መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ

ጁሊያን ኣሳንጅ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕልፎ ግዜ ከም ዘየለ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጁሊያን ኣሳንጅ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕልፎ ግዜ ከም ዘየለ ተገሊጹ

መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ድሕሪ እቲ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ሕጋዊ ሞገት፡ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝወጽአ ተገሊጹ።

ወዲ 52 ዓመት ኣሳንጅ፡ ብውዲት ሓበሬታ ምክልኻል ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብ ከም ዝተኸሰሰ ይዝከር::

ኣመሪካ፡ ሰነዳት ዊኪሊክስ - ብዛዕባ ኲናት ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ሓበሬታ ዘቃልዑ - ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተዉ ክትምጉት ጸኒሓ'ያ።

ኣሳንጅ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሪጣንያ እዩ ኣሕሊፍዎ፤ ካብኡ ዀይኑ ድማ ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ከይወሃብ ክቃለስ ጸኒሑ።

ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ፡ ኣሳንጅ ኣብ ኣመሪካ ከምዘይእሰርን እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘሕለፎ ማእሰርቲ ኣብ ግምት ከም ዝኣቱን ሓቢራ።

ካብ ክፍሊ ፍትሒ ዝወጽአ ደብዳበ ኣሳንጅ ናብ ኣውስትራልያ ክምለስ ምዃኑ ይሕብር።

ዊኪሊክስ፡ ኣሳንጅ ድሕሪ 1901 መዓልታት፡ ትማሊ ሰኑይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቤልማርሽ ወጺኡ ክብል ብኤክስ ሓቢሩ።

“ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ተፈቲሑ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ስታንስተድ ተበጊሱ” ናብ ኣውስትራልያ ክምለስ ምዃኑ እቲ መግለጺ ወሲኹ ጠቒሱ።

ዊኪሊክስ ኣብ ዝዘርግሖ ምስሊ፡ ሰማያዊ ማልያን ጂንስ ስረን ተኸዲኑ ዝነበረ ኣሳንጅ፡ ቅድሚ ናብ ነፋሪት ምድያቡ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክውሰድ እንከሎ የርኢ። እንተዀነ፡ ቢቢሲ ነቲ ቪድዮ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

በዓልቲ ቤቱ ስቴላ፡ “ንኩሎም ኣብዚ ንክብጻሕ ንዓመታት ጐስጓስ ዝገብሩ ዝነበሩ የመስግን" ክትብል ብኤክስ ገሊጻ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ስምምዕ - ብሓደ ክሲ ገበነኛ ምዃኑ ክኣምን ዝገብር ክኸውን እንከሎ፡- ጽባሕ ሮቡዕ 26 ሰነ 2024 ኣብ ደሴታት ሰሜናዊ ማርያና ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።

እተን ርሑቓት ደሴታት ፓስፊክ ኣካል ኮመንዌልዝ ኣመሪካ ኰይነን፡ ካብተን ኣብ ሃዋይ ወይ ኣመሪካ ዝርከባ ፌደራላዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ዝያዳ ናብ ኣውስትራልያ ይቐርባ።

ኤኤፍፒ ንወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣውስትራልያ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቲ ጉዳይ “ንነዊሕ እዋን ከም ዝተጓተተ” ገሊጹ።

ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ካብ ጠበቓኡ ሪቻርድ ሚለር ርኢይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ቢቢሲ’ውን ኣብ ኣመሪካ ንዝርከብ ጠበቓኡ ንምርካብ ፈቲኑ’ዩ።

ንሱን ጠበቓታቱን ንነዊሕ ዓመታት፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ’ዩ ኢሎም ክማጐቱ ጸኒሖም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኣሳንጅ ዝቐረበ ክሲ ንክቋረጽ ካብ ኣውስትራልያ ዝቐረበ ጠለብ ይሓስበሉ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ፡ ኣሳንጅ ናብ ኣመሪካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝምልከት ይግባይ ክብል ከም ዝኽእል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ምውሳኑ ስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ መስርሕ ፍርዲ ብኸመይ ከም ዝካየድን ናይ ምዝራብ መሰሉ ክግሃስ ድዩ ኣይግሃስን ዝብል መረጋገጺ ኣመሪካ ክካትዓሉ ኣኽኢልዎ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ውሳነ፡ በዓልቲ ቤቱ ስቴላ ንጋዜጠኛታትን ደገፍቲ ኣሳንጅን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ምምሕዳር ባይደን “ካብዚ ዘሕፍር ክሲ ክርሕቕ ኣለዎ” ኢላ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ ፈለማ ነቲ መስራቲ ዊኪሊክስ፡ ብ18 ክስታት - መብዛሕትኡ ብመሰረት ሕጊ ስለያ - ምስ ውግኣት ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝተሓሓዙ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ መዛግብትን ዲፕሎማስያዊ መልእኽትታትን ኣመሪካ ብምቅላዕ ክፈርድዎ ደልዮም ነይሮም።

ዊኪሊክስ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ካብ ኢንዳስትሪ ፊልም ክሳብ ሃገራዊ ድሕነትን ኲናታትን ዝጥምቱ ኣሽሓት ሚስጢራዊ ሰነዳት ክሕትም ጸኒሑ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዊኪሊክስ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ካብ ኢንዳስትሪ ፊልም ክሳብ ሃገራዊ ድሕነትን ኲናታትን ዝጥምቱ ኣሽሓት ሚስጢራዊ ሰነዳት ክሕትም ጸኒሑ ኣሎ

ኣሳንጅ፡ ንዊኪሊክስ ብ2006 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ክምስርቶ እንከሎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ድሒሩ “ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ብዝለዓለ ደረጃ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣትዮም” ክብል ዝገለጾም ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰነዳት ከም ዘሕተመ ይገልጽ።

ኣብ 2010 እቲ መርበብ ሓበሬታ ካብ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ዝተረኽበ ቪድዮ ኣውጺኡ ነይሩ።

እዚ ድማ ክልተ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ዝርከብዎም ልዕሊ 12 ሲቪላት ዒራቕ ኣብ ባቕዳድ ከም ዝተቐትሉ ዘርኢ እዩ።

ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ተሓባበርቲ ኣሳንጅ ዝዀነት ተንታኒት ስለያ ሰራዊት ኣመሪካ ቸልሲ ማኒንግ፡ ን35 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ ነይሩ።ብ2017 ድማ ፕሬዝደንት ነበር ባራክ ኦባማ ማእሰርታ ክቕየር ገይሩ።

ኣሳንጅ ኣብ ስዊድን ዝተፈላለየ ክስታት ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን’ውን ከም ዝቐረበሉ ይፍለጥ፤ እንተዀነ ነዞም ክስታት ይነጽጐም።

እዞም ክስታት ስዊድን ናብ ኣመሪካ ክለኣኹ ይዀኑ’ዮም ብዝብል ስግኣት ድማ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤኳዶር ተሓቢኡ ኣሕሊፉ።

ሰብመዚ ስዊድን ነቲ ክሲ ኣብ 2019 ኣቋሪጾሞ፤ ድሕሪኡ ግን ሰብመዚ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ። ናብ ስዊድን ተመሓላሊፉ ንከይወሃብ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኢዱ ብዘይምሃብ ክኣ ተፈሪዱ።

ኣብ መንጐ ነዊሕ ዝወሰደ ሕጋዊ ክትዓት ክካየድ’ኳ እንተጸንሐ፡ ኣሳንጅ ሳሕቲ ክረአን፡ ንዓመታት ብሕማቕ ጥዕና ከም ዝተሳቐየን ክንገር ጸኒሑ ኣሎ፤ ኣብ 2021 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ቀሊል ወቕዒ ኣጋጢሙዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።