉ እዋን፡ ብንብዓት ዝተሰነየ ስምዒታቶም ክገልጹ ተራእዮም’ዮም።

ንኣብነት፡ ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ፡ ክብረወሰን ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ብምስባር ሜዳልያ ወርቂ ድሕሪ ምዕታራ፡ እቲ ዓወት ዝፈጠረላ ስምዒት ተሓቲታ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ሰላም ኰይኑ፡ ወለደይ ከምዚ ከማይ ክሕጐሱ’ዩ ትምኒተይ” ምስ በለት፡ ንብዓት ከም ዝቐደማ ይዝከር።

ድሕሪ እቲ ውድድር፡ እቶም ኣትሌታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቀባብላ ክግበረሎም እንከሎ፡ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ፡ ተጋሩ ኣትለታት ምስ ወለዶም ዝራኸቡሉ መገዲ ክኸፍቱ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ጻውዒት ገይራ ነይራ።

 ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን፡ እቲ ክልተ ዓመት ዝገበረ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ንከብቅዕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ድሕሪ ምፍራሞም፡ እቶም ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ተቛሪጾም ዝነበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ኣየር፣ ባንክን ቴሌኮምን ናብ ንቡር ክምለሱ ጀሚሮም ኣለው።

ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ናብ መቐለ ዝነበረ በረራ መገዲ ኣየር፡ ምስ ስድርኦም ተፈላልዮም ዝነበሩ ተጋሩ ናብ መቐለ ምስ ኣተው ክነብዑን መሬት ክስዕሙን ተራእዮም።

እቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን መድረኻት ነታ ሃገር ዝወከሉ ተጋሩ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን ብምሓዝ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ናብ መቐለ ዝተጉዓዘ ጉጅለ’ውን፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበጽሕ ተመሳሰልቲ ስምዒታት ኣንጸባሪቘም።

ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ፡ ሓንቲ ካብቶም ምስ ወለዳ ክትራኸብ እንከላ ብማዕከናት ዜና ትግራይ ዝተራእዩ ኣትሌታት ኰይና፡ “ሰላም ንዅሉ ኣድላዪ’ዩ፤ ሰላም ስለ ዝዀነ ወለደይ ረኺበ። ንዓይ ሰላም እዩ” ክትብል ንመራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ዝሃበቶ ርኢይቶ ገሊጻ።

ወናኒት ሰለስተ ክብረወሰናት ዓለም ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብወገና፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ቤተሰብ ተፈሊኻ ምጽናሕ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ሕጂ ሰላም ምምጽኡ ከም ዘሐጐሳ ተዛሪባ።

“እቲ ስምምዕ ሰላም፡ ንሕና ቤተሰብና ርኢና ንክንምለስ፣ ስራሕና ንክንሰርሕ ገይሩ’ዩ። ኣብ ስፖርት ዘለና ሰላም ኢና ንሰብኽ፤ ሰላም እንተልዩ ኩሉ ነገር ስለ ዝህሉ ድሕሪ ሕዚ’ውን በዚ ንክሕግዙና፣ ባንክን መገድን ንክኽፈት እየ መልእኽተይ ዘሕልፍ” ኢላ።

እቶም ኣትሌታት ብሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመልሱ ኰይኖም፡ ብሰንኪ ናይ ግዜ ሕጽረትን ጸገም መጓዓዝያን ከምኡ’ውን ኔትዎርክ ስልኪ ምስ ስድርኦም ከይተራኸቡ ዝተመልሱ ከም ዝርከብዎም ይግለጽ።

“ቤተሰበይ ከም ዘይመጽኡ ይፈልጥ ነይረ’የ”

ኣብ መቐለ ዝነበሮም ጻንሒት ሓጺር ከም ዝነበረ እትገልጽ ኣትሌት ጉዳፍ፡ ቤተሰብ ንምርካብ ዝተጻበበ ግዜ’ዩ ነይሩ።

ብኣውርኡ፡ ስድራቤታ ኣብ ገጠር ዓድዋን ቦራን (ዞባ ደቡብ ትግራይ) ስለ ዝነብሩ ናብ መቐለ ክመጽኡ ኣይክኣሉን ክትብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ሓጺር ቃለ መሕትት ገሊጻ።

“ሃንደበት’ውን ስለ ዝኸድና፡ ንሰለስተ ሰዓት ጥራይ ጸኒሕና ኢና ተመሊስና፤ ኔትዎርክ’ውን ስለ ዘይሰርሕ ስልኪ ክድውል ኣይክኣልኩን። ካብ ዓድዋ ናብ መቐለ’ውን መገዲ ዕጽው’ዩ፤ ቦራ’ውን በቲ ዘሎ ኩነታት ኔትዎርክ ኣይሰርሕን። ምስቲ ዘሎ ኩነታት ቤተሰብ ብዙሕ ኣይረኸብናን፤ ግን ድማ መተዓብይትኻ ረኺብካ፣ ዓድካ ረጊጽካ ክትምለስ እንከለኻ፡ ዝስምዕካ ደስታ ኣሎ፤ ሕጉስቲ እየ” ትብል።

ኣትሌት ጉዳፍ፡ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 2022፡ ኣብ ውድድር 5,000 ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ወርቂ ሜዳልያ ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ ውድድር 1,500 ሜትር ድማ ብሩር ሜዳልያ ከም ዝተዓወተት ይዝከር።

ቅድሚኡ፡ ጉዳፍ ኣብ 2021፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ብውድድር 5,000 ሜትር ዓለምለኻዊ ሜዳልያ ነይሩዋ።

ኣብቲ ውድድር ዝነበራ ሜዳልያ ነሓስ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኦሪገን ግን ወርቂ ሜዳልያ ክትረክብ ክኢላ እያ።

ነዚ ስዒቡ፡ ጉዳፍ ኣብ ታሪኽ ሻምፒዮና ዓለም ውድድር 5,000 ሜትር ወርቂ ብምምጻእ ንዝፍለጣ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጥሩነሽ ዲባባ፣ መሰረት ደፋርን ኣያናን ስዒባ ወርቂ ሜዳልያ ዝዓተረት ራብዐይቲ ኣትሌት ኰይና እያ።

“ኣብ ዓዲ [ትግራይ] በጺሕኻ ምምጻእ ዓብዪ ነገር ስለ ዝዀነ’የ ከይደ፤ ዓድኻ ርኢኻ ምምጻእ ማለት ቤተሰብካ ርኢኻ ምምጻእ ማለት እዩ። ትማሊ ኣጆኺ ኢሉ ዝደገፈካ ርኢኻ ምምጻእ ዓብዪ ነገር እዩ። ቤተሰበይ ግን ምስቲ ዘሎ ኩነታት ከም ዘይመጽኡ ይፈልጥ ነይረ’የ” ትብል ኣትሌት ጉዳፍ።

ጐያዪ ነዊሕ ርሕቐት ዝነበረ ኣሰልጣኒ ሕሉፍ ይሕደጐ እውን ምስቲ ናብ መቐለ ዝተጉዓዘ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ሓቢሩ እኳ እንተኸደ ንሱ’ውን፡ ስድርኡ ከይረኸበ ከም ዝተመልሰ እዩ ዝዛረብ።

“ጉዕዞና ሃንደበት’ዩ መጺኡ፤ ግን ህዝብና ናፊቕና ስለ ዝነበርና ርኢና ክንመጽእ ኢልና ኢና ብሃንቀውታ ከይድና። እቲ ህዝቢ ዳርጋ ከም ቤተሰብና ስለ እንሓስቦ እምበር ናይ ቀረባ ቤተሰብና እኳ ኣይረኸብናን። ኣነ ስድራይ ዓድዋ እዮም ዘለው፤ ዓድዋ ከባቢ ክኣ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ስለ ዘለው ክመጽኡ ኣይኽእሉን” ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ሕሉፍ፡ በዓል ቤትን ኣሰልጣንን ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ’ውን’ዩ።

እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ምኽንያት ሞት ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ከቢድ ዕንወትን ምምዝባል ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባትን ኣስዒቡ’ዩ።

ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ፡ ምቁራጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ከምኡ’ውን ድሩት ፍቓድ ሚዲያታት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ተሞክሮን እንታይ ከም ዝመስል ምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዩ።

ስምዒታት ዝተሓዋወሶ ናይ ዓወት ዓመታት

ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ፡ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ቦራ እያ ተወሊዳ።

ስፖርት ኣብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝጀመረቶ እትዛረብ ጉዳፍ፡ ናይ መጀመርታ ውድድራ ኣብ መወዳእታ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ ንእሽቶ ውድድር ተወዳዲራ፡ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ቀዳመይቲ ብምውጻእ ክብረወሰን [ሪከርድ] ሰይራ ከም ዝመጽአት ትጠቅስ።

ብ2021 ድማ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 1,500 ሜትር ናይ ውሽጢ ገዛ ጉያ ሓድሽ ክብረወሰን ከም ዘመዝገበት ይዝከር።

እቲ ዘመሓየሸቶ ክብረወሰን፡ ኣብ 2014 ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ኣብ ካርልስሩሄ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ እዩ።

ጉዳፍ እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ኲናት ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት በዳሂ እዋን እኳ እንተነበረ ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገበትሉ ከም ዝነበረ ትዛረብ።

“ውጽኢት ከነምጽእ እንከለና፡ ቤተሰብና ደዊሎም እንኳዕ ደስ በለኪ ክብሉኻ ኣብ ዘይኽእል ኩነታት ኢና ነይርና፤ ግን ድማ ንስራሕና ትኹረት ሂብና ብምስራሕና፤ በዓል ቤተይ’ውን ስለ ዝሕግዘኒ ዓወት ከነምጽእ ክኢልና ኢና” ብምባል፡ ኣብ ዓመተ 2021 ከምኡ’ውን 2022 ዓበይቲ ዓወታት ምምዝጋባ ገሊጻ።

“ንዓይ፡ 2021 ጽቡቕ ዓመት እዩ ነይሩ፤ ሪከርድ [ክብረወሰን] ዝሰበርኩሉ’ዩ። ብሰለስተ ሽሕ ሜትር’ውን ካብ ዓለም ካልኣይ ፈጣን ሰዓት ዝጐየኹሉ፣ ኣብ 800 ናሽናል ሪከርድ ዘምጻእኹሉ’ዩ። 2022 ድማ፡ ኣብ ኢንዶር ናይ ዓለም 2ይ ፈጣን ሰዓት እየ ጐየ፣ ኣብ 5,000ን 1,500 ክልተ ወርቂ ዘምጻእኹሉ’ዩ፣ ብልጽቲ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ተባሂለ’ውን ዝተመረጽኩሉ ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ዓመት’ዩ ነይሩ” ትብል።

ኣትሌት ጉዳፍ፡ ኣብ ውድድር 5,000 ሜትር ብቐጥታ ናብ ሻምፒዮና ዓለም ስለ ዝሓለፈት፡ ኣብዚ ቅልጡፍ ሰዓት ብምጉያይ ንኦሎምፒክ ከም እተመዓዱ ገሊጻ።

ኣብ ኣትሌቲክስ እቲ ዝዓበየ ነገር ንሓድሕድካ ምድግጋፍ እዩ እትብል ጉዳፍ፡ “እቲ ስምዒት ዝኸበደ እንተኸበ፡ ኣብ ዝወፈርካሉ ዓውዲ ተዓዋቲ ክትከውን ስለ ዘለካ፡ ኣብ ስራሕኻ ትኹረት ምግባር ኣገዳሲ’ዩ” ኢላ።