እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ኣውስትራሊያ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙዋ?
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝተኻየደ መበል 44 ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈት ኰኸብ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ምዝዛም እቲ ውድድር ትጽቢት ዘይተገብረ ጉድኣት ኣጋጢሙዋ ካብቲ ውድድር ከም ዝወጽአት ይዝከር።
ለተሰንበት ነቲ ውድድር ክትዕወተሉ’ያ ዝብል ልዑል ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ መስመር ዕውትነት እቲ ውድድር ክትሓልፍ ሒደት ሜትራት ክተርፍኣ እንከለዋ ሃንደበት ብዘጋጠማ ጉድኣት እግራ ምእዛዝ ኣብዩዋ ወዲቓ።
ኣሰልጣኒ እታ ኣትሌት ሃይለ እያሱ ናብቲ ናይ ውድድር ሜዳ ብምእታው ካብ ዝወደቐትሉ ንክተለዓል ብምሕጋዝ ንመስመር ፍጻመ እቲ ውድድር ክትሓልፍ እኳ እንተገበረ፡ ካብቲ ውድድር ወጻኢ ኰይና።
በዚ ምኽንያት ኬንያዊት ቢያትሪስ ቺበት ነቲ ውድድር ተዓዊታትሉ።
ኣትሌት ለተሰንበት ትማሊ ሰኑይ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ እንከላ፡ ኣብቲ ውድድር ዝነበረ ከቢድ ዋዕን ካልኦት ጉዳያትን ተደራሪቦም ጸቕጢ ከም ዝፈጠሩላ ኣሰልጣኒኣ ሃይለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ መጠን ዋዒ 30/40 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ብምዃኑ ነቶም ኣትሌታት ክፍትኖም ይኽእል እዩ ብዝብል እቶም ለተሰንበትን ኣሰልጣኒኣን እቲ ዋዒ ንምጽዋር ዝተፈላለዩ ሜላታት ንምጥቃም ወሲኖም እቲ ውድድር ተጀሚሩ።
እቲ ኣሰልጣኒ ከም ዝብሎ ለተሰንበት እቲ ውድድር ንምዝዛም ኣብ ዘኽእላ ዓቕሚ ከም ዝነበረት ተዛሪቡ።
“ናይ ዓቕሚ ጸገም ኣይነበራን፤ ነቲ ውድድር ዝምጥን ብቕዓት ሒዛ እያ ከይዳ”።
ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ መጠን ሙቐት፣ ቅድም ክብል ካብ ዝገበረቶም ተደራረብቲ ውድድራት እኹል ዕረፍቲ ብዘይምርካብን ናብ ኣውስትራሊያ ዝገበረቶ ነዊሕ ጉዕዞ ዝፈጠሮ ድኻምን ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዝፈጠሩላ ይጠቅስ።
ኣብቲ ውድድር “ሓደ ኪሎ ሜትሮ ክተርፋ እንከሎ ኣወጻጽእኣ ጽቡቕ ኣይነበረን። ነዚ ሙቐት ተወሲኹዎ ቁሩብ ቴክኒካዊ ጸገማት’ውን ነይሮም። ቀልጢፋ እያ ነቲ ዓቐብ ወጺኣቶ፤ ሓንቲ ትነሓንሓ ቈልዓ ስለ ዝነበረት ነቲ ዓቐብ ዝነበሮ ቦታ ቛሪጻ ገዲፋታ ከይዳ” ይብል ነቲ ኩነታት ከረድእ እንከሎ።
ወሲኹ፡ “እዚ ዝፈጠሮ ምዝባዕን ከቢድ ሙቐትን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ፈሳሲ ብረሃጽ መልክዕ ስለ ዝተጸንቀቐ (ዲሃይድሬሽን) ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩላ፤ ናብ መወዳእታ ክትጽጋዕ እንከላ እግራ ምኻድ ኣብዩዋ ወዲቓ” ክብል ተዛሪቡ።
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም ብነዊሕ ርሕቐት ውድድራት ካብ ዝስመያ ኰኸባት ደቂ ኣንስትዮ ተወዳደርቲ ሓንቲ እያ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝካየዱ ዓበይቲ ውድድራት ንክትሳተፍ ኩሎም ኣዳለውቲ ውድድራት ይጠልቡዋ።
ለተሰንበት “ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቫሌንሺያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን 2፡16፡46 ጎያ እያ። ድሕሪ እዚ ውድድር እኹል ዕረፍቲ እንከይገበረት ናብ ኣውስትራሊያ ኣምሪሓ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ዝተገብረ ውድድር እዩ” ክብል ሃይለ ይዛረብ።
ብተወሳኺ፡ ድሕሪ እቲ ቫሌንሽያ ዝተኻየደ ውድድር ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ጃንሜዳ (ኣዲስ ኣበባ) ኣብ ዝተኻየደ ውድድር መሮር ተሳቲፋ እያ።
እዞም ተደራረብቲ ውድድራት ድማ ሰብነታ ዘድልዮ ዕረፍቲ ከይረክብ ከም ዝገበሩ እቲ ኣሰልጣኒ ሓቢሩ።
ለተሰንበት ብ2017 እያ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ውድድር መሮር ተሳቲፋ። ድሕሪኡ ግን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኲናትን ስለ ዘጋጠመ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ውድድራት ትራክ ክትሳተፍን ንዕኡ ዝኸውን ልምምዳት ክትገብርን ከም ዝጸንሐት ኣሰልጣኒኣ ገሊጹ።
ኣትሌት ለተሰንበት፡ ተዓዋቲት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ከምኡ’ውን ወናኒት ክብረ ወሰን ስለ ዝዀነት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ውድድር ሻምፒዮና ዓለም ከም እትሳተፍ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እታ ኣትሌት፡ ኣብ ውድድራት 10 ሽሕ ሜትሮ፣ 5 ሽሕ ሜትሮ ከምኡ’ውን ፍርቂ ማራቶን ሰለስተ ክብረ ወሰናት ኣለዋ።