ፕሪጎዢን ካብ ዝመውት ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ንጉጅለ ቫግነር ዝትክኡ ዘለው መን'ዮም?

ፕሪጎዢን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዕሱባት ወተሃደራት ጉጅለ ቫግነር ኣንጻር መንግስቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ናዕቢ ብምጅማር ስንባደ ካብ ዝፈጥሩ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሩስያ ንህላወ እቲ ጉጅለ ኣብ ምፍራስን ምትካእን ኣድማዒ ስራሕ ከምዘሰላሰለት ተንተንቲ ይገልጹ ኣለው።

መራሒ እቲ ጕጅለ ዝነበረ የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ ንኣዋርሕ ምስ መራሕቲ ሰራዊት ሞስኮ ድሕሪ ዝገበሮ ወተሃደራዊ ምትፍናን ብ23 ሰነ 2023 ካብ ዩክሬይን ብምውጻእ ንደቡባዊት ከተማ ሮስቶቭ ሒዙ።

ብድሕሪኡ ሓይልታቱ ናብ ርእሰ ከተማ ገጾም ክግስግሱ ጀሚሮም። ዳርጋ ዝዀነ ተቓውሞ ድማ ኣየጋጠሞምን።

ፕሪጎዢን ነቲ ምንቅስቓስ “ገስጋስ ንፍትሒ” ክብል ክጽውዖ እንከሎ፡ ነዊሕ እንከይጸንሐ ግን ተዀሊፉ።

ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ፡ ፕሪጎዢን ዝጽዓነት ነፋሪት ተሓምሺሻ ምስ ካልኦት ሓያሎ ላዕለዎት ኣባላት ቫግነር በቲ ሓደጋ ሞይቱ።

እዚ፡ መጻኢ እቲ ጉጅለ ኣብ ዘይርጉእ ኩነታት ኣውሪድዎ'ዩ።

ኣባል ናይቲ ኣብ ዙርያ ዕሱባት ጉጅለታት ዝሰርሕ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራትን መምህር ዩኒቨርሲቲ ኮፐንሃገንን ዶ/ር ሶርቻ ማክሊዮድ፡ ኣባላት ቫግነር ዝነበሩ ኣብ መላእ ግዝኣት ሩስያ ከም ዝተበታተኑ ትገልጽ።

“[ቫግነር] ብልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ኩነታት ዘይክህሉ ይኽእል'ዩ። እንተዀነ፡ ብጉጅለታት ተበታቲኑ ይቕጽል ኣሎ። መንግስቲ ሩስያ ሓፈሻዊ ቁጽጽር ዘይክህልዎ ይኽእል። ጉጅለ ቫግነር፡ ንሩስያ ብጂኦፖለቲካውን ቁጠባውን መዳይ ንምእማኑ ዘጸግም ኣገዳስነት’ዩ ነይርዎ። ስለዚ ከምቲ ገለ ሰባት ዝሓሰብዎ ፈጺሙ ክጠፍእ ኣይኽእልን” ትብል።

ንዓመታት ሓይልታት ፕሪጎዢን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ሶርያን ንዝነበሩ ስርሒታት ሩስያ ሕቡእ መሳርሒ ኰይኖም ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ዩክሬይን ሓይልታት ሞስኮ ንምክልኻል ኪቭ ንምድኻም ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩ እዋን ግን ፕሪጎዢንን ቫግነርን ናብ ቅሉዕ መጺኦም።

ኣብ መወዳእታ 2022 መጀመርታ 2023፡ ሩስያ ኣብቲ ውግእ ኣብ ዘመዝገበቶም ገለ ዓወታት እጃም ቫግነር ኣዝዩ ልዑል ነይሩ።

ሓይልታት ቫግነር– ብብዝሒ እሱራት ዝነበሩ – ንምብራቓዊት ከተማ ሶለዳር ክሕዝዋ ክኢሎም ነይሮም።

ቫግነር ኣብ ዩክሬይን ኣስታት 50 ሽሕ ዕሱባት ከም ዝነበሮ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ይሕብር።

ሕጂ፡ ስርሒታት ቫግነር ኣብ ዩክሬይን ብኻልኦት መንግስታውን ንኡሳን ወተሃደራዊ ኣሃዱታትን ሩስያ ከም ዝተተክኡ ክኢላታት ይዛረቡ።

ሓደ ኣዛዚ ቫግነር ነበር ኣብዚ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ዕሱባት “ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክጽንበሩ” ወይ ክወጽኡ ከም ዝተኣዘዙ ገሊጹ።

ሰብ መዚ ስለያ ብሪጣኒያ፡ ገለ ኣሃዱታት ኣጋር ሰራዊት እቲ ጕጅለ ናብ ’ሮስግቫርድያ’ ወይ ሃገራዊ ሓለዋ ከም ዝተጠቕለሉ ይሕብሩ።

እቲ ኣብ 2016 ዝተመስረተ ኣሃዱ፡ “ናይ ብሕቲ ሰራዊት” ፑቲን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ብሓላዊኡ ዝነበረ ቪክቶር ዞሎቶቭ እዩ ዝመሓደር።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ፡ ኣሃዱታት ጕጅለ ቫግነር ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሃገራዊ ሓለዋ ክኣትዉ ከም ዝጀመሩ ገሊጹ።

እዞም ዕሱባት ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ “ወለንታውያን ቅርጽታት” ተባሂሉ ብዝግለጽ ኣሰራርሓ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ዩክሬይን፤ ብናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ ስምምዕ ድማ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝኸዱ ይግለጽ።

ኣንቶን የሊዛሮቭ – ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኦፕሬተር ቫግነር ኰይኑ፡ ኣብ ባክሙት ዝተኻየደ ደማዊ ስርሒታት እቶም ዕሱባት ከም ዝኣዘዘ ይንገረሉ። ድሕሪ ሞት ፕሪጎዢን ነቲ ውህደት ዘረጋገጸ ይመስል።

ምስ ቫግነር ምትእስሳር ኣብ ዘለዎ ቴሌግራም ቻነል ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልኽቲ፡ ወተሃደራት ቫግነር “ንጽቡቕ ሩስያ ዝሰርሑሉን” ምስ ኣሃዱታት ሃገራዊ ሓለዋ ብሓድሽ ኣቃውማ ዝጽንበሩሉን መዓስከር ክህነጽ እንከሎ ከም ዝተረኸበ ተዛሪቡ።

ሰበስልጣን ብሪጣንያ “ቫግነር ናብ ሮዝግቫርድያ ምጽንባሩ፡ ቫግነር ናብቲ ኣቃውማ ከም ዝተወዝዐን እዚ ድማ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ቫግነር ዘለዎ ቁጽጽር ከም ዘዕበዮን ዘመላኽት ክኸውን ይኽእል እዩ” ይብሉ።

ቫግነር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ጥራይ ከም ዘሎ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልኦት ሓይልታት ቫግነር ነበር ምስ ሓይልታት ፑቲን ኣብ ቸቸንያ ክዋግኡ ከም ኣብ ቀረባ እዋን ቢቢሲ ሩስያ ዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ውድቀት እዚ ጉጅለ ዘርኢ ጭቡጥ ኣብነት ድማ፡ እቲ ኣብ ካልኣይቲ ከተማ ሩስያ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ተሰቒሉ ዝነበረ ኣርማ ቫግነር ምውራዱ’ዩ።

ድሕሪ እቲ ቫግነር ኣንጻር መንግስሪ ሩስያ ዘበገሶ ናዕቢ፡ ፕሪጎዢን ጉጅልኡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየዱ ስርሒታት ጥራይ ትኹረት ክገብር ተሰማሚዑ ከም ዝነበረ ይንገር።

ምስ ሞተ ግን፡ ምኽትል ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩኑስ-ቤክ ዩቭኩሮቭ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኻድ እቲ ጉጅለ ዝህቦም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ከም ዘይንኪ ንሰብ መዚ እተን ሃገራት ቃል ይኣቱ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ክኢላታት ኢንስቲትዩት ዓለምለኻዊ ርክባት ፖላንድ፡ ድሕሪ ሞት ፕሪጎዢን “መንግስቲ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሮ ትኹረት ኣይተዳኸመን፤ እኳ ድኣ ተጠናኺሩ” ኢሎም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ቢቢሲ ሞስኮ ስትራተጂካዊ ኣገደስቲ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ንምርካብ “ስርዓት ናይ ምድሓን ፓኬጅ” ተቕርብ ከም ዘላ ዘቃልዑ ሰነዳት በጺሑዎ ነይሩ። እዚ ኣገባብ ቅድሚ ሕጂ ጉጅለ ቫግነር ዝመርጾ ዝነበረ እዩ።

እቲ ውጥን ብ“ወፍሪ ጉጅለ” ሩስያ ዝበሃል – ኣፍሪቃ ኮርፕስ ዝብል ሳጓ ዝተዋህቦ – ብጀነራል ነበር ኣንድሬይ ኣቨርያኖቭ ዝእዘዝ እዩ። ንሱ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቕትለት ናይ ወጻኢ መንግስታት ዒላማ ብምግባር ዝፍለጥ ሚስጢራዊ ስርሒታት ይከታተል ነይሩ።

ኣፍሪቃ-ኮርፕስ ንቫግነር ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብኣድማዒ መገዲ ከም ዝተክኦ ድማ ክኢላታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ኣሃዱ ንሓደሽቲ ዝምልመሉ ሰባት ኣብ ወርሒ ክሳብ 110 ሽሕ ሩብል (1,250 ዶላር) ዝበጽሕ ደሞዝን “ብመሪሕነት ሰፊሕ ናይ ውግእ ተመኩሮ ዘለዎም ብቑዓት ኣዘዝቲ” ኣገልግሎት ከም ዝህብን ብቴሌግራም ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ንፈለማ እዋን 100 ሰራዊት ናብ ቡርኪናፋሶ ከም ዘዋፈረ ድማ ኣፍሊጡ ነይሩ። ካልኦት 100 ድማ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ኒጀር ከም ዝኣተዉ ይግለጽ።

ተንታኒ ጸጥታ ቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ ሩስላን ትራድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሓቂ ቫግነር “ኣፍሪቃ ኮርፕስ ኰይኑ ሕጂ ድማ ንሙሉእ ዕላማታት ወተሃደራዊ ስለያ” ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ምክልኻልን የገልግል ኣሎ ይብል።

“ኣብ ኣፍሪቃ፡ እዞም ወተሃደራት ዳርጋ ተመሳሳሊ ነገር እዮም ዝገብሩ ዘለዉ - መስመራት ንግዲ ምሕላው፡ ሞስኮ እገዳ [ሃገራት ምዕራብ] ንምብዳህ እትጥቀመሉ ጸጋታት ምውሓስን ካልእን ከምኡ’ውን ንጁንታታት [እቶም ዝወፈሩለን ሃገራት] ምግልጋልን ዋሕዚ ስደተኛታት ምዕጋትን” ዝበሉ ስራሕቲ ይሰርሕ ከም ዘሎ የብርህ።

ኢንስቲትዩት ዓለምለኻዊ ርክባት ፖላንድ፡ ሩስያ ንኣፍሪቃ ኮርፕስ ካብ ቫግነር ብዝተፈለየ “ዝያዳ ብቕሉዕ” ኣብ ኣፍሪቃ ክትጥቀመሎም ከም ዝዀነትን ሃገራት ምዕራብ ብኸፊል ድማ ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለወን ጽልዋ ንምትካእ ከም ዝሰርሑን ይገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቫግነር ኣብ ትሕቲ ጽላሎት እቲ ሕሉፍ ምስሉ ኰይኑ ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ጥራይ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎን እዚ ድማ ብወዲ ፕሪጎዢን ፓቨል ዝእዘዝ ከም ዝዀነን ቢቢሲ ሩስያ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

“ሞስኮ፡ ወራሲ ቫግነር ረብሓ ሩስያ ብዘይጻባእ መገዲ እቲ ኣቡኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሰርሖ ዝነበረ ንክቕጽል ፍቓድ ሂባቶ’ያ” ክብል ምስ የቭገኒ ፕሪጎዢን ዝሰርሕ ዝነበረ ምንጪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጋዜጣ ፈረንሳ ዝዀነት ሊ ሞንድ ኣስታት 1500 ወተሃደራት ቫግነር ሓይልታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ዝተቘጻጸሩዎም ከባቢታት ንዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ከም ዝሓገዙ ጸብጺቡ።

ይኹን’ምበር፡ ኢንስቲትዩት ዓለምለኻዊ ርክባት ፖላንድ፡ ሓፈሻዊ ኣገዳስነት ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ኣብ ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ሞስኮ “ይንኪ” ከም ዘሎ ከም ዝዕዘብ ይገልጽ።

ዶክተር ማክሊዮድ፡ ቫግነር ኣብታ ሃገር ዝነበሮ መበገሲ ዕላማ፡ ጉጅለታት ዕሱባት “ከም ዕዉታት ተዋሳእቲ ጸረ-ሽበራ ክጥቀሙሉ” ከም ዝኽእሉ “መርትዖ” ምርኣይ ከም ዝነበረ ክትገልጽ እንከላ፡ እዚ ዕላማ ሞስኮ ሕጂ ከም ዝተዓወተ ክትሪኦ ትኽእል እያ ኢላ።