ኵነታት ናጽነት ፕረስ ኢትዮጵያን ጋዜጠኛታት ዘጋጥሞም ብድሆታትን

ማዕከናት ዜና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ዓመታት ንጋዜጠኛታት ትኣስር፡ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ፕረስ ጸቕጢ ትገብር ተባሂላ እያ ትኽሰስ ነይራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ እዚ ኵነታት ተቐይሩ፣ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም፡ ብዙሓት ፍርያት ፕረስ ናብ ዕዳጋ ተመሊሶም ነይሮም።

እንተዀነ፡ እዞም ተስፋታት በብቕሩብ እናተሸራረፉ ከምዝኸዱ ተጣበቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታትን ማሕበራትን ይገልጹ።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ተሓላቒ መሰላት ጋዜጠኛታት-ሲፒጀይ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ 25 መጋቢት ክሳብ 05 ሚያዝያ 2015 [ግእዝ]፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሓደ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ድማ ክልተ ከምዝተኣሰሩን ከምዝተሳቐዩን ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር፡ ብሰንኪ ዝተኻየደ ኲናት፡ ተቓውሞን ፖለቲካዊ ወጥሪን፡ ምቍራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ኰይኑ፡ ጋዜጠኛታት ብተደጋጋሚ ይእሰሩን ይጋፍዑን ኣለዉ።

ሲፒጀይ መንግስቲ ብፍላይ ኣብ እዋን ቅልውላው ካብ ሕጊ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ምእሳር ደው ከብል ሓቲቱ እዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ሚድያ፡ ዝዀነ ብሚድያ ገበን ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ከይተኣስረ፡ እቲ ክሲ ድማ ብቐጥታ ብቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ይግባእ።

ምክትል ፈጻሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ታምራት ሃይሉ፡ እቲ ማሕበር ብጋዜጠኛታት ዝፍጸም ጌጋታት ወይ ጥሕሰት ሕጊ፡ ኣክንዲ ናብ ቤት ማእሰርትን ቤት ፍርድን ምኻድ፡ ኣብ መንጐ ሰብ ሞያ ብዝግበር ክትትልን ልዝብን ክፍታሕ ከምዝሰርሕ ይዛረብ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስ መምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ሓደሽቲ ሕግታት ወጺኦም ምንባሮም ይዝክር።

ንኣብነት፡ ኢትዮጵያ ቅድሚኡ ዘይነበራ ፖሊሲ ሚድያ ኣለዋ። ዲጂታል ሚድያ ብሓድሽ ሕጊ ከም ሓደ ሚድያ ውሽጢ ዓዲ ኣፍልጦ ረኺቡ እዩ። ንጸለመ ዝምልከት ገበናዊ ተሓታትነት ተሓዲጉ። ምስፍሕፋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ናይ ጽልኢ ዘረባን ንምቍጽጻር ዝዓለመ ኣዋጃት ጠቒሱ።

ይዅን እምበር ኣብ ኣፈጻጽማኦም፡ "በብእዋኑ እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ ኣዝዩ ሓደገኛ ኰይኑ ኣሎ ኢልና ንኣምን" ክብል ታምራት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ሚድያ፡ ጋዜጠኛታት ክኽሰሱ ከለዉ፡ ብቐጥታ ተጻርዮም ናብ ዓቃቢ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም። እንተዀነ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ንጋዜጠኛታት ይኣስሩን ይሓንቁን፡ ኣበይ ከምዝተኣስሩ ድማ ኣይፍለጥን። ናብ ቤት ፍርዲ ይመላለሱ እዮም። ዋላ ብዋሕስ ክወጽኡ ብይን እንተተዋህቦም ‘ውን ኣይፍታሑን እዮም።”

ፕረዚደንት ናይቲ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድመኡን ልዕሊ 450 ኣባላት ዘለዎን ማሕበር ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ መረት ኣታላይ፡ ከምዝበሎ፡ እቲ ማሕበር መሰል ጋዜጠኛታትን ናጽነት ፕረስን ንምሕላው እኹል ስራሕ ከምዘይሰርሐ ይሕብር።

"ኣብ ኢትዮጵያ፡ መሰልን ሕግን እኳ እንተሃለወ፡ ናጽነት ፕረስ ብምሉእ መልክዑ የለን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንኣቶ ታምራት እቲ ጸገም ልዕሊ እዚ'ዩ። መግለጺታት ሓሶትን ጽልእን ብ"ሰበስልጣን መንግስትን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ውልቀሰባትን" ይዝርግሑን ሸለል ይበሃሉን ከምዘለዉን፡ ጋዜጠኛታት ግን ብስርሖም ማእሰርትን ምግፋዕን የጋጥሞም ከምዘሎ ይዛረብ።

ብዘይካ ጋዜጠኛታት፡ ገለ ትካላት ሚድያ'ውን ስግኣት ጸጥታ የጋጥመን ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ትካላት ሚድያ ዝምታ ከምዝተፈጸመ ይገልጽ።

ኣቶ ታምራት ከም ዝበሎ፡ ዋላ'ኳ ብሕጊ፡ መራኸቢ ብዙሃን ሓለዋ ክግበረለን ከም ዘለወን እንተተገልጸ፡ "ገለ ኣብያተ ጽሕፈቶም ተሰቢሩ፡ መሳርሒ ስርሖም ድማ ተመንዚዑ። ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተኣስሩሉ እዋን፡ ዝተወስዱ ንብረቶም ኣይተመለሱን" ይብል።

'እቲ ኵነታት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ'

ፕረስን ማእሰርትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቶ ታምራት፡ “እቲ ኵነታት ቅሩብ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ኢና ንርድኦ። ኣብ ሕጊ ምምሕያሻት'ኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ስለዘይከኣለ ናጽነት ፕረስ ይድረት ኣሎ" ኢሉ።

ንሱ፡ ነዚ ኵሉ ፍጻመታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ተስፋ ተገይሩሉ ዝነበረ ሃዋህው ሚድያ ኢትዮጵያ እናጸበበ ከምዝኸደ ይኣምን።

ኣቶ መሰረት፡ ብፍላይ ኣብ ዲጂታላዊ ሚድያ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታትን ኣንቃሕትን ዝበጽሖም ምፍርራሕን ምስርጣይን ሰፊሕ ምዃኑ ይዛረብ።

እቲ ፕረዚደንት ማሕበር ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ፡ ኣብተን ብመንግስቲ ዝመሓደራ መራኸቢ ብዙሃን ሞያዊ ናጽነት ከም ዓቢ ጸገም ከምዝረአ ይሕብር።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ዓበይቲ ትካላት ሚድያ መንግስቲ እዩ ዝቈጻጸረን።

ስለዚ "ናይ መንግስቲ ባጀት እናወሰድካ ንመንግስቲ ክትነቅፍ ኣይትኽእልን ኢኻ። በዚ ድማ ካብቲ መንግስቲ ዝብሎ ሓሊፎም ጌጋታት ንምእራም ኣንፈት ከርእዩ ኣይከኣሉን" ይብል መሰረት።

ናጽነት ፕረስ ክኽበር ጋዜጠኛታትን መራኸቢ ብዙሃንን ብናጻ ክሰርሑ ኣለዎም ዝብል እምነት ዘለዎ ኣቶ መሰረት፡ ሰብ ሞያ "ምስ መንግስቲ ወይ ምስ ተቓወምቲ ክጽግዑ ይግደዱ" ይብል።

ኣስታት 61 ትካላት ሚድያን ማሕበራት ጋዜጠኛታትን ኣባል ከምዝዀንዎ ዝገልጽ ቤት ምኽሪ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣዋጅ ሚድያ ዝጻረር ኣሰራርሓን ምጥሓስ ሕጊን ንምእራም ይጽዕር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ፡ "መንግስቲ ዘውጽኦ ሕጊ ብትኽክል ከምዝትርጐም ምርግጋፅ፡ መራኸቢ ብዙሓን እውን ሕጊ ከም ዘኽብሩን ብስርዓት ከም ዝሰርሑን ከርእዩ ኣለዎም" ይብል ኣቶ ታምራት።

ንሱ ወሲኹ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ብዅሉ ክኽበር ከም ዘለዎ ካብ ምሕባር ሓሊፉ፡ ሚድያን ጋዜጠኛታትን መጥቃዕቲ ክበጽሖምን ክእሰሩን ከለዉ ንሕብረተሰብ ምሕባር ኣድላዪ እዩ ኢሉ።

ኣቶ መሰረት፡ ብተወሳኺ ሰብ ሞያን መራኸቢ ብዙሃንን ሪፖርት ምግባርን ካብ ጸቕጢ መንግስቲ ነጻ ኰይኖም ክሰርሑን ናጽነት ፕረስ ንምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ።