ነታንያሁ፡ ኣብ ራፋ ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ውግእ 'ይዛዘም ኣሎ’ ኢሉ

ብዙሓት ፍልስጤማውያን ኣብቲ ኣብ ራፋ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምስጋእ ናብ ኻን ዮኑስ ይኸዱ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ፍልስጤማውያን ኣብቲ ኣብ ራፋ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምስጋእ ናብ ኻን ዮኑስ ይኸዱ ኣለው

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ እቲ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ እትርከብ ራፋ ዝካየድ ዘሎ “ጽዑቕ ምዕራፍ” ውግእ ይዛዘም ከም ዘሎ ገሊጹ፤ እንተዀነ እዚ ማለት: መወዳእታ'ቲ ኲናት ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ።

ሓማስ ሙሉእ ብምሉእ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝእለ እቲ ኲናት ክቕጽል ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ሰራዊቱ ናብ ዶብ ሊባኖስ ዳግማይ ክወፍር ከም ዝኽእል ሓቢሩ፤ ኣብቲ ከባቢ ምስ ሒዝቦላህ ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ተኹሲ እናገደደ ከም ዝመጽአ ይፍለጥ።

ነታንያሁ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማገም ባሕሪ ማእከሉ ዝዀነ በዓል መዚ ፍልስጤም ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ምምሕዳር ክትክኦ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ደጊሙ ነጺግዎ።

“ኣብ መወዳእታ ክልተ ነገራት ክትገብሩ ክትግደዱ ኢኹም--እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምእላይ : ከምኡ’ውን ሲቪላዊ ምምሕዳር ድማ ክምስረት’ውን ከድልየኩም እዩ፤ ተስፋ ይገብር ብደገፍን ምሕደራን ሒደት ሃገራት እቲ ዞባ ከተተግብሩዎ። ንቕድሚት ንምስጓም እዚ ቅኑዕ መገዲ ይመስለኒ” ክብል ኣብ ቴሌቪዥን እስራኤል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

“እቲ ክገብሮ ድልዊ ዘይኰንኩሉ ክነግረኩም -- ኣብኡ ሃገረ ፍልስጤም ክምስርት ድልዊ ኣይኰንኩን፣ [ምምሕዳር ቓዛ] ንበዓል መዚ ፍልስጤም ከረክቦ ድልዊ ኣይኰንኩን። ከምኡ ክገብር ኣይክእልን” ኢሉ።

ነበርቲ ከተማ ራፋ፡ ኣብታ ከተማ ዝያዳ ጐንጺ ከም ዝተራእየ ክገልጹ እንከለዉ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ከተማ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ዳይሬክተር ህጹጽ ኣገልግሎት ናይቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ከም ዝቐተለ ተሓቢሩ።

በዚ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ማእከል ምክፍፋል ረድኤት እውን ተሃሪሙ፤ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ግን ሓማስ ይጥቀመሉ ነይሩ ይብል።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት ናብ ዋሽንግተን ምብጻሕ ክገብር’ዩ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ኲናት ቓዛን ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ሒዝቦላህ እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪን ክዝቲ እዩ ተባሂሉ ይግመት።

እስራኤል፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 251 ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ከም ዝተወስዱን ትገልጽ። ነዚ ስዒቡ ሰራዊት እስራኤል ሓማስ ንምጥፋእ ወፍሪ ጀሚሩ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንድሓር ድማ፡ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 37 ሽሕን 551 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይገልጽ።

ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብቶም ኣብቲ ኲናት ዝሞቱ እቶም 14 ሽሕን 680 ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ምዃኖም’ውን ይሕብር።